እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ተቓውሞ ኣንጻር እገዳታት ኮሮና ሰፊሑ ይቕጽል
ኣብ ቻይና ዩሩሙኪ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ ዓሰርተ ሰባት ስለዝሞቱ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ኣንጻር እገዳታት ኮሮናቫይረስ ሓይሉ ከምዝቐጸለ ተገሊጹ።
ኣብ ሻንጋይ ብጋዜጠኛታት ወጻኢ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተሓተሙ ቪድዮታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ጐደናታት ወጺኦም ነቶም ግዳያት ሓደጋ ባርዕ ብምዝካር ኣንጻር እገዳታት ኮሮናቫይረስ ተቛውሞታት ኣስሚዖም።
ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ድማ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ጸዊዖም።
ብዙሓት ሰባት እቲ ሓደጋ ባርዕ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝተነብረ ዕጽዋ ከምዝዀነ ይነቕፉ። እንተዀነ ሰበ ስልጣን ቻይና እቲ ዝቐረበ ምኽንያት ከምዘይኮነ ይነጽጕ።
ሰበስልጣን ዩሩሙኪ ግን ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለመደ ኣገባብ ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፡ ብዓርቢ ይቕሬታ ድሕሪ ምሕታት፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ሓላፍነቶም ብግቡእ ዘይተዋጽኡ ሰባት ስጕምቲ ከምዝውሰድ ተሓንዮም።
ኣብቲ ኣብ ሻንጋይ ዝተገበረ ምትእኽኻብ ገለ ሰባት ንዝኽሪ እቶም ግዳያት ሽምዓ ከብርሁን ሕቝፊ ዕንበባ ከንብሩን ተራእዮም።
ካልኦት ሰባት ድማ “ዢ ጂንፒን ውረድ፣ ዴሳዊ ሰልፊ ውረድ” ዝብል ጭርሖታት ብዓውታ ከስምዑ ተራእዮም። ገሊኦም ድማ ዋላ ሓንቲ ትሕዝቶ ዘይብሉ ጻዕዳ ባነር ሒዞም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።
ኣብ ቻይና ኣንጻር መንግስቲ ይኵን ፕረዚደንት ቀጥታዊ ነቐፌታ ምቕራብ ስጕምቲ ስለዘውስድ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጠለባት ልሙዳት ኣይኰኑን።
ገለ ኣብቲ ተቛውሞታት ዝተሳተፉ ሰባት ኣብ ልዕሊ ነቶም ሰልፈኛታት ዝሕልዉ ዝነበሩ ፖሊስ እታ ሃገር’ውን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።
ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓደ ካብ መሓዙቶም ብፖሊስ ከምዝተወቕዐን ካልኦት ክልተ ኣዕሩኽቱ ድማ ብበርበረ ከምዝተዓጠኑን ሓቢሩ።
ካልኦት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ከኣ፡ ፖሊስ፡ ሰባት ተቓውሞ ከስምዑ እንከለዉ ይዕዘቡ ከምዝነበሩ የርእዩ።
እቲ ኵነታት ሎሚ ሰንበት ወጋሕታ ህድኣት’ኳ ዝተራእዮ እንተዀነ ቢቢሲ ኣብቲ ተቓውሞታት ዝካየደሉ ቦታታት ልዑል ቁጽሪ ሓይልታት ጸጥታ ከምዘሎ ተዓዚቡ።
ኣብ ብዙሓት ዩኒቨርስታት ቻይና’ውን ተመሃሮ ትማሊ ቀዳም ተቓውሞታት እናስምዑ ዘርእዩ ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ተራእዮም።
ሰባት ብብዝሒ ተኣኪቦም ዝተራእይሉ ዩኒቨርስቲ ኮሙኒኬሽንስ ናንጂን ክኸውን እንከሎ፡ ተመሃሮ ብዘይተለመደ መገዲ ኣንጻር መንግስቲ ቻይናን መራሒኣን ዓው ኢሎም ክቃወሙ ተራእዮም። እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ግን ብዘይሻራዊ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ’ዩ።