እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፑቲን፡ ድሕሪ ሓደጋ ነፋሪት ፕሪጐዥን እንታይ ኢሉ?
ፕሬዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ንፈለማ እዋን ተዛሪቡ።
ንስድራ የቭገኒ ፕሪጐዥን ዝተሰምዖ ሓዘን ክገልጽ እንከሎ፡ መስራቲ ጉጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጐዥን ንፉዕ ነጋዳይ’ዩ ነይሩ ክብል ገሊጹዎ።
ትማሊ፡ ዝርዝር ሓላፊ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዥን ዝርከቦም ተጉዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ሩስያ ተሓምሺሻ፤ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባት ሞይቶም።
የቭገኒ ፕሪጎዥን’ውን ኣብታ ነፋሪት ከም ዝነበረን በቲ ሓደጋ ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይእመን።
የማናይ ኢድ ፕሪጐዥን’ዩ ዝብሃል ዲመትሪ ኡትኪን ዝርከቦም ሸሞንተ ሰባት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ክሳብ ሕጂ የቭገኒ ኣብታ ነፋሪት ምንባሩ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣየረጋገጾን።
ፕሬዝደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኪቭ ምስቲ ሓደጋ ዘራኽብ ነገር የብላን ብምባል “መን ምዃኑ ግን ኵሉ ይፈልጥ’ዩ” ኢሉ።
ምንጪታት ምክልኻል ብሪጣኒያ ብወገኖም፡ ኣገልግሎት ስለያ ሩስያ ነታ ነፋሪት ዒላማ ገይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ሰበስልጣን ኣቬሽን ሩስያ፡ ኣብ መንጎ ሞስኮን ሴንት ፒተርስበርግን ትበርር ዝነበረት ‘ኤምብራየር ሌጋሲ’ ዝተባህለት ነፋሪት ብሕቲ፡ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ሰሜን ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ዞባ ትቨር ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ምስ ቫግነር ዝተኣሳሰር ቴሌግራም ቻነል 'ግሬይ ዞን' ግን እታ ጀት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ከም ዝተሃርመት ጸብጺቡ፤ ነዚ ዘርጋግፅ መርትዖ ግን ኣየቕረበን።
ፑቲን ብዛዕባ የቭገኒ እንታይ ኢሉ?
ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላልፎ ዘሎ መልእኽቲ፡ ኣብ ዙርያ ሓደጋ እታ ነፋሪት መርመራ ከም ዝግበር ግን ድማ ግዜ ከም ዝወስድ ተዛሪቡ።
እቲ ፕሬዝደንት፡ "ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ" ፕሪጐዢን "ትማሊ [ረቡዕ] እዩ ካብ ኣፍሪቃ ተመሊሱ። ኣብኡ ምስ ገለ ሰብ መዚ ተራኺቡ’ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓላፊ ቫግነር ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም ዝነበረ ይእመን።
እቲ ጉጅለ፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝተፈጸመላ ኒጀር ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንምስፋሕ ይጽዕር ከም ዘሎ ዝገልጹ ምዕራባውያን ተንተንቲ በዚ ስግኣት ከም ዝሓድሮም ይጠቕሱ።
