እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝነኣሰት ኣባል ፓርላማ፡ ንግስቲ ጽባቐን ጠበቓን
ወይዘሪት ቦትስዋና 2022ን ወይዘሪት ዓለም ኣፍሪቃ 2024ን ኰይና ዘውዲ ደፈኣ።
እታ ብሞያ ጠበቓ ዝዀነት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ትካል ግብረ ሰናይ (ፋውንደይሽን) ኣጣይሻ ትሰርሕ ነይራ።
ኣብ ሕዳር ድማ ታሪኽ ሰሪሓ፣ እታ ዝነኣሰት ኣባል ካቢነ ምኒስተራት ቦትስዋና ኰይና ተመዚዛ።
ሽዑ፡ ጓል 26 ዓመት ጥራሕ እያ ነይራ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዓይኒ እቲ ገና ናብ ስልጣን ዝቈናጠጥ ዘሎ ዕዉት ፕረዚደንት ቦትስዋና ዱማ ቦኮ ኣትያ።
ንሱ፡ ን58 ዓመታት ዘመሓደረ ሰልፊ ካብ ስልጣኑ ኣልዩ እዩ ስልጣን ዓትዒቱ ዘሎ።
ኣብ ፖለቲካ እታ ብኣልማዝ ሃብታም ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር መሬት ዘንቀጥቀጠ ለውጢ እዩ ተባሂሉ።
"ብኣካል'ኳ ብዘይፈልጠኒ ፕረዚደንት እየ ተመዚዘ"
ኣብ ሃርቫርድ ዝተምሃረ ወዲ 55 ዓመት ምሁር ሕጊ ፕረዚደነት ቦኮ፡ ንሓደ ወሳኒ ቦታ ሓጽዩዋ።
ቀንዲ ትዅረቱ ኣብ ኣልማዝ ዝተመርኰሰ ቍጠባ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንእሰያት ባዕሎም መፍትሒ ከምጽኡ ከም ዝደሊ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ሰብ ሃብቲ ክዀኑ፣ ንነብሶም ኰይኖም ንኻልኦት ክቘጽሩ " ከም ዝደለየ ገሊጹ።
ናይዚ ቍልፊ ነገር ድማ ነዚ ሕልሚ ዘፈጽም ሰብ ምርካብ እዩ ነይሩ፣ ቾምቦ ምርጭኡ ኰይና።
ንሳ፡ ቀደሙ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ዕላማታት ውፍይቲ መንእሰይ ኰይና እያ ጸኒሓ።
ነሱ ድማ ምኒስተር መንእሰያትን ጾታዊ ጉዳያትን ገበራ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ጋቦሮን ካብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ምኒስትሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "መንእሰይ ብምዃነይ ክንድዚ ሎሚ ተሓቢነ ኣይፈልጥን፡" ኢላ።
እታ ንግስቲ ጽባቐ ኣባል ባይቶ ክትከውን ሕልማ ኣይነበረን፣ ጐስጓስ'ውን ኣይገበረትን። ካብቶም ብፍሉይ ኵነታተት ዝምረጹ ኣባል ባይቶ እያ።
ዝዀነዀይኑ፡ ሓንቲ ካብተን ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኣባላት ዝርከብኦ፡ 69 ኣባላት ዘለዉዎ ሃገራዊ ባይቶ፡ ሓንቲ ኰይና ኣላ።
ቾምቦ ኣባል ባይቶ ድሕሪኡ ድማ ምኒስተር ምዃን ፈጺማ ዘይተጸበየቶ ነገር ምዃኑ ገሊጻ።
"ብኣካል'ኳ ረኺቡኒ ብዘይፈልጠ ፕረዚደንት እየ ተመዚዘ፡" ትብል።
"ምናልባት፡ ወይዘሪት ዓለም - እቲ ናይ መወዳእታ ዕጫይ ክኸውን ዝግብኣኒ ዝመስለኒ ዝነበረ ጕዕዞ ኣብዚ መድረኽ ክረአ ገይሩኒ እመስልኒ።"
ኣብ 2022 ወይዘሪት ቦትስዋና ኰይና ዘውዲ ምስ ደፍአት፡ ንማሕበራዊ ለውጢ ጐስጓስ ክትገብር ነቒላ።
ንኻልኦት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከተነቓቕሕ ትፍትን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ገጠር ንዝርከቡ ድኻታት መንእሰያትን ወለዶምን ኣብ ምድጋፍ ዘተኰረ - ክሳዕ'ዚ ግዜ'ዚ ድማ ትነጥፈሉ ዘላ፡ ብናይ ትካላት ኩባንያታትን ካልኦትን ዝምወል ፕሮጀክትታቱ፡ 'ለሰጎ ቾምቦ ፋውንደይሽን' ክትምስርት ዕድል ሂቡዋ።
"እንረአየላ፡ እንስመዐላን እንውከለላን ኰይኑ ዝስምዓና ዓለም ክህልወና ንጽዕር። ኣጋጣሚ ኰይኑ ሕመረት ናይቲ ውክልና ምዃነይ ኣዝየ ተሓጒሰ፡" ትብል።
