ንከተማ ናይሮቢ ዘዕለቕልቕ ዘሎ ውሕጅ 32 ነበርቲ ቀተሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንተኸታተልቲ መዓልቲታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ዝሃርም ዘሎ ዝናብ ጽርጊያታት ናብ ሩባታት ቀይርዎም ኣሎ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ዕልቕልቕ “ናብ ጽንኩር ደረጃ ከም ዝዓበየ” ገሊጹ።
እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኬንያ ዝሃርም ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ሰፊሕ ዕንወት ኣስዒቡ ይርከብ።
ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ብውሕዱ 32 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ልዕሊ 40 ሽሕ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተዘናበሉን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ናይሮቢ ምሉእ ሻውላትን ከባቢታትን ብውሑጅ ተውሒጦም ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ምስልታት ይወጽኡ ኣለው።
ኣብዞም ምስልታት፡ ነበርቲ ኣብ ናሕሲ ገዛኦም ተቐርቂሮም፣ ገሊኦም ድማ ብናሕሲ ገዛውቶም ኣቢሎም ህይወቶም ከድሕኑ ክፍትኑ ይረኣዩ።
“እቲ ኵነታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፤ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ልዕሊ ዓቕሚ ከም ዝዀነ ብግልጺ ይርኣይ። ህይወት ሰባት ንምድሓን ዝተዋደደ ህጹጽ ሃገራዊ ኣገልግሎት የድልየና ኣሎ” ክብል ሴናተር ምምሕዳር ናይሮቢ ኤድዊን ሲፉና ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ብሰንኪ እቲ ውሑጅ፡ ማታረ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝነብሩ ድኻታት ሓደ ለይቲ ኣብ ናሕሲ ገዛውቶ ደቂሶም ክሓድሩ ተገዲዶም እዮም።
ኣብ ናይሮቢን ከባቢኣን ዝርከቡ ካልኦት ብኣማኢት ዝቝጸሩ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ፡ ብውሕጅ ተዓጊቶም’ዮም።
ዓበይቲ ጐደናታት ናይሮቢ ብውሕጅ ስለ ዝተዋሕጠ ኣብ መላእ እታ ሃገር ጽዑቕ ትራፊክ ተፈጢሩ ኣሎ።
መራሒ ኡበር ኬልቪን ምዋንጊ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “መብዛሕትኡ ጽርጊያታት ብውሕጅ ስለ ዘዕለቕለቐ እታ ከተማ ደው ኢላ እያ ዘላ” ኢሉ።
ብሰሉስ፡ ኣብ ደቡብ ናይሮቢ ሓደ ብሰንኪ ውሕጅ ተዓጊቱ ዝነበረ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ብናይ ፖሊስ ሄሊኮፕተር ክድሕን ክኢሉ እዩ።
“እቲ ቈልዓ፡ ንነዊሕ እዋን በቲ ውሕጅ ተዓጊቱ ብምጽንሑ ከቢድ ስንባደ ኣጋጢሙዎ እዩ። ብሰላም ድሒኑ ግን ናብ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ ክንክን ክግበረሉ ኣሎ” ክብል ቀይሕ መስቀል ኬንያ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
መብዛሕትኡ ከባቢታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ብኸቢድ ተሃስዩ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ብሩንዲ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ኣብ ታንዛንያ ድማ ብውሕዱ 58 ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ዝናብ ንክሃርም ካብ ዝድርኹ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዳይፖል (IOD) እዩ።
ምስቲ ኣብ ፓስፊክ ዘለዎ ተመሳሳልነት መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ኢንዲያን ኒኖ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣይኦዲ፡ ኣብ ተጻረርቲ ክፋላት ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዘሎ ፍልልይ ሙቐት ገጽ ባሕሪ ዘመልክት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣወንታዊ ምዕራፍ ክህሉ እንከሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ማያት ካብቲ ንቡር ኣዝዩ ዝሞቐ ይኸውን፤ እዚ ድማ ከቢድ ዝናብ ከስዕብ ይኽእል።
ይዅን’ምበር፡ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክልቲኦም ኣወንታ ኣይኦዲን ኤል ኒኖን ኣብ ሓደ እዋን ምስ ዘጋጥም፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዘንብ ዝናብ ጽንኩር ይኸውን።
ሓደ ካብቶም ኣብ መዝገብ ዝሰፈሩ ሓያላት ኵነተ-ኣይኦዲ፡ ምስቲ ኣብ 1997 ከምኡ’ውን 1998 ዝነበሩ ሓያላት ኵነተ-ኤል ኒኖ ዝተጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን ከቢድ ውሕጅ ከም ዝተራእየ ይግለጽ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት እቲ ዞባ፡ ሞት ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ኣስዒቡ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







