ተቓወምቲ ታንዛንያ መረጻ ክድገም ሓቲቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ምትላል ከምዝተፈጸሞ ዝገለጹ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ተቓውሞ ታንዛንያ፡ መረጻ ክድገም ሓቶቶም።
ቻዴማን ኤሲቲን-ዋዛሌንዶ ዝበሃሉ እዞም ዓበይቲ ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር፡ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት’ውን ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተኻደ መረጻ፡ ብ84 ሚኢታዊ ከምዝሰዓረ እዩ ተገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ፡ ኣባላቶም ናብ ናቑጣታት መረጻ ከይኣትዉ ምስተኸልከሉ፡ ድምጺ ህዝቢ ከምዝተሰረቐ እዩ ዝገልጽ።
ኣቦ መንበር ቻዴማ ዝኾነ፡ ፍሪድማን እመባወ፡ “ኣቐዲምና፡ እቲ መረጻ ክድገምን ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድን ኢና ንሓትት ዘለና” ኢሉ።
ካብኡ ንደሓር ግን፡ ድምጾም ክሳብ ዝስማዕ ኣብ መላእ ሃገር ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክጽውዑ ምዃኖም ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣቦ መንበር ኤሲቲ-ዋዛሌንዶ፡ ዚቶ ካበወ ብወገኑ፡ እቲ ውሳነ ንመጻኢ ዕድል እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ተዛሪቡ። “ናብ ናይ ሓደ ፓርቲ ስርዓት ክንምለስ ኣይንፈቅድን” ክብል ድማ ወሲኹ።
ቀንዲ ተነሓናሒ ፕረዚደንት ማጉፉሊ ዝኾነ ቱንዱ ሊሱ፡ ኣብቲ መረጻ 13 ሚኢታዊ ከምዝረኸበ እዩ ተነጊርዎ። ንሱ ድማ “እዚ ብብርኪ ሕግታት ታንዛንያ ኾነ ብዓለምለኻዊ ሕግታት፡ መረጻ ኣይኮነን። ገለ ዒዋሉ ናብ ስልጣን ንምድያብ እዮም ነቲ ናይ መንግስቲ መሓውር ተበሊጾምሉ” ኢሉ።
ሓላፊ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ግን፡ ነቲ ዝቐረበ ጥርዓናት መረዳእታ ኣይቀረበን ክብል ነጺግዎ።
ተዓዘብቲ ‘ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ’፡ እቲ መረጻ ብጽቡቕ ምክያዱ ዝመስከረ ኾይኑ፡ ኢምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዳረሰላም ድማ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ጥርጣረ ዝፈጥር እዩ ክብል ስክፍትኡ ገሊፁ እዩ።
ብሱሩ’ውን፡ መንግስቲ ታንዛንያ፡ ንዲሞክራስያዊ ክብርታት ዘለዎ ተገዳስነት ሕቶ ኣልዒልሉ።
ማጉፉሊ ካብ 2015 ጀሚሩ ፕረዚደንት ታንዛንያ እንትኸውን፡ ገዛኢ ውድቡ ሲሲኤም ግን፡ ካብ 1961 ካብ እዋን ናጽነት ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