ካብ ውድድር ጽባቐ ናብ ፖለቲካ
ሕጂ ኣብ ሕምብረቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ኰይና ኣላ።
ኣብታ ኣስታት 60 ሚእታዊት ህዝቢ ትሕቲ 35 ዓመት ዝዀነላ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ልዑል ትጽቢት ትፈልጥ እያ።
ኣብታ ሃገር ልዑል ደረጃ ስራሕ-ኣልቦነት እውን ኣሎ፤ 28 ሚኢታዊት እዩ።
እዚ ድማ ነቶም ድሩት ቍጠባዊ ዕድላት ዘለዎምን ስርዓታዊ ብልሽውና ዝቃለሱን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝያዳ ዝለዓለ እዩ።
ቾምቦ ነዚ ሓቅታት ክትቅይር ቈሪጻ ዝተልዓለት ትመስል።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቦትስዋና መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣዝዩ ልዑል'ዩ፡" ኢላ።
"ግን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ጥራሕ ኣይኰነን፤ ብሓፈሻ ዕቤት መንእሰያት ትሑት እዩ።"
'ስለዚ' ትበል ቾምቤ፡ "ድሌተይ መንእሰያት ዝዓብይሉ ኵነታት፡ ሃዋህው፡ ሕብረተሰብን ቍጠባን ምፍጣር'ዩ።"
ቾመቤ፡ ትልማ ብመንእሰያት ዝምራሕ ተበግሶታት ዝሕብሕብ፡ ንኒንተኛነት (ኢንተርፕሪነርሺፕ) ዘሐይልን ውሳነታት ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ተሳትፎ መንእሰያት ዘረጋግጽ ኵለመዳያዊ ስርዓት ንምምዕባል ከም ዝዀነ ገሊጻ።
ጉዳይ መንእሰያት ማእከላይ ዓንዲ ስርሓ ኰይኑ፡ ጾታዊ ማዕርነት እውን ኣብ ልባ ኣሎ።
ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብዛ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐትላ ሓጻር እዋን፡ ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ ህዝባዊ ቍጥዐ ተላዒሉ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNFPA)፡ ልዕሊ 67 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ቦትስዋና ግህሰት ከም ዘጋጠመን፡ እዚ ድማ ምስቲ ዓለማዊ ማእከላይ ደረጃ ልዕሊ እንክነጻጸር ልዑል እዩ።
"ቀጺለ ኣነ ክኸውን ከም ዝኽእል እንክሓስብ ዘቐንዙ ነገር እዩ፡" ክትብል ተዛሪባ።
ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ስልጣን ምጽናሓ፡ ኣብ ባይቶ ንዝቐረበ እማመ ተቓወምቲ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ንምሕላው ኣንጻር ብምድማጻ ተነቒፋ።
ኣብቲ እዋን ከምዚ ዓይነት ድንጋገታት ከም ዘሎን እቲ ዘድሊ ዝያዳ ንቕሓት ህዝቢ ምፍጣርን ሕግታት ኣብ ግብሪ ምውዓልን ምዃኑን እያ ትገልጽ።
ኣብ ጥሪ ብውሕዱ 100 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተዓመጻን ካልኦት 10 ድማ ከም ዝተቐትላን ዝሕብር ጸብጻብ ፖሊስ ወጺኡ።
ብሰንኪ እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ህዝባዊ ቍጥዐ ፈጢሩ።
ንሳ ግን፡ ንምኒስትሪታት ጥዕና፡ ትምህርትን ከባብያዊ ምምሕዳርን ዘሳትፍ ዝያዳ ኵለንተናዊ ለውጢ ትጥምት ኣላ።
"ካብ ብንእስነትና ጀሚርና ጾታዊ ምዕሩይነት ዘተባብዕ ስርዓተ ትምህርቲ ኢና ንደሊ፡" ትብል ቾምቦ።
"ንህጻናት ጾታዊ ኣመጽ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝከላኸለሉን ክንምህሮም የድሊ፡" ትብል።