ሕማም መንሽሮ ተቓሊሳ ኮኸብ ዋንጫ ዓለም ዝዀነት መንእሰይ

ኣብ ቀዳማይ ጸወታ ኣንጻር ደቡብ ኮርያ፡ "ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ኣዝየን መሳጢ ተውህቦ ዘለወን" ተባሂላ ተላልያ።

ብልጽቲ ተጻዋቲት ምዃና ድማ ብዘመዝገበታ እተደንቕ ሸቶ ኣመስኪራ።

እዛ ጓል 18 ዓመት ኣጥቃዒት፡ ኣብ ዝነኣሰ ዕድሚኣ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሸቶታት ብምምዝጋብ ካብታ ስምይቲ ብራዚላዊት ተጻዋቲት ማርታ ቪየራ ደ ሲልቫ ቀጺላ ካልኣይቲ እያ።

ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ጸወታ ተሓጋጋዚ ኮሎምብያዊ ኣሰልጣኒ ኣንጀሎ ማርሲግልያ፡ "ካብ ካልእ ፕላኔት እያ፡ ፍጹም ፍልይቲ እያ" ክብል ነዛ ተጻዋቲት ገሊጽዋ።

ንሳ፡ ኮሎምቢያዊት ሊንዳ ካይሰዶ እያ።

ሰንበት ዝተኻየደ ጸወታ ድማ ኣንጻር ሓንቲ ካብተን ነዚ ዋንጫ ክዕወታ ትጽቢት ዝተገብረለን ጋንታታት ዝዀነት ጀርመን’ዩ ነይሩ።

ሊንዳ ኣንጻር እታ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ኣብ ምድብ ጸወታ ተሳዒራ ዘይትፈልጥ ጀርመን ካብታ ቀዳመይቲ ዝበለጸት ሸቶ ድማ ኣመዝጊባ።

እታ ክልተ ግዜ ሻምፕዮን ዓለም ዝዀነት ጀርመን ብኮሎምቢያ 2 ብ 1 ክትስዓር ዘኽኣለት ሊንዳ፡ እነሆ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅያ እናመዝገበት ትርከብ።

ንሊንዳ ካይሰዶ ግን እዚ ብራኸ ብቀሊሉ ዝመጸ ኣይነበረን።

‘ብጣዕሚ ከቢድ ህሞት’

ሊንዳ ካይሰዶ ኣብ ካንደላርያ፡ ኮሎምብያ እያ ተወሊዳ። ስድራኣ እዚ ዝበሃል ኣታዊ ስለ ዘይነበሮም ንእስነታ ኣብ ድኽነት እያ ኣሕሊፋቶ።

ገና ኣብ 6 ዓመት ዕድሚኣ እንከላ፡ ወለዳ "ኩዕሶ እግሪ ክትጻወት" ንክፈቕዱላ ክትልምን ጀሚራ፤

ናብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ካብ እትጽምበር ኣትሒዛ ድማ ብዘደንጹ ናህሪ ክትስጉም ጸኒሓ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኮሎምብያ ኔልሰን ኣባድያ፡ “ኣብ 2016 ንመንእሰያት ኣሰልጥን ነይረ። ሊንዳ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ክወስዳ ከለኹ ጓል 12 ዓመት እያ ነይራ። ካብኡ እያ ዓብያ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሊንዳ ኣብ 14 ዓመት ዕድሚኣ ጉዕዞ ፕሮፌሽናል ህይወት ኩዕሶ እግሪ ጀሚራ።

ኣብ 2019 ምስ ኮሎምብያዊት ክለብ ኣሜሪካ ደ ካሊ ተጸንቢራ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንፈለማ እዋን ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኮሎምብያን ክትጻወት ተጸዊዓ።

ብድሕሪ’ዚ እዩ ነቲ ተስፋ ዝህብ ዝነበረ ጉዕዞኣ ዘጸልምት ነገር ዝተፈጠረ፤ ሊንዳ ካይሰዶ ኣብ 15 ዓመት፡ መንሽሮ ማህጸን ከም ዘለዋ ተነጊርዋ።

ሊንዳ ካይሰዶ ብድሕሪኡ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ክምለስ እየ ኢላ ከም ዘይሓሰበት’ያ እትገልጽ።

