እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቫግነር ሩስያ፡ ብኸመይ እዮም ብሓድሽ ኣወዳድባ ኣብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ?
ሩስያ፡ ስትራተጂያዊ ኣገደስቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ንምጕሕጓሕ፡ ኣብ ኣፍሪቃ "ፓኬጅ ስርዓት ምድሓን" ተቕርብ ከምዘላ ሓደ ዓቢ ሓድሽ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
ቢቢሲ ዝተመልከቶ ውሽጣዊ ሰነዳት መንግስቲ ሩስያ እውን፡ ምዕራባውያን ኩባንያታት ካብ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ከባቢታት ንምስጓግ ዝዓለመ ሕጊታት ዕደና ብኸመይ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ይተኣታቶ ከምዘሎ ብዝርዝር ይገልጹ።
እዚ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ሩስያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሰነ 2023 ዝተፈተነ ፍሹል ዕልዋ መንግስቲ ዝተበታተነ ጕጅለ ቫግነር፡ ንጥፈታቱ ንምቕጻል ዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ እዩ።
እቲ ቢልዮናት ዘንቀሳቕስ ዘሎ መስርሕ፡ ሕጂ መብዛሕትኡ ከም ሩስያዊ "ኤክስፐዲሽነሪ ኮርፕስ" ኰይኑ ይካየድ ኣሎ፤ እዚ ድማ በቲ ኣብ ጐደናታት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሰርጌይ ስክሪፓል ዝተገብረ ፈተነ ቅትለት ዝኽሰስ ሰብኣይ- ዝመሓደር'ዩ፤ ሩስያ ግን ነቲ ክሲታት ነጺጋቶ።
ኣብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት (ሩሲ) ክኢላ ውግእ መሬትን ሓደ ካብ ኣዳለውቲ እቲ ጸብጻብን ጃክ ዋትሊንግ፡ "እዚ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ካብ ዝተሓብኦ ዝወጽኡ ዘሎ መንግስቲ ሩስያ'ዩ" ይብል።
የቭገኒ ፕሪጎዚን ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ዝፍራሕን ዝፍለጥን ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጕጅለኡ ቫግነር ብቢልዮናት ዝግመቱ ኩባንያታትን ፕሮጀክትታትን ክቆጻጸር እንከሎ፡ ወተሃደራቱ ድማ ኣብ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወሳኒ ግደ ዝነበሮም እዮም።
ድሕሪኡ፡ ንሚኒስተር ምክልኻልን ሓላፊ ጠቕላሊ ስታፍን ክእለዩ ዝጽውዕ መሲሉ፤ ብሓቂ ግን ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ፈቲንዎ ዘይፈልጥ፡ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንምንቃል ናብ ሞስኮ ገጹ ኣምሪሑ ነይሩ።
ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ምስ መብዛሕትኡ መሪሕነት ቫግነር፡ ብኣዝዩ ዘጠራጥር ሓደጋ ነፋሪት ሞይቱ። ኣብቲ እዋን መጻኢ ጕጅለ ቫግነር እንታይ ከም ዝኸውን ዝዀነ ሰብ ኣይፈልጥን ነይሩ።
ሕጂ ግን፡ መልሱ ተረኺቡ ኣሎ።
ብመሰረት ዶክተር ዋትሊን፡ "ድሕሪ ናዕቢ ፕሪጎዚን ቅሩብ ጸኒሑ ኣብ ክረምሊን ኣኼባ ተኻይዱ፡ ኣብኡ ድማ ስርሒታት ኣፍሪቃ ቫግነር ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ዝኾነ ‘ግሩ’ ክወድቕ ተወሲኑ"።
ቍጽጽር ናብ ሓላፊ ኣሃዱ 29155 ጀነራል ኣንድሬ ኣቨርያኖቭ ክወሃብ ነይርዎ መንግስታት ኰነ ጕጅለታት ወጻኢ ዒላማ ዝገብር ኣሃዱ እዩ።
ሓድሽ ስርሒት ጀነራል ኣቨርያኖቭ ግን፡ ንመንግስታት ምዕላው ዘይኮነስ፡ መጻኢኦም ውሕስነት ዝህብ ይመስል፤ ክሳብ ንሳቶም መሰል ማዕድናዊ ረብሓታቶም ዝሓለወሎም።
