እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዙር ርዋንዳ 2024 ክሳተፋ’የን
ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ኣብቲ ካብ 18 ክሳብ 25 ለካቲት 2024 ንመበል 16 ግዜ ዝካየድ ዙር ርዋንዳ ሃገራውያን ጋንታታት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳተፋ ምዃነን ኣፍሊጡ።
እቲ ፈደረሽን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ስም ተሳተፍቲ ዙር ርዋንዳ 2024 ብሓፈሻ 20 ጋንታታት ከምዝሳተፋ ብምሕባር ዝርዝር ናይተን 16 ኣፍሊጡ ኣሎ።
እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ከኣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ከፍልጥ ምዃኑ ገሊጹ።
2.1 መዐቐኒ ዘለዎን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ብውዳብኡ ኣብ ቀዳማይ ብደረጅኡ ከኣ ምስ ዙር ጋቦን [ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ] ማዕረ ዝስራዕ ዙር ርዋንዳ ብዙሓት ጋንታታት ክሳተፍኦ ዝብህግኦ ውድድር’ዩ።
ዙር ርዋንዳ ካብ 2.2 ናብ 2.1 ኣብ 2019 ክብ ምስ በለ ኣብ ዝተካየደ ሓሙሽተ ውድድራት ነቲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ተዓወትቲ ብጫ ማልያ ብምዃን ተዓዊተሙሉ።
ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ 2020 ከምኡ ከኣ 2021 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2023 ከኣ ሄኖክ ሙሉብርሃን።
ኣብ 2021 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ እቲ እንኮ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኣውሮጳዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።
ዙር ርዋንዳ ኣብ ደረጃ 2.2 ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2010 ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
እተን ክሳብ ሐጂ ኣብዚ ውድድር ከምዝሳተፋ ኣረጋጊጸን ዘለዋ ጋንታታት ኣብ ፕሮ ዩሲኣይ ቲም ዝስራዓ ኢስራኤል ፕሪሜር ቴክ [እስራኤል] ቶታል ኢነርጂ [ፈረንሳ] ከምኡ ከኣ ኢሎ ኮሜታ [ኢጣልያ] እየን።
ኣብ ኮንቲነታል ዝስርዓ ጋንታታትተ ከኣ ኵክ ስቴፕ፡ ኣስታና ካዛኪስታን፡ ሎቲ ዲስትኒ ዲቬሎፕመንትን፡ ግሩፕማ ኤፍዲጀይን ባይክ ኣየንድን።
ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ፡ ኣልጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮን ኢጣልያን ክኾና እንከለዋ ሓንቲ ኣብ ዩሲኣይ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት ጋንታ’ውን ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ’ያ።
ተሰሪዖም ዘለዉ መድረኻት
ዙር ርዋንዳ 2024 ብዝሒ ዝሽፍኖ ኪሎሜተራት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ሓጺሩ’ኳ እንተሃለወ [ብሓፈሻ 740 ኪሎሜተር] እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበታት ዝበዝሖ ኮይኑ’ዩ ተሰሪዑ ዘሎ።
ብዘይካ’ዚ ናይ ውልቒ ናይ ግዜ ውድድር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ’ኳ ኣይካየድ እንተነበረ [ብዘይካ ዓሚ] ሎሚ ዓመት ግን ኣብ መበል ሓሙሻይ መድረኽ’ዩ ተሰሪዑ ዘሎ።
ካልእ ኣብዚ ዝምጽእ ውድድር ተኣታትዩ ዘሎ ከኣ ናይ ጋንታ ናይ ውልቂ ውድድር’ዩ።
- ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 18 ኪሎሜተር ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር
- ካልኣይ መድረኽ፡ ካብ ሙሆጋ ናብ ኪበሆ 130 ኪሎሜተር
- ሳልሳይ መድረኽ፡ ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ 141 ኪሎሜተር
- ራብዓይ መድረኽ፡ ካብ ካሮንጊ ናብ ሩባቩ 92 ኪሎሜተር
- ሓሙሻይ መድረኽ፡ ካብ ሙሳንዘ ኪንጊ 13 ኪሎሜተር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
- ሳዱሻይ መድረኽ፡ ካብ ሙሳንዘ ናብ ማውንት ኪጋሊ 93 ኪሎሜተር
- ሻውዓይ መድረኽ፡ ካብ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 163 ኪሎሜተር
- ሻሙናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 90 ኪሎሜተር