መረጻ ታንዛንያ፡ ፕረዚደንት ሳምያ ቃለ መሓላ ፈጺማ

ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሑ ሓሰን ድሕሪ ሞት እቲ ቅድሚኣ ዝነበረ መራሒ ኣብ 2021 እያ ስልጣን ሒዛ። እዚ ድማ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንታዊ መረጻኣ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ድሕሪ ሞት እቲ ቅድሚኣ ዝነበረ መራሒ ኣብ 2021 እያ ስልጣን ሒዛ። እዚ ድማ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንታዊ መረጻኣ እዩ።

ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን፡ ንኻልኣይ እብረ ስልጣን ቃለ መሓላ ፈጺማ።

ዋላ'ዃ ኣብቲ ድሕሪ ማእሰርትን ምእጋድን ፍሉጣት ፖለቲካኛታት እታ ሃገር ኣብ ዝተገብረ መረጻ 97.66 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተት እንተተገልጸ፡ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ጐደናታት ወጺኦም ሓያል ተቓውሞታት ከካይዱ ቀንዮም እዮም።

ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ ብዛዕባ ግሉጽነት እቲ መረጻን ዘስዓቦ ጎነጻዊ ሳዕቤናትን ስክፍታኦም ክገልጹ እንከለዉ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይንገር።

ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ታንዛንያ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን "ብዓብላሊ ድምጺ" ማለት 97.66 % ረኺባ ከም ዝተዓወተት ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ሎሚ ቀዳም ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ።

ድሕሪ ማእሰርትን ምእጋድን ፍሉጣት ፖለቲካኛታት እታ ሃገር ንዝተገብረ መረጻ ስዒቡ፡ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ሓያል ተቓውሞታት ከካይዱ ቀንዮም እዮም።

እዚ ዝቐነየ ናዕቢ ናበይ ከምርሕ ይኸውን ዝብል ሕቶ ብኣጋ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይንገር።

ብሰንኪ እቲ ተቓውሞታት፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከም እተቐትሉ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣፈኛ ሰልፊ ቻዴማ ን ማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ እተገብረ ግጭት "ኣስታት 700" ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ። ይዅን እንበር እቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ ምዕጻው ኢንተርነት ብዛዕባ ሞት ዝገልጽ ጸብጻባት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ቢቢሲ ንሓደ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ኣብ ዝተወከስሉ ግን ብውሑዱ 500 ሰባት ከም ዝሞቱ ዘተኣማምን መርትዖ ከም ዘሎ ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ።

ይዅን እምበር ሓደ ምኒስተር መንግስቲ ግን፡ ነቲ ጐነጻዊ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ብምሕላቕ "ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝተጐድኡ" ክገልጽ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን ይብል።

ኣብቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ቀንዲ ተቓወምቲ ኣንጻር ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሳን ከይወዳደሩ ስለ እተኸልከሉ መንእሰያት ሰልፈኛታት ነቲ ድምጺ ዘይፍትሓዊ እዩ ብምባል ኰኒኖምዎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር ማሕሙድ ኮምቦ ሳቢት፡ ነቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት "ሓይልታት ጸጥታና ቅልጡፍን ቈራጽን ስጕምቲ ወሲዶምሉ" ክብል ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ቲቪ ገሊጹ።

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ምኒስተር ወሲኹ፡ "ብዛዕባ ዝዓነወ ንብረት ዝገልጽ ጸብጻባት ንቕበል ኣለና " ብምባል ብልሽውና ደው ንምባልን ህይወት ንምድሓንን ኢንተርነት ምቍራጽ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰልፈኛታት ነቲ ናዕቢ ደው ከብሉ ብሓለቓ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ብምጥሓስ ትማሊ ዓርቢ'ውን ኣብታ ቀንዲ ከተማ ዳር ኤ ሰላምን ጎደቦታት ሳላሳላ፡ ዮምቦን ተጌታን ተቓውሞታት ቀጺሉ ኣሎ።

ጀነራል ጃኮብ ጆን ምኩንዳ ብሓሙስ ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ቀሪቡ "ብ29 ጥቅምቲ ገለ ሰባት ናብ ጐደናታት ወጺኦም ገበናዊ ተግባራት ፈጺሞም። እዚኣቶም ገበነኛታት እዮም ገበን ድማ ብህጹጽ ደው ክብል ኣለዎ፣ ሰራዊትና'ውን ተቘጻጺርዎ እዩ፡" ክብል ተሰሚዑ።

