እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሻብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብጫ ማልያ ሒዙ
ተቐዳዳማይ ግሪን ፕሮጀክት ማኒኤል ተረዚ ኣብ ዝተዓወተሉ ሻብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ-2023 ሄኖክ ሙሉብርሃን ብጫ ማልያ ሒዙ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ 1 ደቂቕን 54 ካልኢት ድሒሩ እኳ መበል 17'ኳ እንተኣተወ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝኣተዉ ኣብ ብጫ ማልያ ዝወዳደር ስለዘይነበረ'ዩ ነታ ብጫ ማልያ ክሕዛ ክኢሉ።
ካብ ካልኦት ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ዝበለጸ ተሃላላኺ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ዝተሸለመ፡ ምስ ዓባይ ጋንታ ቢንያም ግርማይ ዝወዳደረላ ኢንተርማረቸ ፈሪሙ ዘሎ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ሻሙናይ ክኣቱ እንከሎ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 14 ኮይኑ ኣትዩ።
መትከል እዮብ መበል 22፡ ዳዊት የማነ መበል 26 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ንዘሎ መድረኻት ብ26 ሰዓት 53 ደቂቕን 9 ካልኢትን ብምዝዛም'ዩ ንብጫ ማልያ ክውንና ክኢሉ ዘሎ ።
ተቐዳደማይ Q36.6 ዋልተር ካልዞኒ ብተመሳሳሊ ገዜ ካልኣይ ንኽለተ መዓልታት ንብጫ ምልያ ዝተኸደና ጁንየር ዊልያምስ ለስረፍ ኸኣ ብ2 ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ።
መትከል እዮብ ብ12 ካልኢት ድሒሩ ሻውዓይ፡ ዳዊት የማን ኸኣ ብ54 ካልኢት ድሒሩ መበል 11 ተቐሚጡ ኣሎ።
ሎሚ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብጫ ማልያን ንዝበለጸ ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ምልያታት ክውንነን እንከሎ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ናይዚ ዕለት ዝበለጸ ምትህልላኽ ዘርኣየ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ተሸሊሙ።
ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ንኣንበሳ ዓቐብ ኣብ እትውሃብ ማልያ መነቲ ብ95 ነታ ማልያ ወኒንዋ ዘሎ ኦሊቨር ማርክ ፕሪትዘን ብ72 ነጥቢ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።
እቲ ካብ ንያማታ ተበጊሱ ኣብ ማውንት ኪጋሊ ዝተዛዘመ 115.8 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሻብዓይ መድረኽ ብሓያለ ጎዶናታት ኪጋሊ ቆሪጹ ዝሓልፍ ተሪር መድረኽ’ዩ ኔሩ።
ጸወታ ኣብ ምጅማሩ ብጫ ማልያ ሒዞም ናብዚ ጸወታ ዝኣተዉ ኲክ ስቴፕ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ውጥን ናይ ጋንታታት ንምፍራስ ብዝመስል ኣገባብ ብርቱዕ መጥቓዕቲ ፈነዉ፡ ነዊሕ ግን ኣይቀጸሉን፡ ዓባይ ጉጅለ ተጸንቢራቶም።
እንተኾነ ዓባይ ጉጅለ ንኲክ ስቴፕ ንምርካብ ኣብ ዝገበረቶ ስኳቶ ኣብ ብዙሓት ንኡሳን ጉጅለታት'ያ ተገማሚዓ።
12 ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት በይኖም ተፈልዮም ጸወታ ክቅልስዎ ጀሚሮም፡ እዚ ኹሉ ኣብ 10 ኪሎሜተር ዝተፈጠረ ክስተት'ዩ።
ኣብ መበል 12 ኪሎሜተር ግን ዝበዝሑ ተቐዳደምቲ ኣብ ሓንቲ ጉጅለ ተጠርነፉ።
ኣብ መበል 13 ኪሎ ሜተር ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዝርከብዎም ሸወዓተ ተቐዳደምቲ ሃዲሞም ብምውጻእ ናቶም ጉጅለ ኣቖሙ፡ ፍልልዮም'ውን ናብ 45 ካልኢት ከብጽሕዎ ክኣሉ።
እንተኾነ ዓባይ ጉጅል ዕድል ኣይሃበቶምን፡ ፍልልይ ቀልጢፉ ጸቢቡ።
ነታ ኣብ መበል 17 ኪሎሜትር ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ መስመር ኣኽሊሉን ዳንኤልን ተመራሪሖም ኣትዮማ።
እቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ሸወዓተ ተቐዳደምቲ ናህሮም ስለዘዝሓሉ፡ 13 ተቐዳደምቲ ተወሲኾምዎም ሓንቲ ጉጅለ መስረቱ።
