ዋንጫ ዓለም 2022፡ ክሮሽያ ኣንጻር ብራዚል፡ ሆላንድ ኣንጻር ኣርጀንቲና ድሙቕ ዝኾነ ዓርቢ’ዩ

ሎሚ ዓርቢ፡ ክሮሽያ ኣንጻር ብራዚል [ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ]: ሆላንድ ኣንጻር ኣርጀንቲና [ሰዓት ዓሰርተ ምሸት] ፡ ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ብምክያድ ክልተ ክሰራሰራ’የን ክልተ ከኣ ርእሰን ከድንና'የን።

ብራዚል፡ እታ 5 ግዜ ንዋንጫ ዓለም ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ሃገር እያ። እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝልዓሉ ደገፍቲ ኣለዉዋ፡ ኣብ ቐጠር’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ብራዚልን ካብ ካልእ ሃገራትን ነዛ ሃገራዊት ጋንታ ንምድጋፍ ዝመጽኡ ብዙሓት’ዮም።

ብራዚል ኣብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኮርያ ዘርኣየቶ ዓብላልነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ግጥም ፍጻመ ሓሊፋ 18 ታሕሳስ ነታ ዋንጫ ክትወስዳ’ያ ኢሎም ግምት ዝሃብዋ ማእለያ የብሎምን።

ንደቡብ ኮርያ ሸቶ መምስ ኣመዝገቡላ ኣብ ወሰን ሜዳ ኮይኖም ብሓጎስ ኣብ ዝስዕስዕሉ ዝነበሩ ኣሰልጣኒኦም ከይተረፈ ኣብቲ ናይቶም መንእሰያት ሳዕስዒት ብምጽንባር ክልሀ ተራእዩ’ዩ። ነዚ ሳዕስዒት እዚ ሎሚ ክደግምዎ እንተኾይኖም ንክሮሽያ ረሸሽ ከብልዋ ኣለዎም።

ኣሰልጣኒ ክሮሽያ ዝላቶክ ዳሊክ “ክሳብ ሕጂ ብራዚል ዘርኣይዎ ብቅዓት ዘርዕድ’ዩ፡ እቶም ተጻወትቲ ዘለዎም ብቕዓትን ውህደንት ዘፍርሕ’ዩ” ብምባል: ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።

ብምስዓብ “ናብዚ ጸወታ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ኢና ክንኣቱ፡ ንኹሉ ዕድላት ከኣ ክንጥቀመሉ ክንፍትን ኢና፡ ምስ ብራዚል ዝህልወና ጸወታ ብሓጎስ ኢና ንጽበዮ ዘለና፡ በቃ እሱ’ዩ” ኢሉ።

ክሮሽያኣብ 2018 ናብ ፍጻመ በጺሓ ብፈረንሳ ዝተሰዓረት ጋንታ’ያ፡ ነታ ሓሙሽተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ብራዚል ነቲ ትኸዶ ዘላ ናህሪ ደው ከተብሎ ከምትኽእል ከኣ ብዙሓት ይገልጽዋ ኣለዉ።

ሞተር እታ ሃገራዊት ጋንታ ወዲ 37 ዓመት መሃንድስ ማእከል ሜዳ ርያል ማድሪድን ሃገራዊት ጋንትኡን ሉኳ ሞድሪች’ዩ።

ሞድሪች ዋንጫ ዓለም ንምጽዋት ናብ ቐጠር ኣብ ዘምርሓሉ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ጸወታ ናይ መወዳእትኡ ክከውን ከምዝኽል ኣአንፊቱ ነይሩ’ዩ።

ተኸላኻላይ ሃገራዊት ጋንታ ክሮሽያ ጆሲፕ ጁርኖቪክ “ከም ብዓል ሞድሪች ዝኣመሰሉ ኣብ ሜዳ ክጎዩን ክማወቱን ክንርኢ እንከለና ነዞም ንኣሽቱ ተጻዋትቲ ሓይሊ’ዩ ዝህበና” ኢሉ።

ሜሲ ወይ ቫንጋል ሎሚ ካብ ዋንጫ ዓለም ክሰናበቱ’ዮም

ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ብልዊስ ቫንጋል ትስልጥን ዘላ ሆላንድ፡ ኣንጻር ኣርጀንቲና ቅድሚ ሕጂ ሽዱሽተ ግዜ ተራኺባ ኣላ።

እዛ ናይ ሕጂ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1978 ዝተራኸባሉ ጸወታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ መን ሓለፈ ኰይኑ፡ ኣርጀንቲና ንሆላንድ ብምግላፍ ኣብ መወዳእታ ነታ ዋንጫ ክትወስዳ ክኢላ’ያ።

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ’ውን፡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ተራኺበን ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ ክትዕወት ምኽኣላ ዝዝከር’ዩ።

ግጥም እዘን ክልተ ሃገራት ግን ዝያዳ በታ ኣብ 1998 ደኒስ ቤርካምፕ ብጽቡቕ ጥበብ ኣብ መወዳእታ ደቂቕ ዘመዝገባ ሸቶ’ዩ ዝዝከር።

እታ ሸቶ ንሆላንድ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዘሕለፈት ሸቶ’ያ ነይራ።

እዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ግን ፍልይ ዝበለ’ዩ ክኸውን፡ መን ይፈልጥ እዛ ጸወታ እዚኣ ንሜሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንመወዳእታ ግዜ ንርእየሉ ጸወታ ክትኸውን ትኽእል’ያ ወይ’ውን ንኣሰልጣኒ ሆላንድ ልዎስ ቫንጋል’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ድሕሪ ሕጂ ኣይክንርእዮን ንኸውን።

ወዲ 35 ዓመት ሜሲ ብጀካ እዛ ዋንጫ ዓለም ዳርጋ ንኹሉ ዓይነት ሽልማታት ንገዛእ ርእሱን ንሃገሩን ኣግዚሙ’ዩ።

ካብ ሕማም መንሽሮ ዝሓወየ ወዲ 71 ዓመት ቫንጋል’ውን ድሕሪ ዋንጫ ዓለም ካብ ስራሕ ኣሰልጣንነት ጥሮታ ክወጽእ ምዃኑ ተዛሪቡ’ዩ፡ ቅድሚ ካብ ስራሕ ምስንባቱ ግን ነታ ሰለስተ ግዜ ኣብ ግጥም ፍጻመ ዝበጽሐት ክሮሽያ፡ ነታ ሰለስተ ግዜ ርእያ ዝሰኣነታ ዋንጫ ኣብ ከብሓ ከቐምጠላ’ዩ ሕልሙ።