ታንዛንያውያን ዘይተሓጎስሉ ሓወልቲ ጁሊየስ ኔረረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ሓወልቲ ተቓላሳይ ነፃነት ታንዛንያዊ ጁሊየስ ኔሬሬ

ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ተቓላሳይ ኣንጻር መግዛእቲ ጁልየስ ኔረረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሓሉ ሓውልቲ ኣብ ሃገሩ ታንዛንያ የዘራርብ ኣሎ።

ብዙሓት ታንዛንያውያን፡ እቲ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመ ሓወልቲ ነቲ ፕረዚደንት ሃገሮም ዝነበረ መራሒ ከምዘይመስል'ዮም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገልጹ ዘለዉ።

"እቲ ክብረት ኣገዳሲ ምዃኑ እፈልጥ፡ ግና ናይቲ ሓወልቲ ገጽ ንማዋሊሙ (ብንኡሱ ይኹን ምስ ዓበየ) ዘመሳስል የብሉን" ክትብል ማሪያ ሳሩንጊ ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።

ካልእ'ውን "እዚ ኔረረ ኣይኮነን" ዝብል ርእይቶ ጽሒፉ።

ጁሊየስ ኔረረ፡ ታንዛንያ ወይ ናይ ቀደም ታንጋኒካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክትናገፍ ዕዙዝ ግደ ዝነበሮ ተቓላሳይ እዩ።

ሃገሩ ነፃነታ ምስ ተጐናፀፈት ድማ፡ ኔረረ ካብ 1961- 1985 ንታንዛንያ መሪሕዋ።

ብቋንቋ ስዋሂሊ ምዋሊሙ (መምህር) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኔረረ፡ ኣብ ፓን-ኣፍሪካኒዝም ብዝነበሮ ቈራጽነት ታሪኽ ይዝክሮ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደቛሲ ንዝነበረ መግዛእቲ ጸዓዱ (ኣፓርታይድ) ይቃለሱ ንዝነበሩ ተቓለስቲ ነፃነት’ውን ኣብ ታንዛንያ ከዕቑቡ ገይሩ’ዩ።

ኣብ ምስረታ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ’ውን ቀንዲ ግደ ካብ ዝነበሮም መራሕቲ’ዩ።

ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸብሉ ነቲ ሓወልቲ ዝመረቐ፡ ኣቦወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፡ ኔረረ ነታ ኣህጉር ንዘበርከቶ ግደ ኣመስጊኑ።

ሙሳ ፋኪ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ 1963 ክምስረት እንከሎ፡ ኔረረ፡ “ኣህጉርና ሓንቲ እያ። ኵላትና ኣፍሪቃውያን ኢና” ብምባል ንዝሃቦ ርእይቶ ዘኪሩ።

ኔረረ፡ ኣብ 1961 ቀዳማይ ሚኒስተር ታንጋኒካ ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 120 ብሄር ዝሓቘፈት ሓዳስ ሃገር ሓደ ምግባር ፈላማይ ስርሑ ነይሩ።

ስዋሂሊ ሃገራዊ ቋንቋ ክኸውንን ንሶሻሊዝም ብኣፍሪቃዊ ቅዲ ብምርኣይ ኡጁማ (ስድራ) ብዝብል ስነ-ሓሳብ ነታ ሃገር ናብ ሓድነት ኣምጺኡ።

ታንጋኒካ ምስ ዛንዚባር ብምውህሃድ ኣብ 1964 ታንዛኒያ ተመስሪታ።

ኔረረ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪጣንያ ዝተምሃረ ፈላማይ ታንዛንያዊ’ዩ።

ሃገሩ ካብ ሓገዝ ሃገራት ወጻእን ወፍርን ተናጊፋ ርእሳ ዝኸኣለት ክትኸውን ብዙሕ ጽዒሩ።

ታንዛንያውያን፡ ኔረረ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ስርዓተ-ጥዕና ብምዝርጋሕ ከምኡ’ውን ሽፋን ትምህርቲ ብምስፋሕን ይምስክርሉ።

ጁሊየስ ኔረረ፡ ኣብ 1999 [ኣ.ኣ] ኣብ መበል 77 ዓመቱ ዝሞተሉ መዓልቲ፡ ህዝባዊ በዓል ታንዛናውያን እዩ።

ኔረረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓወልቲ ዝተሰርሐሉ ሳልሳይ ኣፍሪቃዊ መራሒ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ መስራትን ተቓላሳይ ነፃነትን ጋና ክዋመ ንክሩማህን ሃፀይ ሃይለስላሰን ሓወልቲ ተሰሪሕሎም እዩ።