እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘለንስኪ ስለምንታይ ንሚኒስተር ምክልኻል ካብ መዝነት ኣልይዎ?
ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ኦለስኪ ረዝኒኮቭ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣለየ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።
ረዝኒኮቭ፡ ኣብ 2022 ሩስያ ንዩክረይን ቅድሚ ምውራራ ኣትሒዙ ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ዘለንስኪ ኣብቲ ሎሚ ለይቲ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ሚኒስትሪ “ሓድሽ ኣካይዳ” ኣብ ዘድልየሉ እዋን ከምዝተበጽሐ ኣፍሊጡ።
ሩስተም ኡመሮቭ ድማ ሓድሽ ሚኒስተር ምክልኻል ገይሩ ሸይምዎ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ኪቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ እቲ ሚኒስተሪ ምስ ሰራዊትን ማሕበረሰብን ሓድሽ ኣካይዳን ካልኦት ሜላታት ርክብን የድልዮ ኢለ እኣምን” ኢሉ።
ረዝኒኮቭ ምስ ፖለቲከኛታት ጽቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ኣብ ዝንገረሉ፡ ንለንደን ኣምባሳደር ኰይኑ ክሽየም ከምዝኽእል መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ግምተን ገሊጸን።
እቲ ብሰንኪ ሩስያ ዝፈጸመቶ ወራር ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ሚኒስተር ምስ ምዕራባውያን መራሕቲ ኣብ ዝነበሮ ርክባት፡ ሃገሩ ተወሰኽቲ ኣጽዋር ኲናት ክትረክብ ኣብ ምጕስጓስ ጽቡቕ ተራ ነይርዎ።
ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ግን ካብ መዝነቱ ክእለ ምዃኑ ሓበሬታታት ክወጹ ጸኒሖም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሱ ክሰርሐሉ ዝኽእል ካልእ ሓላፍነት ምስቲ ፕረዚደንት ኰይኖም ይርእዩ ከምዘለዉ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ካልእ ሓላፍነት ክህቦ ምዃኑ እውን ክግለጽ ቀንዩ።
ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ዩሪ ሳክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ፡ ረዝኒኮቭ ነቲ ሚኒስትሪ ኣብ ምምዕባልን ሃገሩ ኣባል ኔቶ ኣብ እትዀነሉ መስርሕን ዕዉት ስርሓት ከምዝዓመመ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ዘለንስኪ ኣንጻር ብልሽውና ሰፊሕ ወፍሪ ኣብ ዝጀመረሉ ካብ ሓላፍነቱ ዝተኣለየ ኰይኑ፡ እታ ሃገር ናብ ከም ሕብረት ኣውሮጳ ዝበሉ ትካላት ምዕራባውያን ክትጽንበር ወሳኒ ስጉምቲ እዩ።
ትራንስ ፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ መጠን ብልሽውና ሃገራት ዘጽንዕ ትካል ፡ ንዩክረይን ካብ 180 ሃገራት መበል 116 ሰሪዕዋ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተወሰዱ ስጕምቲታት ግን ለውጢ ከምዘምጽኡ ይንገር።
ዋላኳ ረዝኒኮቭ ብውልቁ ብብልሽውና ዝኽሰስ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል እታ ሃገር ግን ምስ ዕድጊ ንብረት ተተሓሒዙ ገዚፍ ብልሽውና ተራእዩ እዩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምክትሉ ዝነበረ ሻፖቫሎቭ ብብልሽና ካብ ስልጣኑ ክእለ እንከሎ፡ እቲ ሚኒስተር ንስክላ ኣብ ስልጣኑ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።
ረዝኒኮቭ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ጥሒሉ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ ሃገሩ ካብ ምዕራባውያን ኣጽዋር ድሕሪ ምርካባ ዝጀመረቶ ዘይስሉጥን ደማውን ጸረ መጥቃዕቲ ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን እዩ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ ዘሎ።
ዛጊድ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘሎ ምዕባለ ድኹም ኰይኑ፡ ብሰንበት ግን ጀነራላት ዩክረይን ኣብ ደቡባዊ ግንባር ሓይልታቶም ቀንዲ መስመር ምክልኻል ሰራዊት ሩስያ ከምዝሰበሩ ሓቢሮም።
ሩስያ ብወገና ኣብ ግዝኣታ ተደጋጋሚ ፈተነታት ደብዳብ ድሮን ክካየዳ ከምዝሓደረን ክልተ ድሮናት ወቒዓ ከምዘውደቐትን ገሊጻ።
ብኻልእ ዜና፡ ሩስያ ኣእካል ኣብ ዝጸዓነላ ዩክረይናዊት ወደብ ኢዝመይል መጥቃዕቲ ፈጺማ።