እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንቻይና ዝመርሑ ቀንዲ ሰብኡት በዓል መን እዮም?
ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ኣብ መወዳእታ ጉባኤኡ ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ንቻይና ዝመርሑ ሰባት ብወግዒ ኣፍሊጡ’ሎ።
ቀዋሚ ኮሚቴ ፖሊትቢሮ፡ ማዕረ ፕረዚደንታዊ ካቢነ ቻይና ስልጣን ኣለዎ።
እዚ ኮሚቴ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰልፊ ከም ‘ልሂቀ-ልሂቃን’ ዝቝጸር ኰይኑ፡ ናብ ላዕሊ ንምብጻሕ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣንጸባራቒ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝሓትት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ውሕሉል ክእለታት ምምላኽ እቲ ውሽጣዊ ንሕንሕ ዝሓትት'ውን እዩ።
ኣብዚ ሰልፊ፡ ሓደ ዘመነ ስልጣን ድሕሪ ምብቅዑ፡ ዓበይቲ ምትዕርራያት ቀዋሚ ኮሚቴ ምርኣይ ልሙድ እዩ፤ እዚ ሕጂ ዝተራእየ ድማ ብተመሳሳሊ ከምቲ ዝሓለፈ እዩ።
እዞም ኣባላት ኮሚቴ፡ ብፕረዚደንት ዚ ጂንፒንግ ብጥንቃቐ ዝተመርጹ ኰይኖም፡ ብዘይካ ዣኦ ለጂን ዋንግ ሁኒንግን፡ እቶም ካልኦት ኣብቲ ጕጅለ ሓደስቲ እዮም። ዳርጋ ኵሎም እሙናት እቲ ፕረዚደንት ምዃኖም ድማ ይንገር።
በዚ መሰረት፡ እቶም ኣባላት ‘ቲ ብፕረዚደንት ዢ ዝምራሕ ማእከል ስልጣን ቻይና ዝዀኑ ሰባት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ሊ ቺያንግ
ጸሓፊ ሰልፊ ሻንጋይ ኰይኑ ዕድመኡ 63 እዩ።
ንሱ፡ ከም ኣዝዩ እሙንን ንኡስ መሳርሕቲ ዢ ዝቝጸርን ኰይኑ፡ ኣብ ዞባ ዠያንግ ኣብ ዝርከባ ንኡሳን ዞባታት ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። ፕረዚደንት ዢ፡ ሓላፊ ሰልፊ ኣብ ዠጂያንግ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሊ፡ ሓለቓ ስታፍ ኰይኑ የገልግል ነይሩ።
ጕጅለኡ፡ ኣብ መጀመርያ እዚ ዓመት ኣብ ሻንጋይ ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ፡ ጕጅለኡ ብነበርቲ እቲ ዞባ ብተሪር ተነቒፋ እያ። እዚ ድማ ንፖለቲካዊ መጻኢኡ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ነይሩ።
እዚ ሽመት’ዚ ግን ንዢ ዘለዎ ተኣማንነት ብንጹር ዘረጋግጽ ኰይኑ’ሎ። መዓርግ ናይዞም ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክረጋገጽ ምዃኑን፡ ብዙሓት ድማ ሊ ኣብ ዝመጽእ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውንን፡ ድሕሪ ዢ ካልኣይ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይግምቱ።
ዣኦ ለጂ
ሓላፊ ማእከላይ ኮሚሽን መርመራ ስነ-ስርዓት ኰይኑ ዕድመኡ 65 እዩ።
ዣኦ፡ ኣብ መሪሕነት ቻይና ከም ሓደ ዝደምቕ ዘሎ ኮኾብ ዝርአ ኰይኑ፡ ልክዕ ከም ፕረዚደንት ዢ፡ ምስ ግዝኣት ሻንጺ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ።
ንሱ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ግዝኣት ቺንግሃይ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ብቕልጡፍ ኣብ መሳልል ስልጣን ደይቡ፤ ኣብ 42 ዓመት ዕድመኡ ኣመሓዳሪ ዞባ ክኸውን ዝኸኣለ ዝነኣሰ ሰብ ድማ እዩ።
ዣኦ ከም ሓላፊ ኣካል ጸረ-ብልሽውና መጠን፡ ሓላፍነት ምዕቃብ ሰልፋዊ ስነምግባር ኣሎዎ፤ በዚ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉቦ ከምዝተቐበሉ ኣቃሊሑ እዩ።
ዋንግ ሁኒንግ
ቀዳማይ ጸሓፊ ሴክረታርያት ዴሳዊ ሰልፊ ኰይኑ፡ ዕድመኡ 67 እዩ።
ዋንግ፡ ምሁርን ፕሮፌሰርን ዝነበረ ይዅን እምበር፡ ዓይኒ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብ መሳልል ፖለቲካዊ ስልጣን ዝደየበ እዩ።
ንሱ፡ ንፕረዚደንት ነበር ዢያንግ ዘሚን ከማኽር ተሓጽዩ፡ ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ክኸውን ዕብየት ዝረኸበ እዩ።