ቫግነር ቀንዲ ዓንዲ ፖሊሲ ወጻኢ ሩስያ ኰይኑ፡ ሓይልታቱ ኣብ ሶርያ፡ ማሊ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሊብያን ዝርከቡ መንግስታት ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ፑቲን ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ከሻኒ ክረምሊን ኰይኑ መግቢ ዘቕርበሉ ዝነበረ የቭገኒ ዘለዎ ተዘክሮ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ "ንፕሪጎዥን ካብ ዝፈልጦ ነዊሕ እዋን ኰይኑ’ዩ፤ ካብ መጀመርታ 1990ታት ኣትሒዘ’የ ዝፈልጦ" ኢሉ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ፕሪጐዥን ከበድቲ ስሕተታት ፈጺሙ’ዩ ብምባል ተዛሪቡ።
ፕሪጎዥን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣንጻር ዕጡቓት ሓይልታት ሩስያ ዝፈሸለ ናዕቢ መሪሑ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ወዲ 62 ዓመት ሓላፊ ዕሱባት ወተሃደራት ቫግነር፡ ነቲ ካብ 23 ክሳብ 24 ሰነ 2023 ዓ.ም ዝካየድ ዝነበረ ናዕቢ መሪሑ፡ ሰራዊቱ ካብ ዩክረይን ብምግዓዝ፡ ንደቡባዊት ሩስያ ከተማ ሮስቶቭ ኦን ዶን ሒዙ ናብ ሞስኮ ክኣቱ እየ ብምባል ንሰራዊት ሩስያ ከም ዘፈራርሐ ይዝከር።
“ዝተሓላለኸ ዕጫ ዝነበሮ ሰብ’ዩ ነይሩ። ኣብ ህይወት ከበድቲ ስሕተታት ዝፈጸመ ግን ድማ ኣድላዪ ውጽኢት ንምርካብ’ውን ጻዕሪ ዝገበረ’ዩ ነይሩ - ንኣብነት ልክዕ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንሓበራዊ ዕላማ ክሓቶ እንከለኹ - ክልቲኡ ንርእሱ” ዝገበሮ ምንባሩ ኣመልኪቱ።
ኣብታ ወዲቓ ብሓዊ ዝተቓጸለት ነፋሪት፡ የማናይ ኢድ ፕሪጐዥን ዲመትሪ ኡትኪን ከምኡ’ውን ካልኦት ሓሙሽተ ኣባላት ቫግነርን ሰለስተ ሰራሕተኛታት እተ ኣነፋሪትን ከም ዝነበሩ ጸብጸባት የመልክቱ።
"ኣፈናዊ መረዳእታታት ሰራሕተኛታት ኩባንያ ቫግነር ኣብታ ነፋሪት ከም ዝነበሩ ይሕብሩ” ዝበለ ፑቲን፡ "እዚኦም ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ንዝርከብ ኒዮ-ናዚ ስርዓት ንምምካት ናይ ሓባር ዕላማና ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ምዃኖም ክጠቅስ እፈቱ” ኢሉ።
"ንዝክሮን ንፈልጦን ኢና፤ ኣይንርስዖን"።
ፑቲን ኣብ ዩክረይን ደገፍቲ-ናዚ ኣለው'ዮም ብምባል ንጎረቤት ሃገር ዩክሬይን ንምውራር ምኽንያት ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይዛረብ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ መላእ ሩስያ ዝርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ቫግነር፡ ንዝኽሪ እቲ መራሒ ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ሕቝፊ ዕምበባ ብምቕማጥ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለው።
ብመሰረት ቴሌግራም ሩስያ (ህቡብ መልእኽቲ ዝመሓላለፈሉ መድረኽ)፡ እታ ነፋሪት ምስ ሓላፊ ቫግነር ዝተኣሳሰር መለለዪ ቁጽሪ RA-02795 ዘለዋ እያ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ፍላይትራዳር24 ኣቢሉ፡ ሓበሬታ በረራታት እታ ነፋሪት መርሚሩ።
እቲ መረዳእታ እታ ነፋሪት ካበይ ከም ዝተበገሰት እኳ እንተዘይገለጸ፡ እታ ነፋሪት ግን ናብ ሞስኮ ቀሪባ ትጓዓዝ ምንባራ የመልክት።
ናብ ኣስታት 29 ሽሕ ጫማ ምስ ደየበት ግን፡ ተወሳኺ መረዳእታ ኣይተመዝገበን።
ሰነዳት በረራታት ከም ዘመልክትዎ፡ ተመሳሳሊት ነፋሪት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብን ናብን ሞስኮን ሴንት ፒተርስበርግን ብዙሕ ጉዕዞታት ከም ዘካየደት ይሕብሩ።