ኣብ መበል 31 ኪሎሜተር ዝነበረት ንኣንበሳ ዓቐብ ነጥቢ ተውህብ መስመር፡ ኣኽሊሉ ንፕሪትዘን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ተሸላሚ ኣንበሳ ዓቐብ ናይ ምዃን ዕድሉ ኣግፈሐ፡ ናህሩ ብምቅጻል ከኣ ንበይኑ ተፈልዩ ኣብ ቅድሚት ወጽአ። ፍልልዩ ናብ 20 ካልኢት'ኳ ኣዕብይዎ ኣንተነበረ ኣብ ጭርኡ ዝጸንሐት ጉጅለ ኣርኪባቶ።
ጸወታ 43 ኪሎሜተር ምስ ተልዓሎ፡ መራሒት ጉጅል ንዓባይ ጉጅለ (ብጫ ማልያ ዝሓዘ ዝርከባ) ናይ 2 ደቂቕን 45 ካልኢትን ጋግ ኣንጺፋትሎም።።
ኣብ መበል 48 ኪሎሜተር ኣብ ዝተሰርዐት ካልኣይቲ ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ኣብዚ ጸወታ ንኣንበሳ ዓቐበት መን ወሰደ ዝተሃላለኹ ዘለዉ ፕሪትዝነን ኣኽሊሉን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ብምእራው ህልኾም ኣዛየዱ።
ኣብዛ ቅድሚት ዘላ ጉጅለ ኣብ ብጫ ማልያ ክስግእ ዝኽእል ተጻዋታይ ስለዘይነበረ፡ ዓባይ ጉጅለ ተዛንያ'ያ ትስዕቢም ነይራ።
ጸወታ 60 ኪሎሜትር ምስ ተላዓሎ ኸኣ ኣቲ ፍልልይ ናብ 3 ደቒቕን 10 ካልኢትን በጺሑ።
ፍልልይ ክገፍሕ ዝተዓዘቡ ብጫ ማልያ ዝሓዙ ኵክ ስቴፕ ንዓብይ ጉጅለ ከበራብርዋ ጀመሩ።
ኣብ መበል 65 ኪሎሜር ኣብ ዝነብረ ናይ ዓቐብ ቮላታ ፕሪትዘንን ኣኽሊሉን ተመራሪሖም ኣትዮም።
ኣብ መበል 84 ኪሎሜትር ኣብ ሞንጎ'ታ 20 ተቐዳደምቲ ዝሓዘት መራሒት ጉጅለን ዓባይ ጉጅለን ናይ 2 ደቒቕን 12 ካልኢትን ፍልልይ ነይሩ፤ እቲ ቀንዲ ዓቕበት ናይዚ ውድድር ዝጅምረሉ ቦታ ምስ በጽሑ ኣብ መራሒት ጉጅለ ዝርከቡ ተቐዳደምቲ ዳንግኦም ክፈታተኑ ጀመሩ።
ከም ውጽኢቱ ኸኣ መራሒት ጉጅለ ኣብ ሓያለ ንኡሳን ጉጅለታት ተመቓቐለት።
ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ሳልሳይ ርእሱ ኣብ ቅድሚት ሓንቲ ጉጅለ ፈጢሩ ነቲ ተሪር ጎቦ ኪጋሊ ክሓኹሮ ጀሚሩ።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ጥራይ ይተርፎ።
ተጻወትቲ ጫፍ ጎቦ ኪጋሊ ምስ በጽሑ ብኣንጻር ዘሎ ቍልቁለት ወሪዶም ነቲ ሪእኻዮ’ውን ዘድክም ጎቦ ካልኣይ ግዜ ብምድያብ'ዮም ውድድር ክዛዝሙ።
ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎሜትር ይተርፎ መራሒት ጉጅለ ብ2 ደቒቕ ትመርሕ።
ጸወታ ክዛዘም 3 ኪሎሜትር ይተርፎም፡ መራሒት ጉጅለ 35 ካልኢት ማሕዲጋ ትመርሕ።
መራሒት ጉጅለ ፍልልያ ሓልያ ብምእታው ማኒኤል ተረዚ ክዕወት እንከሎ፡ ማርክ ስቲዋርት ካልኣይ ኡናይ ኢሪባር ሳልሳይ ዛዚሞም።
ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ሻሙናይ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 14፡ ኣብ ዓባይ ጉጅለ ዝነበረ ተቐዳዳማይ ግሪን ፕሮጀክት ሄኖክ ሙኩብርሃን መበል 17 ብምእታው፡ እታ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዘረከባ ብጫ ማልያ ሎሚ መሊሱ ተረኪብዋ።
ኣብ መጀመርታ መድረኽ 94 ዝነበሩ ተጻወይቲ፡ ብሕማም፡ ብድኻምን ካልእ ምኽንያትን ተጓዲሎም ሎሚ 65 ተቐዳደምቲ እዮም ጸወታ ጀሚሮም።
ኣብ ካልኣይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ዝወጽኡ ተቐዳደምቲ ኣብ ሻውዓይ መድረኽ’ዮም ካብ ንያማት ተበጊሶም'ዮም ሎሚ ናብ ኪጋሊ ኣትዮም።
እዚ መድረኽ ሓጺር’ኳ እንተኾነ ኣብ ማእከል ጸወታ፡ ንጸወታ ኣንቢቦም ዝውስኑ ተቐዳደምቲ ክረብሑላ ከምዝኽእሉ'ዮም ግምት ተዋሂቡ ኔሩ።
ኣብዚ መድረኽ እዚ ብጫ ማልያ ዘውሓሰ ተቐዳዳማይ ምውዳቕ ወይ ሕማም እንተዘይኣጋጢምዎ ኣብ ሻሙነይቲ መድረኽ ብጫ ማልያ ክምንጠል ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት ስለዝኾነ ሎሚ ዳርጋ ናይ ፍጻመ ጸወታ ተባሂላ ክትግለጽ ትኽእል'ያ።
ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መበል 16 ዘለዉ ተጻወትቲ ናይ 58 ካልኢት ጥራይ ፍልልይ ሒዞም'ዮም ናብዛ መድረኽ ኣትዮም።
ካብ ኤርትራወያን ተቐዳደምቲ መትከል እዮብ ብ11 ካልኢት ድሒሩ መበል ሓሙሻይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን 13 ካልኢት ድሒሩ መበል ታሽዓይ፡ ዳዊት የማነ ኸኣ ብ42 ካልኢት ድሒሩ መበል 14 ተሰሪዖም ኮይኖም'ዮም ነዛ ናይ ሎሚ ጸወታ ኣትዮማ።