ታንዛንያ፡ ብውሕዱ 240 ሰባት ብሃገራዊ ክሕደት ተኸሲሶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቤትፍርዲ ታንዛንያ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንታዊ መረጻ ብዝተሓሓዝ ሞት ዘስዓበ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ ብውሕዱ ን240 ሰባት ብሃገራዊ ክሕደት ከሲስዎም።
ፕረዚደንት ሳምያ ስልሑ 98 ሚእታዎት ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተዓወተት ብወግዒ'ኳ እንተ ተገለጸ፡ ተቓወምታ ግን እቲ መረጻ ናጻን ርትዓውን ከም ዘይነበረ ብምግላጽ ነቲ ውጽኢት ዘለዎም ተቓውሚ ንምስማዕ ናብ ጐደናታት ወጺኦም።
ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ነቶም ዝቓወሙ ዝነበሩ ኣብ ምብታን ብዝተለዓለ ጐነጽ ከኣ ኣማኢት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
መንግስቲ ግን እቲ ቍጽሪ ምውታት ዝተጋነነ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ መራጸ ጻጻን ርትዓውን ምንባሩ'ዩ ዝማጐት።
ምስቲ ዝነበረ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም'ዮም። ብድሕሪ እዚ ኣብ ዳረሰላም ብቤት ፍርዲ ክሲ ሃገራዊ ክሕደት ቀሪብሎም ኣሎ።
ብመሰረት ቢቢሲ ዝረኣዮ ናይ ክሲ ወረቐት፡ እቶም ተኸሰስቲ ነቲ መረጻ ንምዕንቃፍ ሓሊኖም ሰልፍታት ኣለዓዒሎም ተባሂሎም'ዮም ተኸሲሶም ዘለዉ።
ተኸሰስቲ በቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ገበነኛታት ኰይኖም እንተ ተረኺቦም ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦም ከም ዝኽእል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ይዅን እምበር ኣብ ታንዛንያ መብዛሕትኦም እቶም ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ኣብ መወዳእታ ፍርዶም ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ'ዩ ዝቕየረሎም።
እታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ናይ መወዳእታ ኣብ 1990ታት ንሓደ ፍሩድ ብሞት ቀጺዓ።
ካብቶም ብዓርቢ ዝተኸሰሱ፡ ፍልጥቲ ታንዛንያዊት ነጋዲት ጀኒፈር ጆቪን ትርከቦም።
ንሳ፡ ካብ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ንምክልኻል፡ ሰልፈኛታት ናይ ጋዝ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገዝኡ ብቕሉዕ ከተተባብዕ ጸኒሓ ተባሂላ ብመንግስቲ ክትንቀፍ ጸኒሓ'ያ።
ኣብ ዝርዝር እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽልዋ ዘለዎም ሰባት'ውን ተኻቲቶም ኣለዉ።
እቲ ተመስሪትሎም ዘሎ ክሲ፡ ካብ 19 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መጋባእያ ክርአ ክጅምር ምዃኑ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሳሚያ ኣብ እዋን ቃለ መሓላኣ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ነቲ ድሕሪ መረጻ ዝነበረ ዕግርግር ብምዅናን፡ ነቲ ናዕቢ ዘበገሱ ዝበለቶም ወጻእተኛታት'ውን ወቒሳ።
እቶም ነቲ ዕግርገር ኣጓሃሂሮም ዝበለቶም ወጻእተኛታት ዜጋታት ኣየነይቲ ሃገር ምዃኖም ግን ኣይገለጸትን።
ቃለመሓላ ፕረዚደንት ሳምያ ስልሑ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝካየደሉ ዝነበረ ስታድዮም ዝፍጸም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዶንዶማ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ ምርኢት ዝካየደሉ ቦታ'ዩ ተኻይዱ።
እቲ ዝዀነ ህዝቢ ዘይተሳተፎ ስነስርዓት ቃለመሓላ፡ ብወተሃደራዊ ሰልፊ ተሰንዩ ብቐጥታ ኣብ ተለቪዥን ከም ዝመሓላለፍ'ዩ ኰይኑ።
ሳምያ ሳልሑ ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሉ'ያ ኣብ 2021 ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ታንዛንያ ኰይና ናብ ስልጣን መጺኣ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