መንግስቲ ንናህሪ'ቲ ዓመጽ ንምንካይ ኣብ ዝፈተነሉ ሰበ-ስልጣን ከኣ ነቲ ናዕቢ ንምጭፍላቕ ሰዓታት እቶ እቶ ኣናዊሖም።

ኢንተርነት ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ጋዜጠኛታትን ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ብዛዕባ ሞት ዝገልጽ ጸብጻባት ከረጋግጹ ኣጸጋሚ ጌርዎ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሆስፒታላት እውን ብዛዕባ ግዳያት ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢበን ኣለዋ።

ኣብ ዳር ኤ ሰላም ኣብ ዝርከብ ምንጪ ሓደ መወከሲ ሆስፒታል ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ እቲ ሆስፒታል ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ ብግዳያት ከምዘዕለቕለቐ ሓቢሩ።

እቲ ምንጪ ኣብተን ካልኦት ኣብታ ከተማ ዝርከባ ህዝባዊ ሆስፒታላት'ውን ብተመሳሳሊ መጽንሒ ሬሳታት መሊኡ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ከዝሰምዐ ኣረዲኡ።

ሓደ ፖለቲከኛ ቻዴማ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ጃምላዊ ቅትለት ብለይቲ ብስዉር ማንም ኣብ ዘይረእዮ ስለዝፍጸም ንምስክር ከማን ዝረእዮም የለን" ብምባል ንሂወቱ ከም ዝሰግእ ይዛረብ።

ዳይረክተር ጕዳያት ወጻእን ዲያስፖራን ቻዴማ፡ ጆን ኪቶካ፡ "ንዅሎም መራሕትና ይከታተልዎም ስለዘለዉ ካብታ ሃገር ክወጹ ተገዲዶም፤ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዘይ ንሕስያ እዮም ዝቐትሉ" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ኣዋር ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ንሓይልታት ጸጥታ እታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘየድሊን ዘይመጣጠንን ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቝጠቡ ጸዊዑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሳሚያ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ 1961 ናጽነታ ካብ እትረክብ ኣትሒዙ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዝነበረ ሰልፊ ቻማ ቻ ማፒንዱዚ (ሲሲኤም) ብምዃን ክትዕወት ትጽቢት ክግበር ጸኒሑ እዩ።

ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብታ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስትን መራሒን እትመርጽ ዛንዚባር እትበሃል ደሴት ታንዛንያ፡ ሒሴን ምዊኒ ዳርጋ 80 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።

እንተዀነ ኣብ ዛንዚባር ዝርከቡ ተቓወምቲ ግን "ዓብይ ምትላል" ተፈጺሙ ከምዝበሉ ማዕከን ዜና ኤፒ ጸብጺቡ።

ኣብታ ደሴት ዝርከቡ በጻሕቲ እውን ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታትን ኢንተርነት ምዕጻውን በረራታት ሓዲገመዲግ ተዓጊቶም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ቱንዱ ሊሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምህላዉን ካልእ ተቓዋሚ ድማ ካብቲ መረጻ ስለ እተኣገደን ሳምያ ንኽትዕወት ዘለዋ ዕድል ኣደልዲላ። እንተኮነ እቶም ተቓወምቲ ንመንግስቲ ንዲሞክራሲ ከም ዘዳኽም ይኸሱ።

እቲ እንኮ ጣቋ ዘለዎ ተወዳዳሪ ሉሃጋ ምፒና ኣባል ሰልፊ ACT-Wazalendo ብሕጋዊን ተክኒካዊን መዳያት ካብ መረጻ ተኣጊዱ።

ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ታሪኽ ዓብይ ህዝባዊ ደገፍ ረኺቡ ዝይፈልጥ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰልፊታት ግን ኣብቲ መረጻ ንኽወዳደሩ ተፈቒዱሎም ።

ሳምያ ኣብ 2021 ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ፈላሚት ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት ታንዛንያ ብምዃን ናብ ስልጣን መጺኣ።

ኣብ ፈለማ ኣንጻር ፖለቲካዊ ጭቈና ብምስርሓ ተናኢዳ'ኳ እንተ ነበረት ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ግን መንግስታ ብማእሰርትን ጭውያ ተቓወምትን ንፖለቲካዊ ሃዋህው እታ ሃገር እናጽበቦ ብምምጽኡ ይውቀስ።