እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ድሕሪ'ቶም ዝፈርዩ ሕሳር ክዳውንቲ ዘሎ ምስጢር
ኣብ ቻይና ከተማ ጕዋንዙ ድምጺ መኪና ሰፋይት ክዳን ምስማዕ ልሙድ እዩ። ወጊሑ ክሳብ ዝዓርብ ካብ ፋብሪካታት ዓለባ ዝወጽእ ድምጺ ኣይጠፍእን።
ማልያ፡ ስረ፡ ጐልፎ፡ ቀምሽ ይስፈዩ። እዚ ኢንዳስትሪ ናብ ልዕሊ 150 ሃገራት ዝልኣኽ ምህርቲ ዓለባ'ዩ ዘፍሪ።
ፓንዩ ኣብ ዝተባህለ ቍሸት፡ ሼን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣሎ። ኣብዚ፡ ኣብ ፋሽን ዓለም ፍሉጣት ዝዀኑ ክዳውንቲ ዘፍርዩ ፋብሪካታት ኣለው።
"ኣብ ወርሒ 31 መዓልቲታት እንተሃልዮም፡ 31 መዓልቲ እየ ዝሰርሕ" ክብል ሓደ ሰራሕተኛ ይዛረብ።
መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት፡ ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ዕረፍቲ የብሎምን።
ቢቢሲ ኣብ ዓሰርተ ፋብሪካታት ዓለባ ዑደት ገይሩ ነይሩ፤ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣመሓደርትን 20 ሰራሕተኛታት ኣዘራሪቡ።
ኣብ ዕዳጋ ዓለባን ክዳውንትን'ውን ተንቀሳቒሱ ትዕዝብቲ ወሲዱ።
ሰራሕተኛታት ሕምብርቲ እቶም ኣዝዮም ዝተራቐቝ ክዳውንቲ ፋሽን ዝዀነ ፋብሪካ፡ ኣብ ሰሙን ን75 ሰዓታት ይሰርሑ።
እዚ ተግባር ብሕጊ እታ ሃገር ዝተኸልከለ እዩ።
እንተዀነ፡ ፋብሪካታት ስራሕ ዝደልዩ ሰራሕተኛታት ብምቝጻር ንሰዓታት ከስርሑዎም ቀጺሎም ኣለው።
እዚ ሼን፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ኣይፍለጥን ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ኣዝዩ ክፉእ ነገራት ስለ ዝበዝሖ ሽሙ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ውልቀሰባት ዝውንኑዎ ኢንዳስትሪያዊ ዞን፡ ኣስታት 66 ቢልዮን ዶላር ይግመት።
ብምዝመዛ ሰራሕተኛታትን ብኣስገዳድ ብምስራሕን ተደጋጋሚ ክስታት ይቐርበሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብቲ ፋብሪካ ህጻናት ቈልዑ ከም ዝተረኽቡ እቲ ትካል ተኣሚኑ'ዩ።
"ኣብ ትካልና ኣብ ዝዀነ ደረጃ ዝሰርሕ ሰብ ብፍትሓዊ መገዲ፡ ክብሩ ተሓልዩ እዩ ዝሰርሕ" ካብ ዝብል መግለጺ ብዝሰገረ ቢቢሲ ንዘቕረቦም ሕቶታት ግን መልሲ ክህብ ኣይክኣለን።
እቲ ትካል፡ ምሕደራ ንምሕያል "ዓሰርተ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ" ከም ዘውጽእን ሓቢሮምዎ ዝሰርሑ ትካላት "ብፍትሓውነት ከም ዝሰርሑ ንምርግጋጽን ተሓታትነት ንኽህሉን" ከም ዝሰርሕ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሼን ዝፈርዩ ቀምሻት ዋጋኦም 10 ፓውንድ፡ ጐልፎ 6 ፓውንድ ዝሽየጡ ኰይኖም፡ ማእከላይ ዋጋ ዘፍርዮም ክዳውንቲ 8 ፓውንድ እዩ።
መኽሰብ እቲ ፋብሪካ፡ ኣመና ክብ ኢሉ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ውጽኢታውነቱ ልዕሊ ንኸም ኤችኤንድኤም፡ ዛራን ፕሪማክን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ኣፍረይቲ ዓለባ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።
ሼን፡ ሓሙሽተ ሽሕ ፋብሪካታት ዝርከበሉ ቍሸት ኰይኑ፡ ኣድላዪ እታወታት'ውን ካብኡ እዮም ዝርከቡ።
