እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም ታሪኽ ትሰርሕ ዘላ ሩዋንዳዊት ዳኛ
ሳሊማ ሙካንሳንጋ ትበሃል፤ ሩዋንዳዊት ዳኛ እያ።
ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ንፈለማ እዋን ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ ድሕሪ ምዃን ታሪኽ ሰሪሓ'ላ።
ን92 ዓመት ኣብ ዝጸንሐ ታሪኽ እቲ ውድድር፡ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ክሳተፋ እዚ ንመጀመሪያ ግዜ እዩ።
እዛ ጓል 34 ዓመት፡ ራብዐይቲ ዳኛ ኰይና ኣብ መንጐ ሻምፕዮን ዓለም ፈረንሳን ኣውስትራልያን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ መሪሓ።
ሳሊማ ሙካንሳንጋ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ዝተሳተፈት ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ እያ።
ብተወሳኺ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ዳኛ ከምዝነበረት ይዝከር።
ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ዳኛ ኰይና ምስታፋ፡ ንኻልኦት ህንጡያት ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኣፍሪቃ ተስፋ ዝህብ እዩ።
እታ 34 ዝዕድመኣ ሩዋንዳዊት፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለማዊ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ዝተሳተፋ ሽዱሽተ ፈለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ እያ።
ሳሊማ ነዚ ዕድል ከምዝተመዘዘት ድሕሪ ምፍላጣ፡ "ቅድሚ ሕጂ ተፈጺሙ ስለዘይፈልጥ ክብርን ፍሉይ ዕድልን'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ከምዝገለጸት ይዝከር።
እታ ካብ 2012 ጀሚራ ዳኛ ፊፋ ዝዀነት ሳሊማ፡ ኣብ ህይወታ ገና ብኣጋኡ ዘጋጠማ ንጽገት ተጻዊራ እያ ነዚ ታሪኽ ክትሰርሕ ክኢላ።
ብኣጋኡ ዘጋጠማ ንጽገት
ንእሽቶ ጓል ከላ፡ ኣካል ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኩዕሶ ሰኪዔት ክትከውን ዘኽእል ዕድመ ከምዘይብላ ተነጊርዋ።
ብድሕሪኡ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ከተተኩር መሪጻ፤ እዚ ዝመረጸቶ ስፖርት ግን ኣብ ውሽጣ ሓያል ስምዒት ፈጢሩላ።
"ጸወታታት ክዕዘብ ክኸይድ ከለኹ፡ እዞም ኣብ ውሽጢ [ሜዳ] ዳያኑ ዝበሃሉ ሰባት ርእየዮም" ትብል።
"ኣብ ሜዳ ጸወታ ውሳነታት ክወስኑን ኵሉ ክቕይሩን ይኽእሉ፣ ስለዚ ተሓጒሰ። ካብታ ህሞት እቲኣ ጀሚረ ድማ፡ ገና ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ከለኹ፡ ብዛዕባ እቶም ሰባት ክሓስብ ጀሚረ።"
ብኸምዚ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ እንከላ ዳኛ ክትከውን ጀሚራ፣ ብቕልጡፍ ዝተመሃረትሉ እዋን ነይሩ።
"ብዙሕ ስራሕ ከምዘሎ ኣይፈለጥኩን - ክኽተሎ ዝግበኣኒ ሕጊ፡ ክኽተሎ ዘለኒ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ውሽጠይ ዝህልወኒ ሞያውነት - ግን ቀስ ብቐስ ክመሃር ጀሚረ።"
"ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ። ሕግታት ናይቲ ጸወታ ከተንብብ ከለኻ ንምርዳእ ቀሊል'ዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ግን ነቲ ስራሕ ክትመልኮ ገለ ግዜ የድልዮ" ትብል ሳሊማ።
ኣማተር ተጻዋቲት ኰይና ንሓጺር እዋን ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን ስልጠና ዳኛ ዝጠልብ ምልክታ ርእያ። እንተዀነ ካብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ብቐጥታ ኣብቲ ስልጠና ዳያኑ ንኽትሳተፍ ንማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሩዋንዳ (ፈርዋፋ) ምስ ሓተተት፡ ብሰንኪ ዕድመኣ ሽዑ’ውን ተነጺጋ'ያ።
እዛ ቈራጽ ውልቀሰብ ግን፡ ብውልቃን ብጻዕራን ሕግታት ጸወታ ፊፋ ኣጽኒዓ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሩዋንዳ፡ ምስ ካልኦት ትስፉዋት ዳያኑ ክትመሃር ዕድል ሂብዋ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ሩዋንዳ ዝካየዱ ጸወታታት ሊግ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ምምራሕ ክሳብ ናብ ዋንጫ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ 2016፡ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2019ን ኦሎምፒክ ቶክዮን ተጓዒዛ።
ኣብ 18 ጥሪ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዚምባብወ ኣብ ልዕሊ ጊኒ ዝተዓወተትሉ ጸወታ፡ ሳሊማ ሽዱሽተ ብጫ ካርድ ብምሃብን ንዝተባእሱ ተጻወትቲ ብምፍላይን ርጉእን ብቕዓታ ኣርእያ እያ።
