ንመጽናዕቲ ብዝብል ንዓመታት ተፈላልዮም ዝዓበዩ ማናቱ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ

ካቲ ሴክለር፡ ንህይወታ ምሉእ ብምሉእ ዝቐየረ ዘይተጸበየቶ ርኽበት ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ጓል 16 ዓመት እያ ነይራ። ፍላይ ማንታ ሓፍቲ ነይራታ።

4 መስከረም 1977 ከምዝነበረ ትዝክር። ሓንቲ መሓዝኣ፡ ንሓንቲ ሎሪ ፕሪትዝል እትበሃል እትፈልጣ ጓል ከም እትመስል ነጊራታ።

ዕለተ ልደት ሰክለርን ሎሪን ብሓደ መዓልቲ ኮይኑ መልክዐን ድማ ኣዝዩ ተመሳሳሊ ኔሩ።

ሰክለር ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ምስ ዘይስድርኣ ከምዝዓበየት ትፈልጥ ኔራ እያ። ድሕሪኡ ግን ፕሪትዝል'ውን ካብ ተመሳሳሊ ትካል ተወሲዳ ምስ ካልእ ስድራ ከምዝዓበየት ፈለጠት።

እተን ኣዋልድ ብኡንብኡ ተደዋዊለን። ጥርጣረ መሓዛአን ሓቂ ክኸውንን ማናቱ ክኾና ከምዝኽእላን ተረዲአን።

ሴክለር ንመጀመርታ ግዜ ምስ ማንታ ሓፍታ ምስ ተራኸበት ከምዝነብዐት ትዝክር።

"ሎሪ ኣብ ገጻ ዓቢ ፍሽኽታ እናተርኣየ ጽርግያ ክትሰግር ርእየያ..." ትብል።

"ድሕሪኡ ተሓቛቚፍና። ንጽልቲ ከምዘይኮንኩ ተሰሚዑኒ። ምስ ዘይወለዱኒ ስድራ ብምዕባየይ፡ ኩሉ ግዜ ዝተፈለኹ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ" ብምባል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ትዝክር።

ክልቲአን ኣትከኽቲ ሽጋራ እየን። ከም ሳዕስዒትን ስእልን ዝኣመሰሉ ተመሳሳሊ ስነ-ጥበባዊ ዝንባለታት ኣለወን። ክልቲን ድማ ሙዚቃ ይፈትዋ።

ሎሪ፡ "ልዕሊ ክውንነት እዩ ነይሩ። ኣብ መስትያት ንነብሰይ ዝጥምታ ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል።

እተን ኣዋልድ ኣስታት 24 ኪ.ሜ ተረሓሒቐን እየን ዝነብራ ናይ ሓባር መሓዙትን ከኣ ኣላወን። ወለዲ ክልቲአን ብዛዕባ እታ ካልእ ማንታ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ይፈልጡ እኳ እንተነበሩ፡ ብምስጢር ክሕዙ ግን ተነጊርዎም ነይሩ።

ሴክለርን ሎሪን ኣካል ሓደ ኣካታዒ መጽናዕቲ እየን። ኣብ 1960ታት፡ ኣብ ኒውዮርክ ሓደ ሽዑ ጽቡቕ ተፈላጥነት ዝነበሮ 'ሉዊስ ዋይዝ ሰርቪስስ' ዝበሃል ወለዶም ዝሰኣኑ ቆልዑ ምስ ካልእ ስድራ ዘራኽብ ትካል፡ ኮነ ኢሉ፡ ብውሑዱ፡ 10 ማናቱ ወይ ስሉሳት ዕሸላት ተፈላልዮም ክዓብዩ ንዝተፈላለዩ ስድራቤታት ሂብዎም።