ዋንግ ከም ፖለቲካዊ ክልሰ-ሓሳባዊ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና መጠን፡ ሓያለ ሓሳባት እቲ ሰልፊ ዝሃንደሰ ቀንዲ ሓንጐል እቲ ሰልፊ ምዃኑ ይእመን።
እዚኣቶም ድማ ጽንሰሓሳባት ሰለስተ መራሕቲ ቻይና፡ ማለት ክልሰሓሳባት ዢያንግ ዘሚን፡ ሳይንሳዊ ኣረኣእያ ምዕባለ ሁ ጂንታኦን ኣተሓሳስባ ዢ ጂንፒንግን ይርከብዎም። እቲ ዝዓበየ ተበግሶ ቅናትን መንገድን ቻይና እውን ሓሳቡ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ንሱ፡ ምስ ኵሎም ንኡሳን ጕጅለታት እቲ ሰልፊ ጽቡቕ ስምምዕ ኣለዎ፡ ይበሃል።
ካይ ቺ
ወዲ 66 ዓመት ኰይኑ፡ ከንቲባ በይጂን እዩ።
ንሱ ናይ ቀረባ ፈታዊ ዢ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ መራሒ ቻይና ኣብ ዞባታት ፉጂያንን ዠጂያንግን ዝሰርሐን፡ ንፍጹም ተኣማንነት ነቲ መራሒ ዝጸንውዐን እዩ።
ኣብ መጀመርታ ‘ዚ ዓመት፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣብ በይጂን ዝተኣንገደ ኦሎምፒክ ሓጋይ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ከም ዓቢይ ዓወት ዝተራእየን፡ ንሱ’ውን ዝተመጐሰሉን እዩ።
እንተዀነ፡ ኣብ 2017 ብዝሒ ህዝቢ እታ ርእሰ ከተማ ንምንካይ ዘውጽኦን፡ ኣብ መወዳእታ ብዙሓት ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ካብታ ከተማ ንኽወጽኡ ዘገደደን ውጥኑ፡ ብዙሕ ክትዓት ፈጢሩ እዩ።
ዲንግ ሹክሽያንግ
ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ኰይኑ፡ ዕድመኡ 60 እዩ።
ብትምህርቲ መሃንድስ ዝዀነ ዲንግ፡ ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝርከብ ጸግዒ-መንግስቲ ኣብ ዝዀነ ማእከል መጽናዕቲ ፖለቲካዊ ስራሕ ከም ዝጀመረ ይንገረሉ።
ንሱ፡ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምድያብ ስልጣን ኣገዳሲ ጽፍሒ ተባሂሉ ዝሕሰብ - ከም ጸሓፊ ሰልፊ ዞባ ወይ ኣመሓዳሪ ተመኵሮ’ኳ እንተዘይነበሮ፡ ኣብ 2007 ግን ጸሓፊ ዢ ኰይኑ ተመዚዙ። ካብ 2014 ኣትሒዙ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኰይኑ፡ ከም ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ዢ ኣድማዒ ስርሓት ፈጺሙ እዩ።
ሓያል ተጣባቒ ኣተሓሳስባ ዢ ጂንፒንግ ዝዀ ዲንግ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም እሙናት ደገፍቲ ዢ እዩ። ንሱ፡ መራሒ ቻይና ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ይዅን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝገበሮ ብዙሕ መገሻታት ኣሰንዩዎ'ዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዝዀነ በዓል ስልጣን ንላዕሊ ምስቲ መራሒ ዝበዝሐ ግዜ ዘሕለፈ ምዃኑ ድማ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
ሊ ጺ
ንሱ፡ ወዲ 66 ዓመት ኰይኑ፡ ኣብ ግዝኣት ጉዋንዶንግ ጸሓፊ ‘ቲ ሰልፊ እዩ።
ምስ ስድራቤት መራሒ ቻይና ጥቡቕ ርክብ ዘለዎን ነቲ መራሒ እሙን ዝዀነን ሊ፡ ኣብ 2017 ኣብ ግዝኣት ሊዮኒንግ ብሰንኪ ዝተፈብረኸ ናይ ሓሶት ቁጠባዊ መረዳእታ ንዝተፈጸመ ብልሽውናን ቅልውላውን ክፈትሕ ዝኸኣለ ምዃኑ ይንገረሉ።
ንሱ ኣብታ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ቀንዲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ማኦ ዘዱንግ ዝነበራን፡ ፕረዚደንት ዢ ንሸውዓተ ዓመታት ከቢድ ስራሕ ዘካየደላን ከተማ የናን፡ መራሒ ሰልፊ ኰይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።
ሊ፡ ኣብ ጉዋንዶንግን ልምዓት ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂን ቁጠባዊ ጽገናን ዝደረኸ ሰብ እዩ። ብተወሳኺ ሓደስቲ ፖሊሲታት ንግዲ ዘውጽአን፡ ዞባዊ ውህደት ዘስፍሐን መራሒ ምዃኑ ይንገረሉ።