ኣብቲ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ድሕሪ ናይ መወዳእታ ፊስካ፡ ናይ ብሓቂ ስምዒታዊ እየ ነይረ - ናይ ብሓቂ ኣዝየ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ ነይረ" ኢላ።
". . . በይነይ ኣይነበርኩን። እቲ ስምዒት ካብ መሳርሕተይ ዝመጸን ሓጐስ'ውን ዘፍረየን’ዩ - ምኽንያቱ ታሪኽ ሰሪሕና፡ እቲ ጸወታ ብዘይ ገለ ጸገም ክዛዘም ጌርና።"
ከምዚ ዝኣመሰለ መቐረት ግን ንዓመታት ዝወሰደ ዕንቅፋታት ምብዳህ የድልዮ ነይሩ።
'ዘገርም ምዕራፍ'
ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስተኻየደ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ፡ እታ እንኮ ስርሓ ዳንነትት ዝዀነ ሳሊማ፡ ካብ ጾታዊን ባህላውን ፍልልያት ክሳብ መሰረታዊ ስነ-ህይወት ዝበጽሕ ዘጋጠምዋ ገለ ብድሆታት ነዲፋ።
"ወርሓዊ ጽግያትና ኣሎ - ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ክትጐዪ ወይ ክትመርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ" ክትብል ትገልጽ።
"እንተድኣ ነፍሰጾር ኰይና - ክትጎዪ ኣይትኽእልን እያ። ክንወልድ ከለና ኣካልና ዳግማይ ንቐጻሊ ጕዕዞ ንምድላው፡ ንኽንሓዊ ግዜ የድሊ።
"ፍጥነት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ስለዘሎ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ደቂ ተባዕትዮ ክጐዪ ኣይክእልን እየ። እንተዀነ ዝያዳ ክገብር፡ ዝያዳ ክደፍእን እንተወሓደ ኣብ ብተመሳሳሊ ናህሪ ክጎዪን፡ ምስ ተጻወትቲ ቅርበት ፈጢረ ጽቡቕ ርእየት ክህልወኒን ክገብር እኽእል እየ።"
ልምምዳታን ናይ ብቕዓት መርመራኣን ኣብ ጐድኒ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝካየድ።
ኣብ ሜዳ ቅልጡፍ ውሳነታት ትወስድ ሳሊማ፡ ንፊፋን ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃን (ካፍ) ስለቲ ክፍልታት ኣሰልጠንቶም ተመስግን።
ኣብ መጀመርታ ኣብ ጸወታ ደቂ ተባዕትዮ ዝሑል ኣቀባብላ ዝገጠማ ሳሊማ ኣብቲ ስራሕ ዘጋጥምዋ ብድሆታት ግን ተቐቢላቶም።
"ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝዕብለል ዓውዲ፡ ስራሕካ ብዕጽፊ ክትውስኽ ኣለካ፣ ድሕሪኡ እቲ ኒሕ ይሃልኻ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ኒሕ ክትደክም ኢኻ፡ ድሕሪኡ ድማ ክትገድፎ ኢኻ" ክትብል ትገልጽ።
"ግን ክንገድፎ ኣይንደልን። ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ኴንና ብሓባር ክንሰርሕ፡ ክንዕወትን ክንቃለስን ኣለና።"
ዋና ኣሰልጣኒ ዳንነት ካፍ ጄሮም ዴመን፡ ሳሊማ ፍረ ጻምኣ ከምዝረኸበት ይኣምን።
"ፍጹም ዘገርም ምዕራፍ'ዩ፣ ኣብ ፍሉይ ኵነታት እያ ዘላ፣ ሓንቲ ካብቶም ውሑዳት ናብ ዋንጫ ዓለም ዝኸዱ ዝኽእሉ ላዕለዎት ዳያኑ እያ" ይብል ዴመን።
"ቅድሚ ሕጂ ኣይተገብረን፣ ስለዚ ብዛዕባ ዳንነት ኣፍሪቃን ምዕባለኡን ብዙሕ ዝገልጽ’ዩ።"
ደቂ ኣንስትዮ ምድጋፍ 'ፍረ ክህብ' እዩ
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ፊፋ፡ ሽመት ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ፡ "ነዊሕ መስርሕ" ከምዝሓለፈ ገሊጹ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ኮሚተ ዳያኑ ፊፋ ፐርሉዊጂ ኮሊና፡ "ጾታ ዘይኮነስ ጽሬት'ዩ ዘገድስ" ይብል።
"ኣብ መጻኢ፡ ንኣገደስቲ ውድድራት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ምምራጽ ከምንቡር ክውሰድ ተስፋ እገብር።"
“ብቐጻሊ፡ ብልዑል ብቕዓት ስለዝሰርሓ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሳተፋ ይግብአን'ዩ” ክብል ይውስኽ።
ካብ ሳሊማ ብተወሳኺ ፈረንሳዊት ፍራፓርት፡ ጃፓናዊት ያማሺታ፡ ከምኡ’ውን ተሓጋገዝቲ ዳያኑ ዝዀና ብራዚላዊት ኔውዛ ባክ፡ ሜክስካዊት ካረን ዲያዝ መዲናን ኣሜሪካዊት ካትሪን ነስቢት ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ክሳተፋ እየን።
ሳሊማ፡ "ንዓወት ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና" ትብል።
"ጸገማት፡ ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ኣለዉ። ብሓያል ኣተሓሳስባ፡ ተወፋይነትን ምሉእ ተሳትፎን ካብ ምቅላስ ሓሊፍና ንገብሮ ነገር የለን - ሽዑ ክንዕወት ኢና።"
ሰባት ኵሉ ግዜ ብኣኻ ሕጕሳት ክዀኑ ከምዘይክእሉ ትገልጽ ሳሊማ፡ “ስለዚ እቲ ክትሰርሖ ዝግባእ ምስራሕ'ዩ" ትብል።
"ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ሰባት 'እወ ልክዕ እያ' ክብሉ እዮም።"