እቲ ትካል ምስ ሓደ ጉጅለ ሓካይም ስነ-ኣእምሮን ስነ-ኣእምሮኣውያንን ብምሽራኽ፡ መን ምዃንና ዝገብረና እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ ኣብ ዝግበር ፈተነ ተሳቲፉ ነይሩ። መንነትና ብባህሪና፣ ከምኡ’ውን ብኣተዓባብያና ክንደይ ከምዝጽሎ ክፈልጡ እዩ ድልየቶም።

ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ዝምልከት ሰነዳዊ ፊልም ቢቢሲ ንምድላው፡ እቶም ማንታ ንምንታይ ሎሚ’ውን ብዛዕባ’ዚ ብዘይፍላጦም ኣብ ልዕሊኦም ዝተገበረ ፈተነ መልሲ ይደልዩ ከምዘለው ንምፍላጥ፡ ንሕደ ማናቱን ሕውነታዊ ማናቱን ዝኾኑ ተሳተፍቲን ሓደ ካብቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ተመራመርቲን ኣዘራሪበ።

"ኣሽንኳይዶ ማንታ፡ ብሓቂ ኣሓት ከይንኸውን'ዮም ከልኪሎምና። እቲ ዝገበርዎ በቃ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ ኢለ ይሓስብ" ክትብል ሴክለር ነቲ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ነጊራትኒ።

"ምስ ዘይወለድኻ ምዕባይ ንባዕሉ በዳሂ እዩ ነይሩ...” ትብል።

(ብዛዕባ ዛንታ ካቲ ሴክለርን ሎሪ ፕሪትዝልን ዝያዳ ንምፍላጥ "ስፕሊት ኣት በርዝ’ ዝብል ተኸታታሊ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ቢቢሲ ሪል ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።)

ኣብ 1960ታት ኣብ ትካል 'ሉዊስ ዋይዝ ሰርቪስስ' ዝነበረ ናብ ካልእ ስድራ ዝተሰጋገረ ህጻን፡ “ምናልባት ማንታ ኣለኒ ኢሉ ክሓስብ ምሉእ መሰል ኣለዎ" ትብል ክኢላ ጀነቲክስን ደራሲት ‘ደሊበሬትሊ ዲቫይድድ’ ትብል መጽሓፍን ናንሲ ሴጋል።

ናንሲ፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ማናቱ ህጻናት ዝተሳተፉ ሰባት፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ መስርሕ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ክትረኽቦ እትኽእል ዝኾነ ሰብን ክትከታተል ሓያሎ ዓመታት ኣሕሊፋ እያ።

ዛንታ ናይተን መናቱ ከምኡ’ውን ኮነ ኢልካ ከም ዝፈላለዩ ዝተገብሩ ብሓንሳእ ዝተወልዱ ሰለስተ ህጻናትን፡ ንመጀመርታ ግዜ ብግልጺ ዝተፈልጠ ኣብ 1980 ሰለስተ መንእሰያት፡ ኣብ 19 ዓመት ዕድሚኦም ብሓንሳእ ዝተወልዱ ስሉሳት ምዃኖም ብኣጋጣሚ ምስ ፈለጡ እዩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካልኦት’ውን ከም ዘለዉ ንጹር ኰነ።

ዛንታታት ማናቱ ንነዊሕ እዋን ንሓሳብ ደቂ ሰባት ዝማረኹ እዮም። ሰባት፡ ማንታ ኣብ ጽርግያ ደው ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣለዎም ዝበሃል ፍሉይ ምትእስሳር ብቐጻሊ ይሓቱ እዮም።

ማናቱ፡ ንተመራመርቲ ኣብ መንጎ ጀነቲክስን እንነብረሉ ከባቢታትን ዘሎ ዝተሓላለኸ ምትእስሳር ፍሉይ ርድኢት ይህቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ተፈላልዮም ዝዓብዩ ሕደ ማናቱ ከባቢኦም ዘይኮነስ ጂኖም ጥራይ እዮም ዝካፈሉ። ስለዚ ዝኾነ ዝተረኽበ ናይ ሓባር ነገራት ብዓቢኡ ምስ ጂኖም ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዋላ እኳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መንጎ ተፈጥሮን ኣተዓባብያን ዘሎ ርክብ ካብዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኮይኑ እንተተረኸበ።

