ኣብ ኢንዳስትሪ ፋሽን ዓለም ሕሩያት ዝዀና ሞዴላት ዝርከበላ ኣፍሪቃዊት ሃገር

ኣብ ዓለምለኻዊ ኢንዳስትሪ ፋሽን፡ ካብ መንጐ ህቡባትን ሕሩያትን ዝዀና ሃገራት ሓንቲ ደቡብ ሱዳን'ያ።

ወዝ ዘለዎ ጸሊም ሕብሪ ቈርበትን ምልምል ቍመትን፡ ደቡብን ሱዳናውያን ሞዴላት ሕሩያት ይገብረን።

ዋላ'ኳ እታ ሃገር ሽማ ምስ ኲናት ሓድሕድ ተዛሚዱ ዝለዓል እንተዀነ፡ ኣብ ዓውዲ ፋሽን ነቲ መድረኽ ዘድምቕኦ ሞዴላት ዝርከበላ ሃገር ምዃና'ዉን ይፍለጥ።

ካብ መንጐ እዘን ኣብ ፋሽን ዓለም ፍሉይ ደረጃ ሒዘን ዝርከባ ደቡብ ሱዳናውያን ሞዴላት፡ ኣሮፕ ኣኮል ሓንቲ'ያ።

ከተማታት ፋሽን ተባሂለን ኣብ ዝጽውዓ ለንደንን ፓሪስን ኣብ ዝካየዱ መድረኻት ካብ መንጐ ዘድምቕኦ ድማ ትጥቀስ።

ኣኮል፡ ኣዝዮም ዘመማውያን ዓለባ ዘፍርዩ ኵባኒያታት፡ ሓደሽቲ ፍርያቶም ኣብ ዘላልይሉ እዋን፡ ቀዲሞም ካብ መንጐ ዝሓርዩወን ሞዴላት ሓንቲ'ያ።

"ቈልዓ 11 ዓመት ከለዅ ጀሚሩ ሞዴሊንግ ብኢንተርነት እከታተል ነይረ፡" ትብል።

ሕጂ ኣብ መጀመርታ 20ታት እትርከብ ኣኮል፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ህብብቲ ክትኸዉን ክኢላ እያ።

ኣኮልን ኣብ ኢንዳስትሪ ፋሽን ህቡባት ካብ መንጐ ዝዀና ናኦሚ ካምፔልን ኣብ ሓደ መድረኽ ምርኢት ፋሽን ኣቕሪበን'የን።

እዚ ስራሕ ውረድ-ደይብ ዝበዝሖ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ምርኢታት ፋሽን ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጽኣ ሞዴላት ትረክብ ምዃና ነቲ ኵነታት ዝቐለለ ክኸዉን ሓጊዙዋ'ዩ።

"ደቡብ ሱዳናውያን ብጽባቕአን ፍሉጣት ኰይነን'የን፡" ትብል።

ኣኮል፡ ጽሩይ ጻዕዳ ስኒ፡ ልስሉስን ዘንጸባርቕ ጸሊም ቈርበትን ዘለዋ ኰይና፡ ቍመታ 1.79 ሜትሮ እዩ።

ኣብ ነፈርቲ፡ ንተጕዓዝቲ ኣብ ዝቀርቡ መጽሄታት ምስሊ ኣኮል ኣይስኣኖን'ዩ።

ካልኦት ደቡብ ሱዳናውያን ሞዴላት'ዉን ብብዝሒ እየን ዝርከባ።

ከም ኣኮል ዝበላ ጀመርቲ ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ ሽመን ዝገነነ ኣኖክ ያይ፡ ኣዱት ኣኬችን ኣሌክ ዌክን ይጥቀሳ።

ኣሌክ ዌክ፡ ካብ ለንደን መዐሸጊ መኪና ተመልሚላ ኣብ መድረኽ ፋሽን ዓለምለኻዊ ዓወታት ክትጐናጸፍ ዝበቕዐት ፈላሚት ሞዴል ፋሽን ደቡብ ሱዳን'ያ።

እዚ ቅድሚ 30 ዓመታት'ዩ ነይሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ሽፋን ፍሉጥ መጽሄት ቮግ ስእላ ብተደጋጋሚ'ዩ ተሓቲሙ።

ከምኡ'ዉን ጨኛታት ሓዊሱ ሞዴል ፍሉጣት ኣቑሑ ብምፍራይ ናይ ዝፍለጡ ዲዮርን ሉቪ ቪቶንን እያ።

ሞዴላት ደቡብ ሱዳን ዝድለያሎም ዕዳጋታት ክንክዩ ኣይርኣዩን።

ኣብ ኢንዳስትሪ ፋሽን መሪሕ ዝበሃልን ኣፍረይቲን ሞዴላትን ዘራኽብ 'models.com' ዝተባህለ መድረኽ፡ ዓመታዊ ዝርዝር 50 'ከዋኽብቲ መጻኢ' ሞዴሊንግ የቐምጥ'ዩ።

ኣብ ቀረባ ብዝገበሮ ሕርያ፡ ካብተን ሓሙሽተ ሞዴላት እታ ሓንቲ ዘርኢ ሓረግ ደቡብ ሱዳን ከም ዘለዋ ኣርእዩ ኣሎ።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ፍሉጥ መጽሄት ቮግ ኣብ "መድረኽ ፋሽን ከገርሙ ዝኽእሉ 11 መንእሰያት ሞዴላት" ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር፡ እተን ኣርባዕተ ደቡብ ሱዳናውያን እየን።

"ሞዴላት ክህልወን ትጽቢት ዝግበር መዐቀኒታት መብዛሕትአን ደቡብ ሱዳናውያን ኣለወን፡" ብምባል ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣዳላዊ ቅንያት ፋሽን ዝዀነ ዳውሰን ዴንግ ይዛረብ።

"ብሉጽ ጸሊም ቈርበት ኣለወን፤ ቍመተን'ዉን ነዊሕ'ዩ፡" ይብል።

መልማሊት 'ፈረስት ሞዴል ማኔጅመንት' ዝዀነት ሊቺያ ጃኖሶቫ ብወገና፡ "ብጣዕሚ ጽቡቓት'የን፤ ሰሓቢ ቈርበት፡ ቍመት ኣወለን፡" ኢላ።

እንተዀነ፡ ኣፍረይቲ ፋሽን ስለ ምንታይ ደቡብ ሱዳናውያን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝያዳ ከም ዝደልዩወን ርግጸኛ ኣይኰነትን።

"እንታይ ከም ዝዀነ ክዛረብ ኣይኽእልን፤ ምኽንያቱ ካብ ሞዛምቢክ፡ ናይጀርያ ወይ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኣ ጽቡቓት ደቀንስትዮ ኣለዋ እየን፡" ኢላ።

ምስ ከም ጊቨንቲ፡ ኣርማኒ ዝመሳሰሉ ዓለምለኻዊ ዲዛይነራት ዝሰርሐት ደቡብ ሱዳናዊት ሞዴል ኣኩር ጎይ፡ ደቡብ ሱዳናውያን ሞዴላት በዚ ደረጃ ዝድለያሉ ምኽንያት ጽባቕአን ጥራይ ዘይኮነ "ጽንዓተን" እውን'ዩ ኢላ ትኣምን።

ጎይ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ እያ ተወሊዳ።

መብዛሕትአን፡ ድሕሪ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ድሕሪ 2011 ዓ.ም ዝተሰደዳ እየን።

ሓዳሽ ሃገር ምስ ኰነት፡ ዓለምለኻዊ ተስፋ ተገይሩላ ነይሩ፤ እንተዀነ ድሕሪ ክልተ ዓመት እያ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣትያ።

በዚ ደማዊ ኲናት 400 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ 2.5 ሚልዮን ድማ ናብ ዩጋንዳን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ተሰዲዶም።

እዚ ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት'ኳ ደው እንተበለ፡ ተወሳኺ ጐንጺታት፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ድኽነትን ግን ሕጂ'ዉን ብዙሓት ክስደዱ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ።

ኣብ ቀረባ ኣብ መንጐ መንግስትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝግበር ዝነበረ ውግእ ክጋደድ እንከሎ፡ እዚ ድማ እታ ሃገር ዳግም ናብ ዘይትወጽኦ ኲናት ሓድሕድ ከየእትዋ ተሰጊኡ ይርከብ።

