እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣብ ዝተዓወተሉ መትከል እዮብ ሳልሳይ ኣትዩ
ንሓሙሸይቲ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ጸወታ ክዛዘም ውሑዳት ኪሎሜተራት ምስ ተረፎ ዝሃደመ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣርሚስቶን ካሉም ብዘይ ተቓጻጺ ክዕወተላ እንከሎ መትከል እዮብ ንተቐዳዳማይ ጋንታ Q35.6 ዋልተር ከልዞኒ ተኸቲሉ ሳልሳይ ወጺኡ።
ብጫ ማልያ ኸኣ ሎሚ ሓሙሻይ ዝኣተወ ተቐዳዳማይ ኲክ ስቴፕ ዊልያም ለሰርፍ ተቐቢልዋ፡ በዚ ከኣ ብጫ ማልያ ኣብ ኣርባዕተ ማዓልታት ኣብ ኣርባዕተ ሰባት በጺሓ ኣላ።
ኣብ ብጫ ማልያ መትከል እዮብ ካብ ቀዳማይ ብ11 ካልኢት ድሒሩ መበል ሻዱሻይ ክስራዕ እንከሎ ሎሚ መበል 16 ዝኣተወ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ13 ካልኢት ድሒሩ መበል 10 ተቐሚጡ ኣሎ።
ዳዊት የማነ ሎሚ መበል 21 ክኣቱ እንከሎ ኣብ ብጫ ማልያ'ውን ካብ ቀዳማይ ብ42 ካልኢት ድሑሩ ኣብ መበል 12 ተሰሪዑ ኣሎ።
መትከል እዮብ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ግዜ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ እትውሃብ ማልያ ካብ ሄኖክ ሙሉብርሃን ተረኪብዋ ኣሎ።
ናሆመ ዘርኣይ 31፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 39፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ 52፡ ዩኤል ሃብተኣብ 52 ክወጽኡ እንከለዉ ሃገር ዓንደማርያምን ዓወት ኣማንን ጸወተኦም ክውድኡ ኣይክኣሉን።
እዛ መድረኽ እዚኣ ካብ ከተማ ሩሲዚ ተበጊሳ ብገምገም ቀላይ ኬቩ ሓሊፋ ኣብ ዶብ ርዋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኣብ እትርከብ ከተማ ሩባቩ ዝተዛዘመት’ያ።
እዛ መድረኽ 195.5 ኪሎሜተር ራሕቒ ዝሸፈነት ኮይና ብንውሓታ ካብ ሸሞንቲአን መድረኻት ኣብ ካልኣይ’ያ ትስራዕ።
ሓሙሸይቲ መድረኽ ሓያለ ሓጸርቲ ዓቐበታት ዝነበራ እያ።
4.9 ሚኢታዊት ትሪ ዓቐበት ዘለዎ 11.2 ኪሎሜተር ከምኡ ኸኣ 2.8 ሚኢታዊት ትሪ ዓቐብ ዘለዎ 21.2 ኪሎሜተር ዝሓዘት'ውን ኔራ።
እዛ መድረኽ እዚኣ ኣቐዲሞም ዝሃደሙ ኣብ ዓቐበት ነዊሕ ናይ ምኻድ ዓቐሚ ዘለዎም ተቐዳደምቲ ክዕወቱላ ዝኽእሉ መድረኽ ምዃና'ያ ተገሚቱ ኔሩ።
ኣብ ቀዳማይ መድረኽ 94 ተቐዳደምቲ’ዮም ጸወታ ጀሚሮም ነይሮም፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መድረኻት፡ ብሕማም፡ ብድኻም፡ ብመውደቕትን ካልእን 14 ተቐዳደምቲ ተጓዲሎም ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ 80 ተቐዳደምቲ’ዮም ኣብ መስመር መዛዘሚ ተረኺቦም።
ተቐዳደምቲ ገና ጸወታ ጅምር ምስ ኣበለ ብሓያል ናህሪ ብምፍላም፡ ዓባይ ጉጅል ናብ ሓያለ ንኡሳን ጉጅለታት ተመቓቒላ፡ ዕስራ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ዝሓቐፈት መራሒት ጉጅል ኸኣ እናተበራረየት ነቶም ብድሕሪት ዝተረፉ ተቐዳደምቲ ትንፋስ ከልአቶም።
ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ተቐዳደምቲ’ውን 10 ስለዝሃደሙ፡ ነቶም ካብ መራሒት ጉጅለ ዝሃደሙ ተቐዳደምቲ ዝሓዘት ካልእ ጉጅለ ተመስረተት።
ትማሊ ብዝተመዝገበ ውጽኢት ኣብ ብጫ ማልያ መበል 20 ዘሎ ተቐዳዳማይ ካብ ቀዳማይ ናይ 47 ካልኢት ጥራይ ፍልልይ ስለዝነበሮ፡ ብውሕዱ እዞም ዕስራ ተቐዳደምቲ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ብጫ ማልያ ናይ ምውናን ዓቕሚ ስለዝነበሮም፡ ምምላቓ ናይ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዘይተውሓጠላ ዓባይ ጉጅለ ንምርካቦም ክትረባረብ ጀመረት።
እንትርፎ ብድሕሪት ዘርጠብጠብ ዝበሉ እንተዘይኮይኑ ከኣ ተቐዳደምቲ ብምልኦም ኣብ መበል 13 ኪሎሜተር ኣብ ሓንቲ ጉጅል ተጠርነፉ።
ኣብ መበል 29 ኪሎሜተር ተሰሪዓ ንዝነበረት ናይ ነጥቢ መስመር ከኣ ፋውቺ፡ ባዲላቲን ንቀዳማይ ንኻልኣይን መድረኽ ዝተዓወተሉ ኢታን ቬርኖንን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይኖም ብምእታው ነጥቦም ወሲዶም።
ንራብዓይ መድረኽ ብምዕዋት ብጫ ማልያ ዝወነነ ቶማስ ቦነት ኣብ መበል 40 ኪሎሜተር ጎማ ነፊስዎ ኣብ ዝተረፈሉ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዝርከቦም ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ካብ ዓባይ ጉጅለ ብምውጻእ ናቶም ጉጅለ ኣቖሙ።
ብ መበል 43 ኪሎሜተር መራሒት ጉጅለ ፍልልያ ናብ ሓደ ደቂቕ ኣብ ዘበጽሓትሉ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ካብታ መራሒት ጉጀለ ብምትራፍ ናብ ዓባይ ጉጅለ ተጠርነፈ።
ኣብ መበል 54 ኪሎሜተር ዓባይ ጉጅለ ንኹሉ ዝፍተን ዝነበረ ናይ ምሙላቕ ፈተነታት ኣፍሺላ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ።
ኣብ መበል 60 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረ ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ገልደረስ፡ ታልዮን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውጸእ ተዓዊቶምለን።
ኣብ መበል 78 ኪሎሜተር ጋንታ ናይ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብምልእታ፡ መትከል እዮብን ካልኦት 14 ተጻወትትን ኣብ ቅድሚት ተገዲማ ካብ ዓባይ ጉጅለ ናይ 20 ካልኢት ፍልልይ ኣንጺፋ ኣላ።
ዓባይ ጉጅለ ግን ዕድል ስለዘይሃበቶም ንፍልልያ ብምጽባብ ኣርኪባቶም።
ኣብ መበል 86 ኪሎሜተር፡ ትንፋስ ከይሃበ ንቱር ዲ ፍራንስ ኣርባዕተ ግዜ ዝተዓወተሉ ክሪስ ፍሩም ስካቶ ብምግባር በይኑ ክስሕብ ጀሚሩ፡ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮ ፍልልዩ’ውን ናብ 1 ደቒቕን 45 ካልኢት ኣብጺሕዎ።
ክሪስ ፍሩም ኣብ መበል 105 ኪሎሜተር ፍልልይ ብቅልጡፍ ናብ 3 ደቒቕን 40 ካልኢትን’ዩ ኣዕሪግዎ።
