ልዕሊ 180 ዜጋታት ብውሕጅ ዝሰኣነት ኬንያ ዲጋታት ክፈስሱ ስለ ዝኽእሉ ነበርቲ ክግዕዙ ኣዚዛ

ኣብ ማይ ዝንቀሳቀሱ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንግስቲ ኬንያ ብርቱዕ ዝናብ ይቕጽል ብምህላዉ ኣብ ጥቓ 178 ዲጋታትን ዕቋር ማይን ዝነብሩ ሰባት ካብቶም ከባብታት ክግዕዙ ኣዚዙ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ እቶም ማያዊ ኣካላት "መሊኦም ወይ ዳርጋ ክመልኡ ስለ ዝቐረቡን ኣብ ዝዀነ እዋን ክፈስሱ ስለ ዝኽእሉን ኣብ ከባቢኦም ንዝነብሩ ሰባት ልዑል ሓደጋ ኣንጸላልዮም ምህላዎም" ኣጠንቂቑ።

ኣብ ጥቓ እቶም ዲጋታትን ዕቋር ማይን ዝነብሩ ሰባት ከምኡ'ውን ካብ ጥልቁይ መሬት (ሽዕበት) ከባቢ ሩባ ናይሮቢ ኣብ ውሽጢ 30 ሜትሮ ርሕቐት ዝርከቡ ነበርቲ ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ 24 ሰዓታት ክወጽኡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መላእ ኬንያን ታንዛንያን ከቢድ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብ ኬንያ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣስታት 188 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 90 ድማ ደሃዮም ከም ዝጠፍኡ ናይ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ግምታት የመልክቱ።

ኣብ ታንዛንያ’ውን 155 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ጥቓ ማይ ማሂዩ እትበሃል ከተማ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ኬንያ ሰባት ደቂሶም እናሃለዉ ብዘጋጠመ ምህማም ጭቃ ብውሕዱ 50 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት።

ዕልቕልቕ ማይ ከኣ ንርእሰ ከተማ ናይሮቢ ጸልይዋ ኣሎ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝያዳ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ትጽቢት ስለ ዝግበር እቲ ኩነታት ክገድድ ከም ዝኽእል ይእምቱ።

"ብወሳንነት እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ‘ሂዳያ’ ዝበሃል ህቦብላ ከጋጥሞ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ንኣብ ውቅያኖስ ህንዲ ዘሎ ንጥፈታት ሓይሊ ባሕሪ ክጽሉ ዝኽእል ብርቱዕ ዝናብ፣ ዓበይቲ ማዕበልን ብርቱዕ ንፋስን ከስዕብ'ዩ" ይብል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ።

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ኬንያ፡ ናይሮቢ ካብቶም በቲ ህቦብላ ብዝኸፍአ ዝህሰዩ ከባቢታት ከምእትኸውን ትጽቢት ይግበር ኢሉ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ "ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘሎ ሓመድ ምሉእ ብምሉእ ማይ ስለ ዝጸገበ" እቲ ኩነታት ክኸፍእ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።

እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ ነቶም ዝግዕዙ ዜጋታት ግዝያዊ መዕቆቢ፣ መግብን ኣገደስቲ ነገራትን ከም ዝተዳለወ ገሊጹ።

ኣብ ጥቓ ግድብ ናይሮቢን ግድብ ታይታኒክን ዘለዉ ከባብታት ዝነብሩ ኣብቲ ምግዓዝ ዝተኻተቱ እዮም።

ኣብ ጥቓ ጥልቁይ መሬት ሩባ ናይሮቢ ዝርከቡ ህንጻታት ክእለዩ ምዃኖም’ውን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ።

በቲ ዜጋታት ናይ ምግዓዝ መምርሒ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝጽለዉ ግን ንጹር ኣይኰነን።

መንግስቲ ኬንያ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝህቦ ዘሎ ምላሽ ‘ቅልጡፍ ኣይኰነን’ ብዝብል ነቐፌታታት የጋጥሞ’ሎ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ንምምሕዳሩ ብምክልኻል ብሶኑይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ብዝዋስኣሉ ኣገባብ ይካየድ ኣሎ" ክብል ኣፍሊጡ።