ንመራሕቲ ቻይና ዓቢይ ብድሆ ዝዀነ ዘሰንብድ ተቓውሞ ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ቻይና ተግባራት ተቓውሞ ዘይተለምዱ ኣይኰኑን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ካብ መርዛም ብከላ ክሳብ ዘይሕጋዊ ምምንዛዕ መሬት፡ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ማሕበረሰብ ብፖሊስ ዝፍጸም ግፍዒ፡ ሃንደበታዊ ብዙሓት ተቓውሞታት ክለዓሉ ምኽንያታት ኰይኖም እዮም።

ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ዝተፈለየ እዩ።

ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ቻይና ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ሓደ ኣርእስቲ ኣሎ። ብዙሓት ድማ ብእኡ ይጽገሙ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቅጭ መጺእዎም ኣሎ። እዚ ድማ መንግስቲ ዝርጋሐ ኮቪድ ንምግታእ ዝገብሮ ዘሎ ተሪር እገዳታት እዩ።

ነበርቲ፡ ማሕበራዊ ርሕቐት ንምትግባር ዝተዳለዉ መሰናኽላት ብምስባር፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣብ ከተማታትን ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲታትን ኣብ ጐደናታት ዓበይቲ ተቓውሞታት የካይዱ ኣለዉ።

ብገለ መልክዑ ኣብ ከተማ ሻንጋይ መራሒ ቻይና ዢ ጂንፒንግ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጽውዑ ኣለው።

ኣብ ቻይና ንዋና ጸሓፊ ደሳዊ ሰልፊ ብግልጺ ምንቃፍ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ ዘኽእል ገበን እዩ።

ብዙሓት ሰልፈኛታት፡ እታ ሃገር እትኽተሎ ፖሊሲ ‘ዜሮ መልከፍቲ’፡ ባርዕ ሓዊ 10 ነበርቲ ዝቐተለላ ከተማ ዚንጂያንግ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ዕንቅፋት ኰይኑ ኢሎም ይወቕሱ።

ሓደ ሰልፈኛ "ዢ ጂንፒንግ!"

ኣማኢት ድማ "ካብ ስልጣን ውረድ!"

ደጋጊምካ፡ "ዢ ጂንፒንግ - ውረድ! ዢ ጂንፒንግ - ውረድ!"

እቲ ጭርሖ'ውን "ዴሳዊ ሰልፊ - ውረድ! ዴሳዊ ሰልፊ - ውረድ!"

ኣብ ስልጣን ካብ ምጽናሕ ዝዓቢ ካልእ ቀዳምነት ንዘይብሉ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ተቓውሞታት ዓቢ ብድሆ እዩ።

መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ‘ዜሮ መልከፍቲ’ ዘሎ ዘይዕጕብነት ኣዝዩ ኣቃሊሉ ዝወስዶ ዘሎ እዩ ዝመስል።

ሰበ-ስልጣን ቻይና፡ እቲ ፖሊሲ ‘ዜሮ መልከፍቲ’ ዝዀነ ዕንቅፋታት ከይህልዎ ክሰርሑ ጸኒሖም እዮም።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ካብዚ ጉዳይ ቀሊል መውጽኢ ከምዘይብሉ እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ።