እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፑቲንን ዢን፡ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዘይሚዛናዊ ምሕዝነት
ንሩስያ ክትርድኡዋ ትደልዩ’ዶ?
ቀስ እናበለ፡ ናብዝን ናብትን ሰለል ብዛዕባ ዝብል ዘንጊ ሕሰቡ። እዚ ንዘመናት ከጋጥም ጸኒሑ’ዩ።
ናብ ሓደ ሸነኽ ክጥወ እንከሎ፡ ሩስያ ገጻ ንኣንፈት ኤውሮጳ ናብ ምዕራብ ትዘውር። በዚ ክኣ እታ ሃገር፡ ንርእሳ ዘይክኣሓድ ኣካል ስልጣነ ኤውሮጳ ገይራ ትርኢ።
ኣብ ካልእ እዋን ክኣ፡ እታ ዘንጊ ናብቲ ካልእ ሸነኽ ሰለል ክትብል እንከላ፡ ሩስያ ናብ ምብራቕ ትዘውር።
መራሕታ፡ ስልጣነ ምዕራባውያን፣ ክብርታት ምዕራባውያን ገም ኣቢሎም ዓጺዮም፡ ናይ መጻኢ ዕጫ እታ ሃገር ኣብ ኤዥያ ከም ዝዀነ ይእውጁ።
ሓደ ሰብ’ዶ ኣዘኪሩኩም?
ኣብ ትሕቲ ቭላድሚር ፑቲን፡ እታ ዘንጊ ናብ ምብራቕ ገጽ እያ ተጠውያ።
ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ብምፍጻሙ ሃገራት ምዕራብ ኣግሊለንኦ’የን። ሃገሩ ድማ፡ ግዳይ ማእለያ ብዘይብሎም እገዳታት ሃገራት ምዕራብ ኮይና።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ፑቲን “ቀታሊ ውልቀ መላኺ” እዩ ክብሎ እንከሎ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ሊዛ ትሩስ ቅድም ኢሉ “ተስፋ ዝቘረጸ መታለሊ ኦፕሬተር” ኢላቶ ነይራ።
ፕረዚደንት ቻይና ግን፡ ካብዚ ኣዝዩ ዝተፈለየ ቋንቋ እዩ ዝጥቀም።
“ናተይ ፍትው ናይ ቀደም መሓዛይ” ይብሎ።
ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ኣብ ኡዝበኪስታን ይካየድ ኣብ ዘሎ ዞባዊ ጉባኤ ተራኺቦም ነይሮም።
ፑቲን “ኣብ ሞንጐ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ምሕዝነት” ከምኡ’ውን “ስትራቴጂካዊ ኩለመዳያዊ ዝምድናን” ንኢዱ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብዛዕባ ዓለም ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ’ዩ ዘለዎም።
ክልቲኦም፡ ኣማራጺ ስርዓተ ዓለም ክህሉ ኣለዎ ይብሉ፤ እዚ ማለት፡ ሃገራቶም ንምዕራባዊ ዓለም ብቐንዱ ንጽልዋ ኣሜሪካ ዝምክታሉ “ብዙሐ-ዋልታዊ ዓለም (multi-polar world)” ንዝብል ሓሳብ የሰጉሙ።
ስለዚ፡ እዚ ጉዳይ “ንሓዋሩ ብሉጽ ምሕዝነት” ፑቲንን ዢን ድዩ?
