ንብጻዮም ዝቐተሉ ኤርትራውያን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሕልፈት ክእሰሩ ተፈሪዶም

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓደ ካብቶም ንበረኸት ሰለሙን ዝቐተሉ መንእሰያት ብውሕዱ ን22 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ወዲ 25 ዓመት ጀላኒ ዑመር ቀንዲ መባእስቲ በረኸት ሰለሙን ኮይኑ ዝተረኽበ ግን ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።

ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን ብ7 ሓምለ 2022 እዩ ብተደገጋጋሚ ብኻራ ተወጊኡ ካብ ለንደን ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ስተቨንጀ ኣብ ዝብሃል ቦታ ተደርብዩ ጸኒሑ።

ሓዉ ንበረኸት ሰለሙን ዝኾነ ምኪኤለ ሰለሙን “በረኸት ዝሓሸ ህይወት ንምምራሕ’ዩ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ናብ ዓዲ እንግሊዝ መጺኡ” ይብል።

ክልተ ካልኦት ብቕትለት በረኸት ገበኛታት እዮም ክብሃሉ እንከለዉ ሓደ ከኣ ነቶም ገበን ዝፈጸሙ ብምትሕብባር ገበነኛ ኰይኑ ረኺብዎ።

በረኸት ብውሕዱ ሸሞንተ ግዜ’ዩ ብኻራ ተወጊኡ'ዩ ህይወቱ ሓሊፋ ተረኺቡ።

ቤት ፍረርዲ ኣልባንስ ወዲ 25 ዓመት ተቐማጢ ስተቨንጀ፡ ጀላኒ ዑመር፡ ቀንዲ መባእስቲ በረኸት ኮይኑ ከምዝረኸቦን ንሕልፈት ከምዝተፈረዶን ፖሊስ ሓቢሩ።

ወዲ 25 ዓመት መልኣከ ፍስሃን ወዲ 20 ዓመት ናትናኤል ሓድጉን እውን ኣብቲ ቅትለት ከምዝተሳተፉ ቤት ፍርዲ ስለዘረጋገጸ ነፍሲ ወከፎም ተትሽዓት ዓመት ክእሰሩ ፈሪድዎም።

ካልእ ሮቤል ምስጋነ ዝብሃል ቀዋሚ መንበሪ ዘይብሉ ውልቀ ሰብ ከኣ ነቶም ቀተልቲ ከምዝተሓባበረ ስለዝተረጋገጸ ንኣርባዕተ ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ ኣሎ።

ፖሊስ ኣርባዕቲኦም እቶም ገበነኛታት ካብ ኤርትራ ከምዝኾኑ ብምሕባር ዓመታት ፍርዶም ምስ ወድኡ ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ከምዝኽእሉ ገሊጹ ኣሎ።

“እቲ ሰለማዊ መንእሰይ”

ሓዉ ንበረኸት ሰለሙን ዝኾነ ምኪኤለ ሰለሙን ሞት በረኸት “ኣብ መላእ ስደራና ክጽገን ዘይክእል ሃጓፍን ዓቢ በሰላን” ገዱፉ ይብል።

ኣብቲ ብፖሊስ ዝወጸአ መግለጺ፡ ሚኪኤለ “በረኸት ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣገባብ ካብ ዝቕተል ብቃላት ክግለጽ ዘይክእል ሓዘን’ዩ ወሪሩና” ይብል።

“በረኸት ምስ ኩሉ ሕውስ፡ ጭዋ፡ ንኻልኦት ዝሓሊ፡ ለጋስ፡ ጻዕራምን ሰለማዊን መንእሰይ'ዩ ነይሩ፡ ባህጉ ብምሕደራ ዋኒን ተማሂሩ ናቱ ትካል ምውናን’ዩ ነይሩ፡ ምስ በረኸት እዚ ባህጊ እዚ’ውን እዩ ተቐቢሩ” ይብል ሓዉ።

ሓላፊ ፖሊስ ኣያን ማክፈርሰን “ካራ ሒዝካ ምጉዓዝ ሓደገኝነቱ ርኢና’ዮ ኣለና” ድሕሪ ምባል “ካራ ህይወት ሰብ ይቐትል ንኻልኦት የዕኑን” ኢሉ።

እቲ ሓላፊ ፖሊስ ብምስዓብ “በረኸት ንመጻኢ ብዙሕ ወጢኑ ዝነበረ መንእሰይ’ዩ፡ ካብ ኤርትራ መጺኡ ኣብ ሀርትፎርሻየር ክቕመጥ ጀሚሩ፡ ምስ ዝፈልጦም ሰባት ልክዕ ከምኡ ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ምስ ተጎራፈጡ’ዩ ብኻራ ተቐቲሉ” ይብል።