ስእሊ ፕረዚደንት ዘቃጸለ ስነጥበባዊ ተኣሲሩ

ፕረዚደንት ታንዛንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስእሊ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ብምንዳድ ዝተኸሰሰ ታንዛንያዊ ስነ-ጥበባዊ፡ ብገበናት ሳይበር ገበነኛ ምዃኑ ምስተረጋገጸ፡ ንኽልተ ዓመት ማእሰርቲ ወይ 2000 ዶላር ክቕጻዕ ተፈሪዱ።

ሻድራክ ቻውላ፡ ነታ ፕረዚደንት ብቓላት እናጸረፈ ስእላ ብምቅጻል ዘርኢ ኣዘራራቢ ቪድዮ ቀሪጹ ብዝብል’ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ወዲ 24 ዓመት ቀባኢ፡ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞ ብምእማን፡ ነቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክከላኸለሉ ኣይከኣለን።

ምእሳሩ ሕጋዊ ክትዕ ዘስዓበ ኰይኑ፡ ገለ ጠበቓታት ነቲ ስእሊ ምቅጻሉ ዝዀነ ሕጊ ከምዘይተጠሓሰ ገሊጾም።

ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንቻውላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽወጽእ ዘኽእሎ ገንዘብ ምትእኽኻብ ናይ ኢንተርነት ወፍሪ ጀሚሮም ኣለዉ።

ስእሊ ፕረዚደንት ኣቃጺሉ ዝተኣሰረ ቀባኢ

ምንጪ ስእሊ, MWANANCHI

ታንዛንያ ኣብ 2018 ኣንጻር ምዝርጋሕ "ናይ ሓሶት ዜና" ተሪር ሕጊ ዘውጽአት ኰይና፡ ነቐፍቲ፡ መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ዝገትእ ሕጊ ገይሮም ይርእይዎ።

ፖሊስ፡ ቻውላ ብ30 ሰነ ኣብ ቲክቶክ ሕሳቡ ኣብ ዝለጠፎ ቪድዮ፡ ኣንጻር እታ ፕረዚደንት “ብርቱዕ ቃላት" ከምዝተጠቕመ ሓቢሩ።

ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ቤንጃሚን ኩዛጋ ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገበናት እቲ ስነጥበባዊ ናይታ ፕረዚደንት ስእሊ ካብ ምንዳድን ጀሚሩ ኣጸያፊ ትሕዝቶታት ብኢንተርነት ምዝርጋሕን ዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጹ።

ሚስተር ኩዛጋ፡ "ንሃገራዊ መራሕትና ምጽራፍ ባህሊ ህዝቢ ምበያ ኣይኮነን" ኢሉ።

ገለ ጠበቓታት፡ ስእሊ ናይታ ፕረዚደንት ምቅጻል ከም ገበን ዝቖጽር ሕጊ ከምዘየለ ገሊጾም።

ቻውላ ነቲ ክሲ ንነብሱ ክከላኸል ዕድል ምስተዋህቦ ስቕ ከምዝበለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።