እቲ ዞን ኣብ ውሽጡ ዘለው ክፍልታት ድማ ብቑርጽራጽ ዓለባን ክዳውንትን መሊኦም ይርኣዩ።
ፍርቂ ለይቲ ኰይኑ'ውን ሰራሕተኛታት ካብተን ክዳን ዝሰፍያ መሽናት ኣይለዓሉን።
ጓል 49 ዓመት ሰራሕተኛ እቲ ፋብሪካ፡ "ካብ 10 ክሳብ 12 ሰዓታት ኢና ንሰርሕ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሰለስተ ናይ ዕረፍቲ ሰዓታት ይወሃበና" ትብል።
ኣብቲ ፋብሪካታት ዘለዎ ከባቢ፡ ክዳን ብትእዛዝ ተቐቢሎም'ውን ይሰርሑ።
ኣቐዲሞም ተሰሪሖም ተፈታውነት ዝረኸቡ ክዳውንቲ እንተሃልዮም፡ እቲ ፋብሪካ ብብዝሒ የፍሪ።
በቶም ዘሎ ቀወምቲ ሰራሕተኛ ዘይውዳእ እንተዀይኑ ግዝያዊ ሰራሕተኛታት ይቝጸሩ።
"ኣዝዩ ውሑድ'ዩ ዝኽፈለና፤ ናብራ ክኣ ክቡር'ዩ። ንክልተ ደቀይ ዝልእኮ እዅል ገንዘብ ክረክብ ግን ይደሊ" ትብል ሓንቲ ካብቶም ሰራሕተኛታት።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ብብዝሒ ዝሰፈዩዎ ክዳን'ዩ ዝኽፈሎም።
"ብቐሊሉ ዘይስፈ ዓለባ እንተዀይኑ፡ ክልተ ዩዋን ይኽፈለና። ኣብ ሰዓት ዓሰርተ ክሰርሕ ይኽእል" ትብል።
እዚ ክፍሊ ትሕቲ ክልተ ዶላር እዩ።
እቶም ሰራሕተኛታት፡ ክንደይ ዝኣክል ጨርቂ ቀዲድካ፡ ክንደይ ዝኣክል ምስፋይ ከም ዝክኣል የሰላስሉ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ድማ ክንደይ ከም ዝኽፈሎም ይሓስቡ።
ፓኑዩ ዝተባህለ ከባቢ፡ ውዕውዕ ዕዳጋ ይርኣዮ። ሰራሕተኛታት፡ እንቋቝሖ፡ ደርሆን ጸባን ካብዚ'ዮም ዝዕድጕ።
ካብ ንግሆ ሰዓት ክልተ ክሳብ ምሸት ሰዓት 5 ከም ዝሰርሑ ድማ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ትካል ተሓላቒ መሰላት ስዊዘርላንድ፡ 13 ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ብምዝርራብ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ዝተቐመጠ ግምት'ውን ምስዚ ዝመሳሰል'ዩ።
ኣብ ሼን ተወሳኺ ሰዓት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዙሓት እዮም።
ብዘይ ናይ ተወሳኺ ሰዓት ስራሕ ዝወሃብ ክፍሊት ካብ 2400 ዩዋን [327 ዶላር] ዝጅምር ኰይኑ፡ ትሕቲ ኣብ ኤስያ ዝተሓተ ክፍሊት ደሞዝ [ትሕቲ 6512 ዩዋን] እዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት፡ ወርሓዊ ካብ 4000 ክሳብ 10 ሽሕ ዩዋን ዝረኽቡ'ዮም።
ሰራሕተኛ ትካል ተሓላቒ መሰላት ስዊዘርላንድ፡ ዴቪድ ሃችፊልድ እዚ "ልዑል ምዝመዛ ጕልበት ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ" ይብል።
ሕጊ ሰራሕተኛታት ቻይና፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ 400 ሰዓታት ምስራሕ ኣይፍቀድን።
ሰራሕተኛታት ድማ፡ ብውሑድ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ከዕርፉ ይድንግግ።
ማእከል ፋብሪካ ሼን ኣብ ሲንጋፖር ኰይኑ መብዛሕትኦም ምህርታት ኣብ ቻይና'ዮም ዝስርሑ።
ኣመሪካ ነዚ ጕዳይ ብቐረባ ትከታተሎ ኣላ። ዶናልድ ትራምፕ ምኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ገይሩ ዝሸሞ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ ሼን "ዓብይ ሕቶ ስነ-ምግባር ኣለኒ" ኢሉ።
