እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ‘ኲናት ቓዛ ይኣክል’
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕን ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ሓራ ክወጹን ጸዊዖም።
እቶም ጳጳስ፡ ኣብ መዓልቲ ልደት ኣብ ዘስምዕዎ ስሩዕ መልእኽቲ፡ እቲ "ሕሱም ሰብኣዊ ኵነታት" ንምፍታሕ ንቓዛ ዝያዳ ሓገዝ ክግበር'ውን ተማሕጺኖም።
ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ዕጡቓት ሓማስ ናብ እስራኤል ሰጊሮም ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሎም፡ ካልኦት ኣስታት 240 ድማ ጅሆ ሒዞም።
ዛጊት ልዕሊ 20 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብደብዳብ ሕነ-ምፍዳይ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ሓማስ ሓቢሩ።
እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ነቶም ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ኣሽሓት ኣመንቲ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብማዕረ ኰኒኖም።
"ሓዘን ግዳያት ናይቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ኣብ ልበይ ኣሎ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሓራ ንኽወጹ ህጹጽ ጻውዒተይ ደጊመ እገልጽ።"
"እቲ ወተሃደራዊ ወፍርታት፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሲቪላውያን ዘውርዶ ዘሎ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ከብቅዕ ድማ እምሕጸን፤ ነቲ ተስፋ ዘቝርጽ ሰብኣዊ ኵነታት ንምፍታሕ ድማ፡ መገዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምኽፋት ክፍታሕ እጽውዕ" ኢሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ግጭታት ኣመልኪቶም’ውን ተዛሪቦም።
እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ምስ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዩክረይን፡ ‘ሰላም ክወርድ’ እውን ጸዊዖም።
ብተወሳኺ ኣብተን ብናይ ዓመታት ኲናትን ዕግርግርን ዝተናወጻ ሃገራት ሶርያ፡ ሊባኖስን የመንን "ፖለቲካውን ማሕበራውን ምርግጋእ ክረጋገጽ" ከምዝጸለዩ ገሊጾም።
ጳጳስ ፍራኒስስ፡ ንኣርመንያን ኣዘርባጃንን ከምኡ'ውን ካልኦት ኣብ ሽግር ዝርከባ ሃገራትን፡ ንገለ ክፋል ኣፍሪቃን ሰሜንን ደቡብን ኮርያን ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽባ ትምኒቶም ገሊጾም።
ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሚልዮናት ስደተኛታት ኣመልኪቶም'ውን፡ ነቶም "ብተስፋ ምቝራጽን ተስፋ ንምድላይን ኣብ ዝተኻየዱ ጕዕዞታት" ዝተቐትሉ ሰባት ከምዚ ክብሉ ዘኪሮም፤ "ንኣሽቱ እየሱሳት ሎሚ" ኢሎምዎም።