ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዓመተ 2023 ተባሂሉ

ካብ ወርሒ ጥሪ 2024 ጀሚሩ ምስ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ክጻወት ፈሪሙ ዘሎ ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዓመተ 2023 ኰይኑ ተሮቊሑ።

ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝተሸለመ ቢንያም ግርማይን ሞሮካዊ ኣሽራፍ ኢድ ዶግሞን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ተሸሊሞም ኣለዉ።

ወዲ 24 ዓመት ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዓመተ 2023 ብዘመዝገቦ ብሉጽ ውጽኢት’ዩ በቲ ንመበል 12 ግዜ ብኣዳለውቲ ዙር ጋቦን [ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ እዚ ዓመት ብምዃን ተሮቊሑ ዘሎ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ 2022 ኣብ ግብጺ ሻርማ ኣል ሸኽ ዘመዝገቦ ዓወት ደጊሙ ብምዕዋት ኣከታቲሉ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸውን ክኢሉ።

ቅድሚ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ምዃኑ ኣብ ዙር ጋቦን’ውን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ካልኣይ፡ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ሳልሳይ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን መድረኽ ከኣ ራብዓይ ብምውጻእ ኣንጸባራቂ ብቕዓት ኣርእዩ’ዩ።

ካብ 19 ክሳብ 26 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ’ውን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ግረን ፕሮጀክት ባርድያኒ ፋይዛነ ብምዃን ኣብ ሳልሳይን ሻሙናይን መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ብምዃን ምስቶም ኣቐዲሞም ነቲ ውድድር ዝተዓወትሉ ኤርትራውያን ዳንኤል ተኽለሃይማኖት [እቲ ውድድር 2.2 እንከሎ ኣብ 2010] ፡ መርሃዊ ቅዱስን [2019] ናትናኤል ተስፋጽዮንን [2020 ከምኡ ከኣ 2022] ክመዓራረ ክኢሉ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ሳልሳይ ኰይኑ ሜዳልያ ነሓስ ዝተሸለመ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ 9 ክሳብ 16 ሓምለ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ዙር ኩንሃይ ሌክ’ውን ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ናይቲ ውድድር ተዓዋቲ ብጫ ማልያን ብነጥቢ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያን ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብዚ ዓመት ብሓፈሻ 73 መዓልታት ብምውድዳር 11 ሽሕን 192 ኪሎሜትር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ ንዕኡን ንሃገሩን 869 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ’ዩ።

ነዚ ዓመታዊ ብኣዳለውቲ ዙር ጋቦን ዝውሃብ ሽላመት ሎሚ ዓመት ንመበል 12 ግዜ’ዩ ዝካየድ ዘሎ ካብዚ 12 ከኣ እቲ ሸሞንተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ተዓዊተምሉ።

እዚ ሽልልማት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተወሃበሉ ናትናኤል ብርሃነ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኣብ 2014 መኽሰብ ደበሳይ፡ 2015 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ 2016 ተስፎም ዑቕባማርያም፡ 2020፡2021 ከምኡ ከኣ 2022 ቢንያም ግርማይ ተዓዊተሙሉ ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲ፡ ብኣቦ ወንበርነት ንዙር ፈረንሳ ሓሙሽተ ግዜ ዝተዓወተሉ ፈረንሳዊ በርናልድ ሀናልት ዝምርሑ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣስልጠንቲ ኣዳለውቲ ውድድር ኣፍሪቃውያንን ኣውሮጳውያንን ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም 25 ሰባት ብዝሃብዎ ድምጺ’ዩ ተሮቊሑ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ድሕሪ ዓወቱ ንኣዳለውቲ እቲ ሽልማት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃል “ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ ክርቋ ጸኒሐ’የ፤ ነዚ ንነዊሕ ዓመት ዝሓለምክዋ ሽልማት ምርካበይ ከኣ ኣዝየ ሕጉስ’የ” ኢሉ።

ሄኖክ ዓመተ 2023 ብዘመዝገቦ ዓወታት እታ ኣዝያ ቀዳዊቱ ዓመት ምንባራ ብምግላጽ ምስ ዎርልድ ቱር ትስራዕ ጋንታ ኣስታና ብምጽንባሩ ከኣ ዝያዳ ድምቐት ከም ዘለዎ’ውን ገሊጹ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣርባዕተ ኤርትራውያን’ዮም ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ተሮቊሖም።

ሄኖክ ቀዳማይ፤ ቢንያም ካልኣይ፤ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ሓሙሻይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ከኣ ታሽዓይ ደረጃታት ሒዞም።

ቅድሚ ዝበለጹ ኣፍረቃውያን ተቐዳደምቲ ተባሂሎም ዝተረቑሑ

  • 2012 : ናትናኤል ብርሃን [ኤርትራ]
  • 2013 : ለዊስ መንትጀስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]
  • 2014 : መኽሰብ ደበሳይ [ኤርትራ]
  • 2015 : ዳንኤል ተኽለሃይማኖት [ኤርትራ]
  • 2016 : ተስፎም ዑቕባማርያም [ኤርትራ]
  • 2017 : ለዊስ መንትጀስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]
  • 2018 : ጆሴፍ ኣረሩያ [ርዋንዳ]
  • 2019 : ዳርልይ ኢምፐይ [ደቡብ ኣፍሪቃ]
  • 2020 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
  • 2021 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
  • 2022 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
  • 2023 : ሄኖክ ሙሉብርሃን [ኤርትራ]