"ሰባት ብጊላነት ተታሒዞም ጕልበቶም ይምዝመዝ'ዩ ዘሎ፤ ሚስጢር ሼን እዚ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰራሕተኛታት ንነዊሕ ሰዓታት ከም ዝሰርሑ ምግባር ግህሰት መሰል እዩ ይብሉ።
እቶም ሰራሕተኛታት ንምሳሕን ድራርን ጥራይ'ዮም ዘዕርፉ፤ ኮፍ ዝብልሉ ቦታ ስለ ዘየለ ክኣ ኣብ መገዲ ኰይኖም ይምገቡ።
"ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብዚ ፋብሪካ ሰሪሐ'የ" ትብል ሓንቲ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ምስሓ ክትበልዕ ትጻደፍ ዝነበረት ሰራሕተኛ።
እቲ ፋብሪካ፡ ኣብ ለንደን ኣብ 'ስቶክ ማርኬት' ክሳተፍ ይጽበ ከም ዘሎ ቢቢሲ ክግንዘብ ክኢሉ ኣሎ።
እቲ ፋብሪካ፡ ካብ ግዝኣት ቻይና ዢንዢግ ጡጥ የምጽእ'ዩ ዝብል ክሲ'ውን ይቐርበሉ።
ቻይና ነዚ እንተነጸገቶ'ውን እዚ ግዝኣት እስላም ኡግሁር ብኣስገዳድ ክሰርሑ ዝግበረሉ ከም ዝዀነ ተገሊጹ።
"ኣብቲ ፋብሪካ ዘሎ መረዳእታ ወግዓዊ ክኸውን ኣለዎ። መስመር መጓዓዝያን ካልእን ኵሉ መረዳእታታት ወግዓዊ እንተዘይተገይሩ ንሼን በዳሂ ክኸውን እዩ" ይብል ክኢላ መጽናዕቲ ፋሽን ሸንግ ሉ።
ተነሓናሕቲ እቲ ፋብሪካ፡ ኣብ ቬትናምን ባንግላድሽን ይርከቡ፤ ካብ ቻይና እታወታት ብምዕዳግ ክዳን የፍርዩ።
ኣብ ቻይና ዝፈሪ ክዳን ግን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቻይና ብዘሎ እታወት እዩ ዝስራሕ።
ብቕልጡፍ ከኣ ዝተፈላለየ ቅዲ ዘለዎም ኣጭርቕቲ ምርካብ ይክኣል።
ከም ሼን ዝበሉ ፋብሪካታት ክኣ እዚ መገዲ እዮም ዝጥቀሙ።
ዓደግቲ፡ ሓደ ክዳን ብኢንተርነት ክእዝዙ ወይ ሓደ ክዳን እናርኣዩ ነዊሕ ሰዓት ከሕልፉ እንከለዉ እቲ ሓበሬታ ናብቲ ፋብሪካ ዝመሓላለፈሉ ስርዓት ተዘርጊሑ እዩ።
እቲ ፋብሪካ፡ ኣየኖት ምህርታት ብብዝሒ ክእዘዝን ክስራሕን ከም ዘለዎ ዝፈልጠሉ መገዲ ኣለዎ።
ሓደ ዋና እቲ ፋብሪካ፡ "ኣብ ውሽጢ ሼን ዘሎ ጽቡቕ ነገር፡ እቶም ዝእዘዙ ምህርታት ብዙሓት ምዃኖም'ዩ። እቲ መኽስብ ግን ድሩት'ዩ" ኢሉ።
ሰለስተ ፋብሪካታት ዘለዎ ሓላፊ፡ "ቅድሚ እዚ ፋብሪካ ብውልቂ ክዳን ሰሪሕና ንሸይጥ ነይርና። ዋጋኡ ክኣ ምውሳን ንኽእል ነይርና፤ ወጻኢ ንምንካይ መገዲታት ንእልሽ ነይርና" ኢሉ።
እቲ ፋብሪካ ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ሓደ ሚልዮን ምህርቲ ይልእኽ።
ሺፕሜትሪክስ ዝተባህለ ትካል፡ ሼን ብኢንዳስትሪ ፋሽን ፍሉጥ ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ናብ ሼን ምህርቲ ዘቕርብ ጉወፐ ኩዊንግ ኢም በዚ ይሰማማዕ።
"ክሳብ ክንደይ ከም ዝዓበየ ምርኣይ ኽኢለ'የ። ኣብ ቻይና ጽቡቕ ዝበሃል ትካል እዩ። ቀልጢፉ ስለ ዝዀነ፡ ሓዪሉ ከም ዝኸይድ ይኣምን" ኢሉ።
እቲ ፋብሪካ ክኸፍሎ ዝግባእ ገንዘብ ብሚልዮን ዝቝጸር እኳ እንተዀነ፡ ከይደንጐየ እዩ ዝኸፍል።
ትሑት ገንዘብ ከም ዝኽፈሎም ብምግላጽ ዘማርሩ ሰራሕተኛታት ብዙሓት'ኳ እንተዀኑ፡ በቲ ፋብሪካ ሕጕሳት ከም ዝዀኑ ዝገልጹ'ውን ኣለው።
ሓንቲ ሰራሕተኛ፡ "ቻይናውያን ንዓለም ከነበርክቶ እንኽእል ግደ'ዩ፤ ንነዊሕ ሰዓት ኢና ንኸፍል። ግን ከም ሓደ ስድራ ኢና"ኢላ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ለንደን ይዅን ቺካጎ፡ ሲንጋፖር ወይ ዱባይ፡ ካልኦት ሃገራት ብትሑት ዋጋ ክዳን ዝገዝኡ ሸማቶ ንምርካብ ጻዕሪ ካብ ምግባር ኣይቦዀሩን።