'ሕዚ'ውን ኦባሳንጆ መስርሕ ሰላም ክመርሑ ድልየትና ኣይኮነን'- ሰብመዚ ትግራይ

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝነበረ ምቁራጽ ተጻብኦ ፈሪሱ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ክልተ ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለዉ፡፡

ንነዊሕ እዋን ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝምራሕ ዘተ ሰላም እምነት ከምዘይብሎም ክገልጹ ዝጸንሑ ሰብ መዚ ትግራይ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዓመት ግእዝን ቅዱስ ዮሃንስን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ተኹሲ ደው ንምባል፣ ብመሪሕነት እቲ ውድብ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ንምስታፍ ድሉዋት ከምዝኾኑ ብምሕባር መሪሕ ወኪላቶም ዕላዊ ገይሮም፡፡

እቲ ስጉምቲ ብሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ናእዳ ዝረኸበ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ‘ጥራሕ’ ክምራሕን ካልኦት ኣካላት ካብ ተዓዛብነት ዝዘለለ ተራ ከይህልዎምን ከምዝደሊ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ፡፡

ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ ኣብ ቅዋም ሕብረት ኣፍሪቃን ኣደራዳሪ ገይሩ ዝመረጾ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆን እምበር ምስቲ ትካል ተቓውሞ ከምዘይብሎም እዩ ዝገልጽ፡፡

‘‘እተን እነልዕለን ዝነበርና ነጥቢታት ንጹራት እየን ነይረን፡፡ ሓደ ኣፍሪቃ ሕብረት ከም ትካል ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ግጉይ ዝኾነ ርድኢት እዩ ዘለዎ፣ ኣረኣእይኡ የስተኻኽል፡፡ ካልኣይ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ እቲ ዝድለ ውጽኢት ኣየምጽኡን ዘለዉ፣ ስለዚ ነቲ ጉዳይ ብልክዕ ክሕዝ ዝኽእል ሰብ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ’’ ይብል፡፡

ብዛዕባ'ቲ ኦባሳንጆ ሒዝዎ'ሎ ዝበሎ "ግጉይ ርድኢት" ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

እቲ ልዝብ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ክምራሕ ክጠልቡ ዝጸንሑ ሰብ መዚ ትግራይ፡ ሐዚ እውን ነቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውጋን ዝኸሱዎ ኦባሳንጆ ከምዘይቅበልዎ ኣቶ ዮሃንስ ይዛረብ፡፡

‘‘ሕዚ እውን ነበር ፕረዚደንት ናይጄርያ [ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ] ነቲ መስርሕ ክመርሑ ናትና ድልየት ኣይኮነን፡፡’’

ኮይኑ ግና ሕብረት ኣፍሪቃ ንመግለጺ ሰብመዚ ትግራይ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ዝተበየነ ውድብ ሕወሓት ዝመርሖ ምምሕዳር ‘ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ’ ኢሉ ምጽዋዕ ምጅማሩ ዓብዪ ለውጢ ከምዝኾነ እቲ ወኪል ይጠቅስ፡፡

ሰብመዚ ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩዎም ቅድመ ኩነታት ገዲፎም ድዮም?

ሰብመዚ ትግራይ ነቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎም ፍልልይ ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ዝፍተሐሉ ዘተ ሰላም ንምእታው፡ ኣብቲ ክልል ተቋሪጾም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱን ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹን ክጽውዑ ምጽነሖም ዝዝከር እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ዘተ ሰላም ክጅመር ከምዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝውክልዎ ሰባት ዕላዊ ካብ ዝገብር ጸኒሑ'ሎ፡፡

ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ትማሊ ጻንሒት ዝገበረ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነታት ናብ ድርድር ንምእታው ዲኹም ተጻብኦ ደው ንምባልን ዘተ ሰላም ንምክያድን ድልየት ከምዘለኩም ገሊጽኩም ዘለኹም ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ነዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ፡

‘‘ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረ ጽዮን ናብ ናይዚ ወርሒ ናይ ባይቶ ጸጥታ ፕረዚደንት ናብ ዝኾነት ፈረንሳይ ኣምባሳደር ዝለኣኾ ደብዳበ ኣሎ፡፡ ትግራይ ክማላኣ እትደልየን ኣብታ ደብዳበ ተዘርዚረን ኣለዋ፡፡ ዘይተዓናቐፈ ቀረብ ሓገዝ፣ ዕጽዋ ክለዓል ኣለዎ፣ ትግራይ ሒዞም ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክወጹን ኩነታ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሩዎ ክምለሱ ዝብልን መርገጺ ኣሎ፡፡ ምስ ተኹሲ ደው ምባል እውን ዝተኣሳሰር ኣይኮነን’’።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ተወከልቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጁቡቲ ዝርርብ ከምዝተኻየደ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ቀንዮም እዮም፡፡

ወኪል ትግራይ ኣብ ኣመሪካ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኽልቲኦም ወገናት ናይ ምቅርራብ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ዝገለጸ ኮይኑ ኣበይ ንዝብል ግን ከረጋግጽ ከምዘይክእል ሓቢሩ፡፡

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ መራሕቲ ትግራይ ንቕልጡፍ ምቁራጽ ተጻብኦን ሰላማዊ ፍታሕን ድልዋት ምዃኖም ንዘውጽእዎ መግለጺ ከም ዝቕበል ብምሕባር፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ሰላም ንምስታፍ ንዘርኣይዎ ድልውነት ንኢዱ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣብ ዝዀነ እዋን” ድልው ከምዝዀነ ብምግላጹን፡ ህወሓት እውን እቲ ኲናት ብሰላም ክዛዘምን ጉዳያት ብዘተ ንምፍታሕን ብምግላጹን፡ ብቕልጡፍ ናብ መስርሕ ሰላም ምእታው ከምዘተባብዕ ገሊጹ።