ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2023፡ ትንበያ ጸወታታት ዙር 16

ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2023 ክሳተፋ ካብ ዝጸንሓ 32 ሃገራዊ ጋንታታት እተን 16 ካብቲ ውድድር ተገሊፈን እየን።

ካብተን ዝተረፋ 16 ድማ ናብ ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሓ እተን 8 ጥራይ እየን።

ክኢላ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ስፖርት ሬቸል ብራውን-ፊኒስ ኣብዚ ውድድር ግምት ውጽኢት ክትህብ ጸኒሓ እያ፤ ካብ 48 ናይ ምድብ ጸወታታት ድማ 27 ብትኽክል ገሚታ ኣላ።

ሎሚ’ውን ጸወታታት ዙር 16 ኣመልኪታ ግምታ ኣተንቢሃ ኣላ።

ቀዳም 5 ነሓሰ

ጸወታታት ዙር 16፡ ካብ ትማሊ ቀዳም 4 ነሓሰ ዝጀመረ፡ ክሳዕ ሰሉስ 8 ነሓሰ ክቕፅል እዩ።

ቀዳም ስዊዘርላንድ ኣንጻር ስጳኛ ከምኡ’ውን ጃፓን ኣንጻር ኖርወይ ዘራኸቡ ክልተ ጸወታት ተኻይዶም’ዮም።

ሬቸል፡ ስጳኛን ጃፓን ክዕወታ ኣተንቢሃ ነይራ፤ ከምቲ ዝበለቶ ድማ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ተዓዊተን ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሐን ኣለዋ።

ውጽኢት:

ስዊዘርላንድ 1-5 ስጳኛ

ጃፓን 3-1 ኖርወይ

ሰንበት 6 ነሓሰ

ሆላንድ ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ'ዚ ዋንጫ ዓለም ትሑት ግምት’ዩ ተዋሂብዋ ነይሩ።

እንተዀነ ኣንጻር ብዙሕ ግምታት ናብዚ ደረጃ ክትበጽሕ ክኢላ’ላ።

ባንያና ባንያና ብዝብል እትጽዋዕ እዛ ጋንታ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸወታ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ሸቶታት ዘመዝገበት ክትኰን ከላ፡ ኣብዚ ጸወታ’ውን ሸቶ ከም ተመዝግብ ሬቸል ትገለጽ።

ዓወት ግን ናብ ሆላንድ ገጻ እያ ትብል።

ግምት፡ ሆላንድ 2-1 ደቡብ ኣፍሪቃ

ሽወደን ኣንጻር ኣመሪካ

ኣብዚ ጸወታ ሽወደን ክትዕወት ብዙሕ ግምት ረኺባ’ላ።

ኣመሪካ ብቕዓት ኣለዋ፡ ግን ክሳብ ሕጂ ውህደት ዘለዎ ጸወታ ኣየርኣየትን። ተጻወትታ ንቕድሚት ክቐርባ ከለዋ ብዙሕ ርእሰ ተኣማንነት ዘለወን ኣይመስላን።

ኩዕሶ ናብ ሽቶ ናይ ዘይምቕያር ዘርእይኦ ዘለዋ ድኽመት ዋጋ ከኽፍለን ይኽእል'ዩ።

ግምት፡ ሽወደን 2-1 ኣመሪካ ድሕሪ ተወሳኺ ግዜ

ሰኑይ 7 ነሓሰ

እንግሊዝ ኣንጻር ናይጀርያ

እዚ ዋንጫ ዓለም ካብቲ እንግሊዝ ትጽቢት ዝገበረቶ ንላዕሊ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝቐለለ መንገዲ ዝኸፈተ ይመስል። ጀርመንን ብራዚልን ተገሊፈን እየን፤ ነዚ ጸወታ ዝሰዓረት ድማ ቀጺላ ምስ ኮሎምብያ ወይ ጃማይካ እያ ክትገጥም።

ኣንጻር ናይጀርያ ሸቶ ምምዝጋብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

እንግሊዝ ግን ቅድሚ ሕጂ ምስ ብዙሓት ከምዚአን ዝኣመሰላ ጋንታታት ተጻዊታ እያ።

'ኣናብስ' ሕጂ ብዙሕ ናይ ምጥቃዕ ኣማራጺታት ረኺበን ኣለዋ፡ ንናይጀርያ ምርታዕ ዝኽእላ ኰይኑ ከም ዝስምዓ ሬቸል ተመልክት።

ግምት፡ እንግሊዝ 2-0 ናይጀርያ

ኣውስትራልያ ኣንጻር ዴንማርክ

እዚ ኣብ ስታድዩም ኣውስትራልያ ዝግበር ጸወታ፡ ኣስታት 80 ሽሕ ተዓዘብቲ ከም ዝረክብ ትጽቢት ይግበር።

ምክልኻል ዴንማርክ ቀሊል ከም ዘይኰነ መስኪርና ኣለና።

እታ ሓባራዊ ኣአንጋዲት እንተዘይተገሊፋ ነዚ ውድድር ጽቡቕ ይመስለኒ።

ግምት፡ ኣውስትራልያ 2-1 ዴንማርክ

ሰሉስ 8 ነሓሰ

ኮሎምብያ ኣንጻር ጃማይካ

ኮሎምብያ ክሳዕ ሕጂ ዘገርም ውጽኢት ኣርእያ ኣላ፡ ኣብ ዙር 16 ክትሳተፍ ድማ ምሉእ ብምሉእ ይግብኣ።

ብብሉጽ ውዳበ ተዋዲዳ ኣብ ምጥቃዕ ገለ ዓበይቲ ህሞታት ኣመዝጊባ’ያ - ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ጀርመን ዝረኸበቶ ዓወት ብቴክኒካዊ መዳይ ብሉጽ ነይሩ።

ጃማይካ እውን ብዙሕ ቆራጽነት ኣርእያ እያ።

ገለ ሃገራት እኹል ምድላዋት ክገበራ፡ ወይ ብዙሕ ተመኩሮ ዋንጫ ዓለም ከይሓዛ ናብዚ ውድድር ኣትየን’የን፡ እንተዀነ ክስማዓን ክረኣያን ከም ዝግባእ ኣርእየን ኣለዋ።

ግምት፡ ኮሎምብያ 2-0 ጃማይካ

ፈረንሳ ኣንጻር ሞሮኮ

ሞሮኮ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንምጽዋት እንታይ ከም ዝጠልብ ኣዝያ ቀልጢፋ ተረዲኣ ኣላ፤ ከምቲ ኣብ መኽፈቲ ጸወታኣ ብጀርመን 6ብ0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ እዋን ኰይና ከም ዘይትቕጽል ርዱእ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ምድብ ጸወታታት ተወሳኺ ከቢድ ስዕረት ከጋጥማ እዩ ኢሎም ገሚቶም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ካልእ ተወሳኺ ሸቶ ከየአንገደት ኣብዚ በጺሓ’ላ።

ፈረንሳ ብወገና ቁሩብ ተዓንቂፋ ነይራ። ኣብ መወዳእታ ካብ ምድብ ቀዳመይቲ ክትስራዕ’ኳ እንተኸኣለት፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ዘእምን ብቕዓት ኣየርኣየትን።

ይኹን’ምበር ርእሰ ተኣማንነትን ናህርን ሞሮኮ ተጻዊራ፡ ነዚ ጸወታ እትዕወት ይመስለኒ።

ግምት፡ ፈረንሳ 1-0 ሞሮኮ