ክሪስ ፍሩም ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ብሓደ ደቒቕን 8 ካልኢትን ተፈንቲቱ ኣብ መበል 21 ስለዝነበረ፡ ነዚ ዘሎ ዘንጸፎ ፍልልይ እንተዓቂብዎ ብጫ ማልያ ክውንን ከምዝኽል ዝተረደኣት ዓባይ ጉጅል ዝተነጸፈላ ግዜ ከተጽብብ ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጸምደት፡ ተመክሮ ክሪስ ፍሩም ግን ዝምሕር ኣይነበረን ጨው ኣርሂጽዋ።
ክሪስ ፍሩም ኣብ 2018 ንጅሮ ዲ ኢታሊ ምስ ተዓወተሉ ብድሕሪኡ ዝኾነ ዓወት ኣየመዝገበን።
ክሪስ ፍሩም ኣብ መበል 130 ኪሎሜተር ፍጥነቱ ኣብ ዝቐነሰሉ ወናኒ ብጫ ማልያ ቶማስ ቦነት ካብ ዓባይ ጉጅል ዘልሓጥ ክብል ተራእዩ።
ጸወታ ክዛዘም 55 ኪሎሜተር ክተርፎ እንከሎ ኸኣ 24 ተቐዳደምቲ ዝሓዘት ዓባይ ጉጅል ምስ ክሪስ ፍሩም ዝነበራ ፍልልይ ናብ 1 ደቒቕን 20 ካልኢትን ኣውሪዳቶ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብጫ ማልያ ናይ ምምላስ ዕድል ከምዘለዎ ዝተረድኡ ደቂ ጋንትኡ ኸኣ ንዘዝተፈተነ ናይ ምምላቕ ፈተነ እናኣፍሸሉ ንዓባይ ጉጅለ ክቅልስዋ ጀሚሮም።
ድሕሪት ዝተረፈ ቶማስ ቦነት ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮ ፍልልይ ናብ 3 ደቒቕን 40 ካልኢት ክብ ኢሉ። ብጫ ማልይኡ ከረክብ ምዃኑ ኸኣ ዳርጋ ርዱእ እናኾነ መጺኡ፡ መን’ዩ ሕጂኸ ክርከባ ዝብል ሕቶ ግን ዝተረፈ 50 ኪሎሜተር ዝምልሶ’ዩ ኔሩ።
ረሸሽ ዝበሎ ክሪስ ፍሩም’ውን ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮ ፍልልይ ናብ ትሕቲ ፍርቂ ደቒቕ ወሪዱ። ኣይደንጎየትን ዓባይ ጉጅል ኣብ መበል 154 ኪሎሜተር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ኣእተወቶ።
ዓባይ ጉጅለ ትንፋስ ከይመለሰት እንከላ መይን ኬንት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቨርቸር ካብ ቶታል ኢነርጂን ቢዝካራ ካብ ኢስሳልተል መጥቃዕቲ ብምፍናው ፍልልዮም ከግፍሑ ጀመሩ። ፍልልዮም ክሳብ 45 ካልኢት’ኳ ኣብጺሐሞ እንተነበሩ፡ ዓባይ ጉጅል ኣይነሓፈቶምን፡ ኣብ መበል 160 ኪሎሜተር ውሒጣቶም።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ሰለስተ ተጻወትቲ ስለዝሃደሙ ናይ 30 ካልኢት ፍልልይ ስለዝፈጠሩ ንዓባይ ጉጅል ቅሳነት ኣይፈጠረላን።
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣርሚስቶን ካሉም ካብ ዝነበራ ጉጅለ በይኑ ተፈልዩ ብምውጻእ ኸኣ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮ ፍልልይ ከግፍሖ ጀመረ።
እዚ ተጻዋታይ ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ብሓደ ደቒቕን 47 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ መበል 23 ዝተሰርዐ ስለዝኾነ ነቶም ንብጫ ማልያ ዝወዳደሩ ብዙሕ ዘሻቕል ኣይነበረን።
ነዛ መድረኽ ኸኣ ብዘይ ተቓጻጺ ተዓዊትላ።
ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ተቐዳደምቲ ካብ ከተማ ሩባቩ ተበጊሶም 157 ኪሎሜተር ብምዝዋር ውድድሮም ኣብ ከተማ ጊቹምቢ ክዛዝሙ’ዮም።