እታ ብኲናት ዝተጸምደት ሃገራ ገዲፋ ዝተሰደደት ጎይ፡ ሞዴል ናይ ምዃን "ዓብዪ ሕልሚ" ነይሩዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብሓደ ወኪል ብፌስቡክ ተመልሚላ ሕልማ ከተሳኽዕ ክኢላ።

ናይ መጀመርታ ስርሓ፡ ንጣልያናዊ ኵባንያ ፋሽን ሮበርቶ ካቫሊ ምርኢት ፋሽን ኣርእያ።

ዋላ'ኳ ጉዕዞ ጎይ ቅልል ዝበለ እንተመሰለ፡ ገለ ደቡብ ሱዳናውያን ሞዴላት ናብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ፋሽን ንምምጻእ ዝገብርኦ ጉዕዞ በዳሂ'ዩ።

ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣ ብሪጣኒያ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብራ ክልተ ደቡብ ሱዳናውያን ናብ ኤውሮጳ ምስ ተወሰዳ፡ ምርኢት ፋሽን ንምርኣይ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ከም ዘለወን ተነጊሩወን ይብል።

ብዙሓት ድማ ናይ ሞዴሊንግ ስርሐን ምስ ወድኣ ንኤጀንሲታት ዝኸፍልኦ ብኣሽሓት ዝቑጸር ዕዳ ከም ዘለወን ተዛሪበን።

እዞም ኤጀንሲታት፡ ነተን ሞዴላት ኣብ ዝምልምልሉ እዋን ዘፈርሙወን ውዕላት፡ ካብ ሃገረን ዝወጽኣሉ በረራታትን ቪዛን ክኸፍላ ከም ዘለወን ይገልጹ።

ኣኮል ተመሳሳሊ ነገር ከም ዘጋጠማ ተዛሪባ።

ብ2019 ዓ.ም ዝምልምላ ዝነበረ ኤጀንሲ ብዙሓት ክፍሊታት ክትከፍል ሓቲቱዋ ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዩጋንዳ እንከላ ካልእ ፍሉጥ ኤጀንሲ መልሚሉዋ።

መንእሰያት ደቡብ ሱዳን ናይ ገዛእ ርእሰን ተሞኩሮታት ክውድባ ዝሕግዝ ዴንግ፡ ገለ ሞዴላት ብገንዘብ ዘይኰነስ ብኽዳን እዩ ዝኽፈለና ዝብል ጥርዓን ከም ዘቕረባ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካልኦት ድማ ስድራቤተን ንምርጫታት ሞያአን ኣብ ሕቶ ኣብ ዘእትዉሉ እዋን ብድሆታት ይገጥመን።

ኣብ ለንደን እትነብር ኣኮል፡ ስድርኣ "ኣይደገፍዎን፡ ክሳብ ሕጂ ኣይደገፍዎን" ትብል።

ዴንግ፡ ኣብ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ንገሊኡ ነገራት ዝርድኡዎ እኳ እንተዀኑ፡ ገለ ሰባት ግን ንሞዴሊንግ ምስ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ከም ዘነጻጽርዎ ሓቢሩ።

ወለዲ፡ ደቀንስትዮ ደቈም "ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ይኸዳ" ዝብል ከም ዘይርድኦም ይገልጽ።

ሓደ እዋን ሓንቲ ሞዴል፡ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ወጻኢ ሃገር ንምርኢት ክትበርር ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን፡ ስድርኣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ደው ከም ዘበልዋ ይዛረብ።

ዴንግ ነታ ሞዴል ይሕግዛ ስለ ዝነበረ ድሒሮም ስድራኣ ተቐቢሎምዎ።

ሕጂ እታ ሞዴል ንስድራኣ ከም እትድግፍን ንኣሕዋታ ከም እተምህርን ገሊጹ።

ዋላ'ኳ ዓለማዊ መልክዕ ፋሽን ዝቀያየር እንተዀነ፡ ተፈታውነት ሞዴላት ደቡብ ሱዳን ግን ፈጺሙ ከም ዘይሃስስ እተን ሞዴላት ይዛረባ።