እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክወጽእ እዩ
ፖርቱጋላዊ ኣጥቅዓይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክወጽእ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ዝተገለጸ፡ ሮናልዶ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዝገበሮ ኣዘራራቢ ቃለመጠይቕ ነታ ክለብ ክነቅፍ እንከሎ ንኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ ኣኽብሮት ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ምውጻእ ሮናልዶ፡ “ብክልተኣዊ ስምምዕ” ዝተበጽሐ ከምዝዀነ ሓቢሮም።
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እቲ ተጻዋታይ ኣብ ኦልድትራፎልድ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ንዅሉ ኣበርክቶ ምስጋናኣ ገሊጻ።
እቲ መግለጺ እታ ጋንታ ወሲኹ፡ “ንእኡን ንስድራኡን ሰናይ ምንዮቱ” ገሊጹ።
“ነፍሲ ወከፍ ኣባል ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ምዕባለ እታ ጋንታ ኣብ ትሕቲ ኤሪክ ተን ሃግ” ብምትኳር ክቕጽል ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ብምዃን ኣብ ቐጠር ዝርከብ እቲ ወዲ 37 ዓመት፡ ሓሙስ ኣንጻር ጋና ኣብ ዝካየድ ጸወታ ሓለቓ ጋንታ ሃገሩ ኰይኑ ክስለፍ ትጽቢት ይግበር።
ሰሙናዊ 500 ሽሕ ፓውንድ ዝኽፈል ሮናልዶ፡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘለዎ ውዕሉ ከብቅዕ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝተርፎ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ኣብ ዝጅምር መስኮት ምስግጋር ተጻወትቲ ምስ ሓዳስ ጋንታ ክፍርም ይኽእል።
ሮናልዶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ዝገበርናዮ ዝርርብ፡ ውዕልና ኣቐዲምና ከነብቅዕ ተሰማሚዕና ኣለና፡” ኢሉ።
“ንማንቸስተር ዩናይትድ አፍቅራ እየ፡ ነቶም ደገፍቲ’ውን አፍቅሮም እየ፤ እዚ ፍጹም ዝልወጥ ኣይኮነን። እንተዀነ ሓድሽ ብድሆ ከናዲ ቅኑዕ ግዜ ኰይኑ እስምዓኒ።
“ነታ ጋንታ ኣብ ዝቕጽል ጸወታታትን ኣብ መጻኢን ዓወት እምነየላ፡” ኢሉ።
ሮናልዶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ምስ ቶክ ቲቪ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “በታ ጋንታ ከምዝተጠለመ” ከምዝስምዖን ካብታ ጋንታ ክወጽእ ጸቕጢ ይግበሉ ከምዘሎ ከምዝስምዖን ተዛሪቡ ነይሩ።
ብዘይካ’ዚ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ነበር ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ኣብ 2013 ነታ ጋንታ ካብ ዝገድፋ ንደሓር ኣብታ ጋንታ ምምሕያሽ ከምዘይተገብረ ተዛሪቡ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ነዚ ኣመልኪታ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ “ግቡእ ስጕምትታት ምውሳድ ከምዝጀመረት” ሓቢራ።