እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀብሪ ወዳ ብሚስጥር ንኽካየድ ክትሰማማዕ ናይ 3 ሰዓታት ዕድል ዝተውሃባ ኣደ
ኣደ ናይቲ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ዝሞተን ንፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥን ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ስነ ስርዓት ቀብሩ “ሚስጢራዊ” ኮይኑ ክካየድ ንኽተሰማማዕ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ግዜ ገደብ ከምዝተውሃባ ወሃቢት ቃል ሚስተር ናቫልኒ ገሊጻ።
እንተዘይኮይኑ ግን ኣብቲ ቅድሚ ሰሙን ዝሞተሉ ኣርክቲክ ሰርክል ክቕበር ምዃኑ ተነጊርዋ።
ወላዲት ናቫልኒ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ከምዝሞተ ኣብ ዝገልጽ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ክትፍርም ከምዝተገደደት ገሊጻ።
በዓልቲ ቤት ሚስተር ናቫልኒ፡ ዩልያ ግን ብትእዛዝ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከምዝተቐትለ ገሊጻ።
መንግስቲ ሩስያ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ሞት ዝሃብዎ ግብረ መልሲ “ጽላለ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣሌክሲ ናቫልኒ ብ16 ለካቲት ዝዓረፈ ኮይኑ ሰበስልጣን ቤት ማእሰርቲ፡ ብሰለይታ እንዳተጉዓዘ እንከሎ ከም ዝሓመመ ገሊጾም።
ጉጅለ ናቫልኒ፡ ብዛዕባ ሞት መራሒ ተቓዋሚ ሩስያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ንመኮንናት ጸጥታ 20 ሽሕ ዩሮ ሽልማትን ካብ ሩስያ ንኽወጹ ሓገዝን ሓሳብ ኣቕሪቡሎም።
ወሃቢት ቃል ሚስተር ናቫልኒ፡ ኣደ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ልዩድሚላ፡ "ወዳ ብኸመይን ኣበይን ክቕበር ከም ዘለዎ ንምውሳን ስልጣን ስለዘይብሎም" ምስቶም ሰበስልጣን ምዝርራብ ኣብያ ምህላዋ ገሊጻ።
ንሳ ነቲ ሕጊ ክኽበር ትሓትት ኣላ፡ ብመሰረት እዚ ድማ መርመርቲ ጠንቂ ሞት ካብ ዘረጋገጹሉ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ነቲ ሬሳ ከረክቡ ግዴታ ኣለዎም" ትብል ኪራ ያርሚሽ።
እዘን ክልተ መዓልታት ጽባሕ ሰንበት ክውድኣ እየን።
ትማሊ ሓሙስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ በዓልቲ ቤት ሚስተር ናቫልኒን ጓሉን ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ተራኺቡ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ’ቲ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝገበሮ ዘይተለምደ ትብዓትን ኣንጻር ብልሽውና ንምቅላስን ንናጻን ዲሞክራስያዊትን ሩስያ ዝፈጸሞ ሕድሪ ኣድናቖቱ ገሊጹ’ሎ” ኢሉ።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ኣመሪካ ብሰንኪ ወራር ዩክሬንን ሞት ናቫልኒን ልዕሊ 500 ሓድሽ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከምእተንብር ኣፍሊጣ።
እዚኦም ድማ ኣንጻር ቀንዲ ስርዓተ ክፍሊት ካርድ ሩስያ፣ ፋይናንሳውን ወተሃደራውን ትካላትን ኣብ ማእሰርቲ ናቫልኒ ዝተሳተፉ ሰበስልጣንን ዝውሰዱ ስጉምትታት ይርከብዎም።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ተበጻሕነት ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ ሓድሽ እገዳ ከምዘእተወ’ውን ኣፍሊጡ።
ናቫልኒ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ መራሒ ሩስያ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ነቓፊ እዩ ነይሩ።
ኣብ ነሓሰ 2020፡ እቲ መራሒ ተቓውሞ ነበር፡ ተመሪዙ ዝነበረ ኮይኑ ናብ ጀርመን ከይዱ ተሓኪሙ። ናብ ሃገሩ ምስተመለሰ ድማ ተኣሲሩ።
ሞቱ ንምዝካር ዝተገብረ ፈተነታት፡ ካብ ሰበስልጣን ሩስያ ከቢድ ግብረ መልሲ ዘተኣናገደ ኮይኑ ክዝክርዎ ዝፈተኑ ኣማኢት ሰባት ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።