ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2023፡ 'ብጾታዊ መዐቀኒ' ተኣጊዳ ዝነበረት ዛምቢያዊት ክትሳተፍ ተፈቒዱላ

ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዛምቢያ (ፋዝ) ተኣጊዳ ዝነበረት ኣጥቃዒት ባርባራ ባንዳ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ክትጻወት ብቕዕቲ ምዃና ተገሊጹ።

እታ ጓል 22 ዓመት ዛምቢያዊት ኣጥቃዒት፡ ኣብ ፈተና ጾታዊ መዐቀኒ ወዲቓ ብዝብል እያ ተኣጊዳ ነይራ።

ሰነዳት ፊፋ ከምዝሕብርዎ ምርምራ ጾታዊ መዐቀኒ፡ ተመሳሳሊ ናይ ምጽዋት ብቕዓት ንክህሉን ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተጻወትቲ ዘሎ ኣፈላላይ ንምውሓስን ዝግበር እዩ።

“ተባዕታይ ናይ ጾታ ሆርሞናት (ኣንድሮጀኒክ)፡ ሓለፉ ከርክብ ዝኽእል ብቕዓት ናይ ምውሳኽ ተኽእሎ ኣለዎም” ድማ ይብል። ነዚ እዩ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ተጻዋቶ ምርመራ ዝግበር ዘሎ። ዝለዓለ መጠን ኣንድሮጀኒክ ሆርሞን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከይጻወታ ዝኽልክል ሕጊ ወጺኡ ነይሩ።

ዋና ሓላፊት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፊፋ ሳራይ ቤርማን፡ ባርባራ ባንዳ “ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣብ ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ ብሃንቀውታ ንጽበ ኣለና" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ገሊጻ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዛምቢያ፡ ቅድሚ ሕጂ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ካብ ፊፋ ዝወሰዶ ሕክምናዊ ቅጥዒ ዘለዎ ርድኢት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነታ ብልጽቲ ተጻዋቲት ካብ ዋንጫ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ከም ዘግለላ ገሊጹ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ እዞም ንባንዳ ክትግለል ዝደረኹ ሕግታት ሕጂ ይኽለሱ ኣለዉ።

"ፊፋ ኣብዚ እዋን'ዚ ንመምርሒታት መዐቀኒ ጾታ ይግምግም ኣሎ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መስርሕ ምምኽኻር ኢና ዘለና" ክትብል ቤርማን ገሊጻ።

"ጕጅለይ ዓቢ ኣካል ናይቲ መስርሕ ምምኽኻር ምዃና ርዱእ'ዩ፤ ብዙሓት ስፖርትታት'ውን ናይ ባዕሎም ደንብታት ይኽልሱ ስለ ዘለዉ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ፡ ሓድሽ ስርዓተ ደንቢ ካብ ፊፋ ክወጽእ ክትርእዩ ኢኹም፡" ኢላ።

ባንዳ ኣብ 2020 ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ክትረክብ ከላ፡ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ናይቲ ውድድር ተኸታታሊ ሃትሪክ ዘመዝገበት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት እያ።

ካብ ዋንጫ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ (ዋፍኮን) ወጻኢ ኰይና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መስከረም ናብ ሃገራዊት ጋንታኣ ተመሊሳ፡ ዛምብያ ንፈለማ እዋን ዞባዊ ዋንጫ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ክትዓትር ሓጊዛ እያ።

ብተወሳኺ፡ ብልጽቲ ኣመዝጋቢት ሸቶን ብልጽቲ ተጻዋቲትን እቲ ውድድር ክትከውን ክኢላ።

ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ዓለም፡ እቲ ሓድሽ መምርሒ መዐቀኒ ጾታ ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2023 ክዝርጋሕ ምዃኑ'ኳ እንተገመተ፡ ኣብ ቀጻሊ መርመራ ጾታ ቀንዲ መሰረት ጸወታ ደቂ ኣንስትዮ ኰይኑ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ዝብል ግን ንጹር ኣይገበረን።

"ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣርእስቲ'ዩ፣ ብዙሓት ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብዚ ነናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ኣለዎም" ትብል ቤርማን።

"ከም ፊፋ፡ ተራና ነቶም ኵሎም ኣረኣእያታት ኣብ ግምት ምእታው'ዩ፣ ምኽንያቱ ብሓቂ ንነፍሲ ወከፍ ኣረኣእያ - መጽናዕቲ፡ መርትዖታት፡ ውልቃዊ ኵነታት፡ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝዛመዱ ነገራት - ክንርድኦ ኣለና። ዝዀነ ውሳነ ቅድሚ ምውሳንና ነዚ ኵሉ ከም ረቛሒ ክንርእዮ ኣለና።

"ዓቢ ውሳነ'ዩ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰባት ድማ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ።"

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዛምቢያ፡ ኣብ ሓምለ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ካልኦት ኣባላት እታ ጋንታ ክዀና ዝኽእላ ዝነበራ ሰለስተ ተጻወትቲ እውን ብመዐቀኒታት ጾታ ከም ዝተጸልዋን በዚ ድማ ኣብቲ ውድድር ንኽሳተፋ ከም ዘይተመርጻን ገሊጹ።

ዕብየት ዋንጫ ዓለም 'ንኻልኦት ሃገራት ክድርኽ’ዩ'

ዛምብያን ሞሮኮን፡ ኣብቲ ብኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ብሓባር ዝእንገድ ውድድር 2023 ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝሳተፋ ሓሙሽተ ሃገራት እተን ክልተ እየን።

ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ውድድር፡ ቍጽሪ ተሳተፍቲ ጋንታታት ካብ 24 ናብ 32 ድሕሪ ምውሳኹ፡ ዕብየት እቲ ውድድር ንዕብየት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ከም ዘደንፍዕ ቤርማን ትኣምን።

ናይዚ ውጽኢት፡ "እወታዊ ጥራይ'ዩ" ትብል።

"ንዛምብያ ርኣዩ - ከምኣ ዝበለት ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ናብቲ ውድድር ክትሓልፍ ከላ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝካየዱ ጸወታታት ዝህልዎ ጽልዋ ዓቢ'ዩ። ኣብ ኦሎምፒክ'ውን ኣዝዩ ጽቡቕ ውጽኢት ኣመዝጊባ’ያ - ካልኦት ሃገራት ነዚ ተረዲአን'የን። ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ተወዳዳርነት ኣቃሊልካ ምርኣይ ኣይከኣልን።

"እቲ ምስፍሕፋሕ ብሓቂ ሓጊዙ'ዩ፡ ንኻልኦት ሃገራት'ውን ክድርኽ'ዩ።"

ሻምፕዮን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያ፡ ንፈለማ እዋን ዝሳተፋ ዘለዋ ዛምብያን ሞሮኮን ኣብቲ ውድድር ንኣፍሪቃ ወኪለን ዝቐርባ ኣርባዕተ ሃገራት እየን።

ሰኔጋልን ካሜሩንን፡ ናብቲ ውድድር መንአን ትሓልፍ ንምውሳን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ መንጎ ኣህጉራት ኣብ ዝካየድ ናይ በጺሕኻ ምምላስ ጸወታታት ክሳተፋ እየን።

ስለዚ፡ ኣፍሪቃ ኣብቲ ካብ ሰነ ክሳዕ ነሓሰ 2023 ዝካየድ ወድድር ብሽዱሽተ ሃገራት ክትውከል ዕድል ኣለዋ።