እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ንጉስ ዓለም' ክኸውን ዝምነ ዝነበረ ቦሪስ ጆንሰን ድሕሪ ሕጂ እንታይ እዩ ክሰርሕ?
ዓቃባዊ ሰልፊ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት እቲ ዝለዓለ ዓወት መረጻ ድሕሪ ምርካቡ ንሰለስተ ዓመታት ክመርሕ ዝጸንሐ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ስልጣኑ ይወርድ ኣሎ።
ኣብ እዋን ቍልዕነቱ፡ “ንጉስ ዓለም” ክኸውን ዝሓልም ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሕጂ እንታይ ከም ዝሰርሕ የሰላስል ኣሎ።
ጸሓፊ ታሪኽ ህይወቱ ዝዀነ ኣንድሪው ጊምሰን፡ “ሃገረሰብ ከይዱ፡ ንቤተክርስትያን እቲ ከባቢ ዝዀነ ስርሓት ዘካይድን ካብ ነቐፌታ ወጻኢ ዝዀነ ህይወት” ዝመርሕን ዓይነት ሰብ ኣይኰነን፡ ይብል።
ስለዚ፡ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክገብር ይኽእል?
ናብ ምጽሓፍ ምምላስ
ቦሪስ ጆንሰን፡ ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምእታው፡ ልዑል ደሞዝ ዝነበሮ ሞያዊ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ፡ ንዝተፈላለዩ ጋዜጣታትን መጽሄታትን ይጽሕፍ'ኳ እንተነበረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃኑ ነዚ ጠንጢኑ ናብ ወስት ሚኒስተር መጺኡ።
ሰሙናዊ፡ ንዓምዲ ደይሊ ቴሌግራፍ ብምጽሓፍ ኣብ ዓመት 275 ሽሕ ፓውንድ ይኽፈሎ ነይሩ።
ዝተፈላለያ ትካላት ጽሕፈት፡ ጆንሰን ኣብ ስልጣን እናሃለወ መጽሓፍ እንተዝጽሕፍ ነይሩ “ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ፓውንድ” ምተኸፍሎ ነይሩ ብምባል ገምጋመን የቐምጣ።
ጆንሰን፡ ክሳብ ሕጂ ሸሞንተ መጽሓፍቲ ጽሒፉ ኣሎ [ኣብ ዓምዲታት ዝጽሓፎም ሓዊስካ]።
ካብዚኦም፡ ታሪኽ ህይወት ናይቲ ጀግናይ ዝብሎ ዊንስተን ቸርችል፡ ከምኡ’ውን ‘ሰቨንቲ ቱ ቨርጅንስ’ ዝተሰምያ መጽሓፍቲ ይጥቀሳ።
ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ግን፡ ናይ መጀመርታ ዘውጽኦ መጽሓፍ ታሪኽ ዊልያም ሼክስፒር ክኸውን እዩ።
እዚ መጽሓፍ፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ብጅምር ግድፍ ክጽሕፎ ዝጸንሐ እዩ።
እዚ "Shakespeare: The Riddle of Genius" ዝተሰምየ መጽሓፍ፡ ብ2016 ክሕተም መደብ ወጺኡሉ ነይሩ።
ግን ክኣ፡ ኣብ ጉዳይ ብረክዚት ተዓዊቱ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጸኒሑ ክኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ስለ ዝዀነ፡ ጆንሰን ንዝጽሕፈሎም ሰዓታት ተሻምዮምዎ።
ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ዝወጽእ ካልኣይ ክፋል ታሪኽ ህይወት ጆንሰን ዝጽሓፈ ጊምሰን፡ “ሼክስፒር፡ ብዛዕባ ስልጣንን ዓሚጽካ ንጉስ ምቕታልን እዩ” ይብል።
“ሕጂ፡ ናይ ባዕሉ ሰልፊ ኣንጻሩ ክኸውን እዩ፤ መጽሓፉ ንምውዳእ ድማ ውዱእ ዝዀነ ነገር ኣለዎ” ኢሉ።
መደረታት
ከም ሓደ ነባር ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ህዝባዊ መደረታት ብምግባር ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ ይኽእል'ዩ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ተሬሳ መይ፡ ኣብ 2022 ጥራይ ትሸዓተ ምደረታት ብምቕራብ 715 ሽሕ ፓውንድ ረኺባ እያ።
ጆንሰን፡ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ፡ ዘለዎ ክእለት ምውዛይ ድሕሪ እንግዶት ድራር ኣብ ዝህልው ምድላዋት ተበሃጊ ክኸውን ኣኽኢልዎ ነይሩ።