ኣይኰነን፤ ፈለማ፡ ኣብ ፖለቲካ ዓለም 'ናይ ሓዋሩ ምሕዝነት' ሳሕቲ እዩ ዝርአ። ካልኣይ እዚ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዘይምዕሩይ ምሕዝነት እዩ።
ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸሞ ወራር ከምቲ ዝሓሰበሉ ኣይሰጐመን፤ ንሩስያ’ዩ ኣዳኺሙዋ።
ክሬምሊን፡ ሰራዊት ሩስያ “ዓብዪ ክሳራታት” ከም ዘጋጠሞ ትኣምን'ያ። እገዳ ሃገራት ምዕራብ'ውን ንቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ኣእቲዩዎ’ዩ።
ርክብ ቻይናን ሩስያን ክርአ እንከሎ፡ ዝያዳ ሩስያ ንኡሽቶ መሓዛ ዝዀነት ትመስል።
ኣብቲ ርክቦም፡ ፑቲን ቻይና ብዛዕባ ኩነታት ዩክረይን “ሕቶታትን ስግኣታትን” ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
እዚ፡ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ሩስያ” ኣብ ልዕሊ ቤጂንግ ገለ ጸቕጢ ይፈጥር ምህላው ካብ ክሬምሊን ፍጹም ትጽቢት ዘይተገብረሉ ቃል እምነት እዩ።
ካልእ፡ ሩስያ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኲናት ጽዓት ገጢሙዋ’ዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ፑቲን ንምብራቕ ገጹ የመዓዱ ኣሎ፡ እታ ዝተረፈቶ ንእሽቶ ኣማራጺ'ውን ንሳ’ያ።
በቲ ሸነኽ ቁጠባ እታ ሃገር ክቕይርን ንፍርያት ነዳድን ጋዝን ሩስያ፡ ሓደሽቲ ዕዳጋታት ንምርካብን ተስፋ ይገብር። ግን፡ ኣዝዩ በዳሂ’ዩ።
“እቲ ተስፋ፡ ክዕወትን ንሩስያ ዘተኣማምን ብጽሒት ክህልዎን’ዩ ዝብል’ዩ። ግን ዝኸውን ኣይመስለንን። ሩስያ ብቐንዱ ምዕራብ እዩ ዘድልያ - ቴክኖሎጅን ዕዳጋን ምዕራብ ትደሊ’ያ” ይብል ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ መጽናዕታት ጆንስ ሆፕኪንስ ሰርገይ ራድቼንኮ።
ወሲኹ “ሩስያ፡ ነዳድን ጋዝን ንምፍራይ ቴክኖሎጂ ምዕራብ ትደሊ’ያ፤ እዚ ብዘይ ሓገዝ ሃገራት ምዕራብ ክትሰርሖ ትኽእል’ዶ ዝብል ዓብዪ ምልክት ሕቶ ኣሎ። ኣንፈት ዋሕዚ ነዳዲ ክትቕይሮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።
"ሕብረት ሶቭየትን ሩስያን ናብ ኤውሮጳ ነዳዲ ዘመሓላልፉ መስመራት ኣብ ምህናጽ ዓሰርታት ዓመታት ወሲደን እየን። ኣብኡ ክኣ’ዩ እቲ ትሕተ ቕርጺ ዘሎ፤ ስለዚ ዕዳጋ ሩስያ ናብ ኤዥያ ምቕያር ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ክብል የረድእ።
ፑቲንን ዢን ዝሳተፍሉ ዘለው ኣኼባ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ [ኤስሲኦ] እዩ።
ንክልቲአን ሃገራት ሓዊሱ፡ ሃገራት ማእከላይ ኤዥያ ማለት ካዛኪስታን፣ ኡዝበኪስታን፣ ኪርጊስታንን ታጃኪስታንን ከምኡ’ውን ህንድን ፓኪስታንን ይሳተፋ ኣለዋ።
እዚ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዋላ’ውን ሃገሩ ዓለምለኻዊ እገዳታት እንተበርትዑዋ፣ ምዕራብ ንሩስያ ክንጽል እንተፈተነ ሞስኮ ሕጂ’ውን ጠንካራ መሓዙት ኣለውኣ ዝብል ንምርኣይ ይሕግዞ እዩ።
“ሩስያ፡ እቲ ብሃገራት ምዕራብ ዘጋጥም ዘሎ ተነጽሎ ኣብ ምዕራብ ጥራይ’ዩ፤ ዓለም ብዙሕ-ዋልታ ኣለዋ ዝብል ከተርኢ ትደሊ። እቲ ዝገርም ነገር ግን፡ ኣብ ኤስሲኦን ማእከላይ ኤዥያን ዘሎ ሓይሊ ሚዛን ይቕየርን ካብ ሩስያ ይርሕቕን ምህላው’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ሰርገይ።
ኣብ ሞንጐ፡ ንፈለማ እዋን ሃገራት ማእከላይ ኤዥያ ናይ ባዕለን ፖሊሲ ይሕዛ ኣለዋ’የን ዝብል እቲ ሙሁር፡ ንኣብነት ካዛኪስታን የልዕል።
“ካዛኪስታን፡ ሩስያ ንዩክሬይን ካብ እትወርር ንድሓር ከምቲ ፑቲን ዝተጸበዮ ኣይሓገዘቶን። ኣብቲ ናይ ሓይሊ ሚዛን ኣዝዮም ዘደንቑ ምልውዋጣት ኣለው”።
ሩስያ፡ ገጻ ናብ ምብራቕ ተዝር እንተላ’ውን ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ቁልፊ ነገር ኣሎ።
እዛ ሃገር- ኣብ ዓለም ዝዓበየት- ኣብ ሞንጐ ክልቲኡ ኣህጉር ማለት ኤውሮጳን ኤዥያን ዘላ ምዃና’ዩ።
ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ እታ ዘንጊ ንየማነ ጸጋም ሰንፈለል ምባል፡ ሩስያ ክልቲኡ ሸነኽ ክትርኢ ዝሓሸ ይኸውን።