ድሕሪ ክልተ ሰሙን መጥባሕቲ ተገይሩላ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ሓደ ማሕደረ እንቋቝሖኣ ተኣልዩ።

ንሽዱሽተ ወርሒ እውን ኬሞቴራፒ (ሕክምና ጨረርታ) ተገይሩላ።

ድሕሪ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና፡ ካብ መንሽሮ ነጻ ምዃና ተነጊርዋ። ናብቲ ትፈትዎ ልምምድ ኩዕሶ እግሪ ድማ ክትምለስ ክኢላ።

ሊንዳ ካብ መንሽሮ ንክትሓውይ ብዙሕ ደገፍ ከም ዘበርከቱላ ብምግላጽ ስድራኣን ኣሰልጣኒ ጋንታኣ ኔልሰን ኣባድያን ኣዝያ ተመስግን።

"ኣብ ህይወተይ ኣዝዩ ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ። ኣዝየ ንእሽቶይ ከለኹ ስለዘጋጠመኒ ንዘልኣለም የመስግን። ክሓዊ ክኢለ። ከማይ ከቢድ ኵነታት ዘጋጠሞም ሰባት ነቲ ብድሆ ክሰግሩ ከም ዝኽእሉ ኣነ ኣብነት እየ" ትብል።

ሊንዳ ናብ ኩዕሶ ዓለም ተመሊሳ ምስ ዲፖርቲቮ ካሊን ሃገራዊት ጋንታን ምጽዋት ብምቕጻል ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ጸወታታት ተሳቲፋ እያ።

ኣብ 2022 ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ውድድራት ዘደንቕ ብቕዓት ኣመስኪራ - ኣብ ሻምፕዮን ትሕቲ 17 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኮስታሪካ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ህንዲ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 17 ደቂ ኣንስትዮን ኮፓ ኣሜሪካ ፌሚኒናን።

ኣብዞም ውድድራት እዚኦም፡ ዓለም ዘገርም ተውህቦ ሊንዳ ተረዲኣ።

ኣብቲ እዋን ኣአንጋዲት ኮፓ ኣሜሪካ ዝነበረት ኮሎምብያ ናብ ፍጻመ ድሕሪ ምብጻሓ፡ እታ ጓል 17 ዓመት ሊንዳ ብልጽቲ ተጻዋቲት ናይቲ ዓመት ተባሂላ ተሸሊማ።

ኮሎምብያ ብብራዚል 1ብ0 ተሳዒራ ናብ ዋንጫ ዓለም 2023 ሓሊፋ።

‘ሕጂ እውን ክመሃር ኣለኒ’

ሊንዳ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት 18 ዓመት መሊእዋ።

ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ዕለተ ልደታ ድማ ንርያል ማድሪድ ፈሪማ። ሓንቲ ካብተን ንክለባት ስጳኛ ዝጻወታ 7 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኮሎምብያ እያ።

“ንክትመሓየሺን ንክትዓቢን ክትጽዕሪ ኣለኪ። ብተወሳኺ ካብ ደገፍትን ኣሰልጠንትን ዝረኸብክዎ ደገፍ ሓጊዙኒ'ዩ" ትብል ሊንዳ። "ብኸምዚ'የ ኣብ ርያል ማድሪድ ቦታይ ኣውሒሰ።"

“ኣብ ትሕቲ 17 ዓመትን ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ተጻዊተ’የ። ቅድሚ ሕጂ ዝተጻወትክዎም ጸወታታት ሕጂ ምስ ዝያዳ ምኩራት ተጻወትቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ ሓጊዞምኒ’ዮም" ክትብል ተመኩሮኣ ናብዚ ከም ዘብጽሓ ትገልጽ።

“ሕጂ’ውን ገና መንእሰይ እየ። ሕጂ እውን ብዙሕ ክመሃር ኣለኒ። ኣብዛ ጋንታ መዓልታዊ ተመኩሮ ይረክብ ኣለኹ። እዚ ንዓይ ናይ መጀመርታ ዋንጫ ዓለም እዩ። ነዚ ድማ ከስተማቕር እየ ዝደሊ። ብዙሕ ግዜ ኣለኒ” ትብል።