እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዢ ጂንፒንግ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ቻይና ኰይኑ ንሳልሳይ ግዜ ተመሪጹ
ፕረዚደንት ቻይና ኰይኑ ዝመርሕ ዘሎ ዢ ጂንፒንግ ንሳልሳይ ግዜ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኰይኑ ተመዚዙ።
ንሱ ንህዝቢ ቻይናን ዓለምን፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ሰልፊ ኰይኑ ንሳልሳይ ግዜ ከምዝተመዘዘ ብወግዒ ኣብ ዘበሰረሉ ግዜ ኣብ ጐደናታት በይጂን ጥቡቕ ሓለዋ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ንሓደ ሰሙን ምሉእ ዝተኻየደ ጉባኤ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ወከልቲ ኣባላት እቲ ውድብ ክሳተፍዎ እንከለዉ፡ ዋና ጸሓፊ ዝርከቦም 7 ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴን 25 ኣባላት ፖሊት-ቢሮን ብምምራጽ ተዛዚሙ።
ዢ ጂንፒንግ ምስ ተመረጸ ሽዑ ንሽዑ ነቶም ሸውዓተ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ እቲ ሰልፊ ብወግዒ ዘላለየ ኰይኑ፡ ሓላፊ ውድብ ሻንጋይ ነበር ሊ ኵያንግ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክኸውን’ዩ።
ዢ ጂንፒንግ ሓደስቲ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ምስ ኣላለየ ብዛዕባ መጻኢ ኵነታት እታ ሃገር ኣንፈት ሂቡ። ንሱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ቻይና ካብ ዓለም ወጻኢ ክትምዕብል ኣይትኽእልን እያ፣ ዓለም ድማ ንቻይና ትደልያ’ያ” ኢሉ።
‘ቻይና ካብ ቍጠባ ዓለም ትግለል ኣላ’ ዝብል ስግኣት ስለዝነበረ ሓድሽ መደረ ዢ ጂንፒንግ መጻኢ ዕድል ሃገሩ ካብ ቍጠባ ዓለም ተነጺሉ ከምዘይቅጽል ኣረጋጊጹ’ሎ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ “ድሕሪ እቲ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዘካየድናዮ ዘይተሓለለ ጻዕሪ፡ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኣዐዊትና ኢና። ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለን ናይ ነዊሕ ግዜ ማሕበራዊ ርግኣትን” ኢሉ።
ሓድሽ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ሰልፊ፡ ንዢ ጂንፒንግ ብዘለዎም ተኣማንነትን ስርዓት እቲ ውድብ ብምኽባርን እምበር ዓቕሚ መሰረት ዝገበረ ሕርያ ከምዘይኰነ ዝንቀፍ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብቶም ሸውዓተ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ይዅን 25 ኣባላት ፖሊት-ቢሮ ዋላ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዘይምህልዋ ድማ፡ ናይቲ ውድብ ብተባዕትዩ ናይ ምዕብላል ‘ሕዱር ሕማም’ ይቕጽል ከምዘሎ ዘመላኽት’ዩ ተባሂሉ።
ኣብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዩኒቨርስቲ ተንታኒ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ያንግ ዣንግ ነቲ መረጻ “ዘሕዘንን ዘሰንበድን” ክብል ገሊጽዎ።
ንቻይና ዝመርሕ ዘሎ ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይና ሓፈሻዊ ጉባኤኡ በብ ሓሙሽተ ዓመት ከምዘካይድ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ኣብዚ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ብዙሕ ሓድሕዳዊ ምክፍፋል ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ፡ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኰይኑ ዝተመረጸ ሰብ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ይኸውን። እንተዀነ ኣብቲ ቀጺሉ ኣብ መጋቢት ዝካየድ መረጻ መተኣማመኒ ድምጺ ክረክብ ኣለዎ።
ስለዝዀነ ዢ ጂንፒንግ ፕረዚደንት ቻይና ኰይኑ ንሳልሳይ እብረ ክቕጽል’ዩ ማለት’ዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፍ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቻይና ነበር ሁ ጁንታኦ ካብቲ ኣዳራሽ ተደፊኡ ብሓይሊ ክወጽእ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተሌቭዥን እታ ሃገር ምስተርኣየ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኰይኑ ቀንዩ’ሎ።
ሁ ጁንታኦ ስለምንታይ ተደፊኡ ከምዝወጽአ ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር’ኳ እንተዘየሎ ደሓረ ግን “ብደሓን ኣይኮነን” ዝብል ምላሽ ተዋሂቡ’ዩ።