ካብኡ ንላዕሊ ክገብር ይኽእል እዩ።
ኣብ መጋቢት 2019፡ ክልተ መደረታት ጥራይ ብምስማዕ [ሓደኡ፡ ንባንክ እቲ ካልእ ድማ ንሓደ ጕጅለ ሚዲያ ህንዲ] ልዕሊ 160 ሽሕ ፓውንድ ተኸፊሉ ነይሩ።
ንነዊሕ እዋን ኣማኻሪ ጆንሰን ዝነበረ ሎርድ-ላይስተር፡ “ብዘይጥርጥር ብዙሕ ክጽሕፍን መደረታት ክገብርን እዩ” ይብል።
ንሱ፡ ጆንሰን ከንቲባ ለንደን ካብ ዝነበረሉ ኣትሒዙ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ ናይ ቀደም ሓለቓኡ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ፡ “ንልቡ ቀረባ ብዛዕባ ዝዀኑ ነገራት ክዛረብ እዩ” ኢሉ።
ኣብ ኲን ሜሪ ዩኒቨርሲቲ ለንደን፡ ፕሮፌሰር ፖለቲካ ቲም ባሌ ብወገኑ፡ “ብዅሉ መዐቀኒታት፡ ቦሪስ ጀንሰን ምስ መሓዙቱ ክወዳደር እንከሎ፡ ፈታዊ ገንዘብ እዩ። ነዚ ድማ ኵሉ ነገር ክገብር ይኽእል እዩ” ይብል።
ካብ ፖለቲካ ምርሓቕ ወይ ናብ ፖለቲካ ምምላስ
ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣባል ባይቶ ኰይኑ ክቕጽል ድዩ ዝብሉ ብዙሓት ግምታት ኣለዉ።
በቲ ዝመጽእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኣ፡ ናይ ካቢነ ስራሕ ክወሃቦ’ዩ ዝብል ተኽእሎ ዳርጋ የለን።
ሕጂ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ እንከሎ ንኽልተ ዓመት ብቐጥታ ስራሕ መንግስቲ ንኸይሰርሕ ንኽልተ ዓመት ክእገድ እዩ።
ሎርድ ላይስተር ግን “ቀልጢፉ ካብ ፓርላማ ዝወጽእ ኣይመስለንን። ኣብኡ፡ ብድሕሪት ኰይኑ ኣእማን ክድርቢ’ዩ ኢለ ኣይሓስብን” ይብል።
ቦሪስ ጆንሰን፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝቐርቡ ሕቶታት ንመወዳእታ ግዜ ተረኺቡ፡ "hasta la vista, baby" [ቻው፤ ክምለስ እየ] ኢሉ ቅድሚ ምስንባቱ፡ “ንሕጂ፡ ዝለዓለ ልኡኽ ተዓዊቱ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
እማን ግን፡ ኣብ ዝቕጽል መረጻ እቲ ዝትክኦ ሰብ እንተዘይተዓዊቱ ናብ ፖለቲካ ክምለስ ድዩ?
ታሪኽ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝጸሓፈ ፕሮፌሰር ባሌ፡ “ናብ ቦሪስ ጆንሰን እንተተመሊሶም [እቲ ሰልፊ] መጻኢ እቲ ሰልፊ ከጨንቐኒ’ዩ” ይብል።
ከቋርጽ ዘይደልዮ ናይ ነዊሕ እዋን መላፍንቲ ጆንሰን ጃኮብ ሪስ-ሞግ፡ ድሕሪ ዊልያም ግላድስቶን ተመሊሱ ናብ መሪሕነት ዝመጽአ የለን ይብል።
ጊምሰን ግን፡ ታሪኻዊ ንጽጽር ኣገዳሲ ኣይኰነን ኢሉ።
“ዝገበሮ ብዘየድስ፡ ኣምልኾ ቦሪስ ክህሉ’ዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ክልተ ሰለስተ ሻብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኖም’ዮም።”
ብናይ ገዛእ-ርእሱ መገዲ ምኻድ?
ቦሪስ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝሰርሐ እንተሰርሐ፡ ዓመታዊ ወጻኢታቱ ክሽፈነሉ እዩ።
ኵሎም ቀዳሞት ሚኒስተራት ነበር፡ ንቤት ጽሕፈትን መካየዲ ስራሕን ኣብ ዓመት 115 ሽሕ ፓውንድ ይወሃቦም’ዩ።
ጆንሰን፡ ንነዊሕ ግዜ ልሙዳት ሕግታት ፖለቲካ እናጠሓሰ ዝመጽአ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝተኸተሉዎ መገዲ ክስዕብ’ዩ ኢልካ ምእማን ከቢድ እዩ።
“እዚ ወይ ክኣ እዚ - ዝብል ዓይነት ሰብ ኰይኑ ኣይፈልጥን። እኳ ደኣ፡ ምቍር ሕብስትኻ- ሒዝካ- ብልዓዮ- ዝዓይነቱ ሰብ እዩ ነይሩ። ዝዀነ ዝገብሮ ነገር ስራሕ ዝበዝሖ እዩ ዝመስለኒ፤ ስቕ ክብል ኣይክእልን” ይብል ጊምሰን።
ፕሮፌሰር ባሌ ብወገኑ፡ “ፖለቲካዊ ጐስጓስ፡ ናብ ስልጣን ምምላስን ገንዘብ ምርካብን ኵሎም ጐድኒ ጐድኒ ከኺዶም ይኽእል እዩ፡” ኢሉ።