ንኣብነት ከም ኣስተውዕሎ፡ ቁመትን ክብደትን ዝኣመሰሉ ባህርያት ኩሎም ኣገደስቲ ጀነቲካዊ ጽልዋታት ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ርኽበታት ካብቲ ንድሕሪት ተመሊሱ ንዓመታት ዝተኣከበ መረዳእታ ተፈላልዮም ዝዓበዩ ማናቱ ዝመጹ እዮም።

"ካብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ብዙሓት ባህርያት ጀነቲካዊ ባእታ ከምዘለዎም'ዩ" ትብል ናንሲ። "ጀነቲክስ ኩሉ ኣይኮነን፡ ግን ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ስለምንታይ ከም ዝፈላለ ዓቢ ነገር እዩ ዝገልጽ።"

ሳሕቲ እኳ እንተተራእየ፡ እቶም ተፈላልዮም ዝዓበዩ ሕደ ማናቱ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ዓመታት ጥራይ እዮም ነዚ ዝረኽብዎ። ስለዚ ዝኾነ ርድኢት ንድሕሪት ተመሊስና እዩ ዝረክብ። ሳሕቲ ብምዃኖም፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ከጽንዕዎም ዝኽእሉ ውሱናት ማናቱ ጥራይ እዮም ዝህልዉ።

እቶም ምስ ትካል 'ሉዊስ ዋይዝ ሰርቪስስ' ዝሰርሑ ተመራመርቲ፡ ካብ ልደቶም ጀሚሮም ምዕባለ ሕደ ማናቱን ስሉሳትን ከጽንዑ ከም ዝኽእሉ ተገንዚቦም። ኣማኻሪት ስነ-ኣእምሮ ናይቲ ትካል ቪዮላ በርናርድ፡ ተፈላልዮም ምዕባዮም ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ንኸማዕብሉ ክሕግዞም እዩ ብዝብል ምፍልላዮም ምኽኑይ ከምዝኾነ ትገልጽ።

እቶም ማናቱ፡ ኣብ ከም ዕድመ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት፡ ትምህርቲ፡ ሃይማኖቶም ዝኣመሰሉ ሓያሎ ወሰንቲ ረቛሒታት ተመርኲሶም፡ ብጥንቃቐ ንዝተመርጹ ስድራቤታት ተዋሂቦም።

እቶም ወለዲ፡ ኣብ መጽናዕቲ ምዕባለ ህጻናት ይሳተፉ ከምዘለዉ ጥራይ እዮም ተሓቢሮም።

እቶም ማናቱ ምስ ብልሕን ስብእናን ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ባህርያት ብምርኣይ ብዙሕ መርመራታት ተገይሩሎም። ብተወሳኺ ብፊልም ተቐሪጾም እዮም።

እቲ ፈተነ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ጸገማት ነይርዎ። ንሓጺር እዋን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ሎረንስ ፐርልማን፡ ነቶም ማናቱ እናኸደ ይምርምሮምን ይስእሎምን ነይሩ። እቶም ተፈላልዮም ዝዓበዩ ማናቱ ክሳብ ክንደይ ከም ዝመሳሰሉ ክርእይ ከሎ ከም ዝገረሞ ይዝክር።

"ኣካላዊ መልክዕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምሉእ ስብእነቶም። እቲ ጀነቲካዊ ጽልዋታት ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ኣዝዩ ንጹር እዩ ነይሩ" ይብል። ንኣብነት ክልተ ሕደ-ማናቱ ኣዋልድ ክልቲአን ኬቻፕ ይፈትዋ ነይረን።

እቲ መጽናዕቲ ነዊሕ ​​ከይጸንሐ ጸገማት ኣጋጢምዎ። ምወላ ወዲኡ፡ ኣብ 1970ታት ብዛዕባ ብሓበሬታ ዝተሰነየ ፍቓድ ዝምልከት ስነ-ምግባራዊ ስክፍታታት ነይሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ፕሮፌሰርን ክኢላ ሕክምናዊ ስነ-ምግባርን ኣርተር ካፕላን፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ሳይንሳዊ ምርምር ዝፍጸም ጥሕሰት ስነ-ምግባር ኣዝዩ ልሙድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝተኻየደ ይገልጽ።

"ብሓቂ ከም ምዝንባዕ ሓዳር ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጉድኣት ከተስዕብ ትኽእል" ይብል።

ብመንጽር ሳይንስ፡ እቲ መጽናዕቲ ንባዕሉ ብመሰረቱ ጉድለት ነይርዎ። ፐርልማን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ህጻናት ዝኣከብዎ መረዳእታ "ግዕዙይ" ከምዝነበረን፡ እቲ መጽናዕቲ ብጽቡቕ ከምዘይተወደበን ይዛረብ። ከምኡ’ውን ርኽበቱ ዝኾነ ሳይንሳዊ ጽሑፍ ኣይተሓትመን።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ 2004፡ ናንሲን ፐርልማንን ምስቲ ወዲ 91 ዓመት ኖይባወር ተራኺቦም። ሽዑ እውን እንተኾነ ኖይባወር ዝኾነ ጣዕሳ ኣይገለጸን።

ፐርልማን፡ "ዝኾነ ጌጋ ከምዝፈጸመ ሓላፍነት ዝቕበል ኣይነበረን። ብስም ሳይንሳዊ መጽናዕቲ፡ ነቲ ዝኣከብዎ ሓበሬታ ንዘይጥቀሙሉ ነገር ነዞም ስድራቤታት መዝሚዞምዎም" ይብል።

እዚ ዅሉ ንኸንቱ ድዩ ነይሩ? እቲ ዝተኣከበ መረዳእታ እንታይ ኣጋጢምዎ? እቶም ካልኦት ብዘይፍላጥ ዝተሳተፉ፡ ንምንታይ እዮም ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣብቲ ሕማቕ ዕድል ዘጋጠሞ መጽናዕቲ ዝነበሮም ተሳትፎ ሓቀኛ መልሲ ዝደልዩ ዘለዉ?

ኣብ ሓደ እዋን ጽቡቕ ተቐባልነት ዝነበሮ ትካል ሉዊስ ዋይዝ ሰርቪስስ፡ ኣብ 2004 ተዓጽዩ። መዛግብቲ ስርሑን ምርምርን ናብ ካልእ ስፐንስ-ቻፒን ዝበሃል ትካል ተመሓላሊፉ።

ምቁጽጻር ናይቲ ምስቲ መጽናዕቲ ዝተኣሳሰር መዛግብቲ ግን ናይ ዘ ጂዊሽ ቦርድ ኦፈ ፋሚሊ ኤንድ ቺልድረንስ ሰርቪስስ እዩ። እቲ ቦርድ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ መጽናዕቲ ኖይባወር ዝኾነ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ብትሪ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቲ ቦርድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ብሰንኪ ሕግታት ምስጢራዊነት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞም መዛግብቲ መጽናዕቲ ዝርከብ ሓበሬታ ኣዝዩ ብሕታውን ውልቃውን ባህሪ ስለዘለዎ፡ ነቲ መዛግብቲ ምርካብ ድሩት እዩ" ኢሉ። ንሳቶም ወሲኾም፡ ኩሎም እቶም ብህይወት ዘለዉ ተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ፡ ሕጂ ብዛዕባ ተሳትፎኦም ክፈልጡ ከምዝተገበሩ ሓቢሮም።

ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኣከበ መረዳእታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ የል ተዓጽዩ እዩ፡ ክሳብ 2065 ድማ ክኽፈት ኣይክእልን እዩ። ኖይባውር ነዚ ዝገበረ ነቶም ማናቱ ንምክልኻል ከምዝኾነ ይገልጽ።

"ንሓንቲ ደቒቕ'ውን ኣይኣምንን። ንነብሶም ንምክልኻል ዝተገብረ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ትብል ናንሲ።

ካፕላን፡ "እቲ እንኮ ክኸውን ዝኽእል መግለጺ ሕፍረት ጥራይ እዩ ዝመስለኒ" ብምባል ክዕጾ ዝተገብረሉ ምኽንያት ዘይብቕዓቶም ንምሕባእ እዩ ኢሉ ከምዝሓስብ ይገልጽ።

ግን ዋላ’ውን እቲ መረዳእታ ብዝኾነ ትርጉም ዘለዎ መገዲ እንተሃለወ፡ ብሰንኪ ስነ-ምግባራዊ ስክፍታታትን ጉድለት ዘለዎ ባህሪ ናይቲ መጽናዕትን፡ ንሓዋሩ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ ድዩ የብሉን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ እዩ። ንኣብነት ናንሲ ክግበር ዘይነበሮ መጽናዕቲ ምዃኑ ተጉልሕ።

ስድራቤታት፡ ሕቶታቶም መልሲ ኣይረኸቡን። ተሓታቲ ክኾን ዝተገብረ ሰብ የለን።

ንሴክለር ድማ፡ ታሪኻ ምንጋራ፡ ነቲ ዘሕምም ርኽበታ ብቐሊሉ ክትጻወሮ ከም ዘኽእላ ተስፋ ትገብር። ክሳብ ቀረባ እዋን ሰባት ማንታ ምዃና ምስ ፈለጡ፡ "ብሓባር ምዕባይ ኣዝዩ ደስ ዝብል እዩ፡ ሓደ ዓይነት ክዳን ትለብሳ ነይርክን’ዶ...?" ኢሎም ይሓትዋ’ዮም።

ሴክለር፡ "ሓሲየ፡ እወ ዝተፈላለየ ኣከዳድና ንኽደን ነይርና ... ይብል ከቢድ'ዩ" ትብል።

"ስለዚ ኣነ ብገለ መልክዑ ሕጉስቲ እየ፡ ሰባት ነዚ ርእዮም እቲ ዛንታ ክፍለጥ ከምዝገብሩ ተስፋ ይገብር።"

እቲ መጽናዕቲ፡ ጂናትን ከባብን ኣብ መንነት ዘለዎም ተራ ንምፍታሕ ዝጸዓረ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ህይወቶምን ኣብ ህይወት ስድራታቶምን ጸገም ኣስዒቡ'ዩ። ምስጢራዊ ሕደ ኣሕዋቶም ምርካቦም ንህይወቶም ንሓዋሩ ቀይርዎ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ስሉሳት ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ። ናይ ስጋ ኣዲኦም'ውን ናይ ኣእምሮ ሕማም ታሪኽ ከም ዝነበራ ይእመን።

ካልኦት ድማ ኣብቲ ፈተነ ብምስታፎም ሕርቃን፡ ሓዘንን ጣዕሳን ኣጋጢምዎም እዩ። ንገሊኦም ድማ ምስቶም ዘዕብይዎም ወለዶም፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ምስ ማንታኦም ዝነበሮም ርክብ ጸልይዎ እዩ።

ሰክለር ወሲኻ፡ "ብሓባር ኣይዓበናን ክሳብ ሎሚ'ውን እንተኾነ እዚ ኣዝዩ ከቢድ ክፋል ዝምድናና ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።"

ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ዘልዓሎ ዓሚቝ ሕቶ ክሓቱ ኣገዲድዎም ኣሎ፡ ባህርያቶም ብሰንኪ እቶም ዝፈላለይዎም ሰባት ክሳብ ክንደይ ተጸልዩ ይኸውን?