ኣብ መጀመርታ መስከረም፡ ብምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ዩኑስ-ቤክ የቭኩሮቭ ተዓጂቡ፡ ጀነራል ኣቨርያኖቭ ኣብ ኣፍሪቃ ቫግነር ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ዑደት ኣካይዱ።
ጕዕዞኡ ኣብ ሊብያ ጀሚሩ። ቀጺሉ ናብ ቡርኪናፋሶ ኣምሪሑ፣ ኣብኡ እቲ ወዲ 35 ዓመት መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ኢብራሂም ትራኦረ ተቐቢልዎም።
ብድሕሪኡ፡ ኣብታ ኣህጉር እቲ ስርሒታት ቫግነር ዝርክበሉ ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዓሊቡ፣ ካብኡ ድማ ናብ ማሊ ኣምሪሑ።
ኣብ ዝቐጸለ መገሻ እውን ምስ ጀነራል ሳሊፉ ሞዲ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኒጀር ስልጣን ዝሓዙ ወተሃደራት ተራኺቡ።
ንባባት ናይቶም ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ከምዘርእዮ፡ እዞም ክልተ ሰባት ንመሻርኽቲ ቫግነር ኣብታ ኣህጉር፡ ምጥፋእ ፕሪጎዚን ማለት ንግዳዊ ውዕላቱ ምቍራጽ ማለት ከምዘይኰነ ዘረጋግጹ ነይሮም።
ብሓጺሩ ሞት ፕሪጎዚን ንርክብ እቶም ዕልዋታት ዘካየዱ ወተሃደራዊ ሓይሊታት ምስ ሩስያ መወዳእታ ማለት ኣይነበረን። ብገለ መገዲ ገና እናዓሞቐ ክኸይድ ይኽእል እዩ ዝብል እዩ።
እተን ምስ ቫግነር ጥቡቕ ርክብ ዘለወን ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ - ማሊ፡ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን - ኵለን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘጋጠመን እየን።
ካብ ሽዑ ጀሚሮም ካብ ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ከምዝወጹን፡ ናይ ገዛእ ርእሶም "ኪዳን ሃገራት ሳሕል" ከምዝፈጠሩን ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ምናልባት ምስቶም ጕጅለታት ሩስያ ዝያዳ ዝተወሃሃደት ማሊ ክትከውን ትኽእል እያ፤ ኣብኡ ዘሎ ቀጻሊ እስላማዊ ናዕቢ፡ ምስ ተደጋጋሚ ዕልዋ መንግስቲ ተደሚሩ፡ ብመሰረቱ ዝፈሸለት ሃገር ዳርጋ ኰይና ኣላ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ጸጥታዊ ሓገዝ ብመልክዕ እቲ ብሚኑስማ ዝፍለጥ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስርሒት ጸረ-ናዕቢ ሰራዊት ፈረንሳ ይመጽእ ነይሩ።
ነታ መግዛእታዊት ሓይሊ ዝነበረት ፈረንሳ ግን ፍሉይ ፍቕሪ ኣይነበረን፤ ስለዚ ጕጅለ ቫግነር ንጸጥታዊ ስርሒታቶም ብደገፍ ሩስያ ክትክእዎ ምስ ሓተቱ እቲ ዕድመ ተቐባልነት ረኸበ።
ነቶም ነተን ሃገራት ዘመሓድሩ ወተሃደራዊ ጁንታታት ግን ወተሃደራዊ ህላወ ሩስያ ርኡይ ረብሓ ኣለዎ። ዘይነዓቕን ምናልባት’ውን ጽኑዕ ጸጥታዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ብኣምሳያኡ ድማ ቫግነር ዝጠልቦ ነገር ኣሎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሰርሑለን ሃገራት፡ ቫግነር ወጻኢታት ንምሽፋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርኡይ ኣታዊ ንምርካብ እውን ክቡር ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ተጠቒሙ እዩ።
ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ኣፍሪቃ 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወርቂ ከምዘውጽአትን እዚ ድማ ኣብ ዩክረይን ንዝገበረቶ ወራር ንምምዋል ሓጊዙ ክኸውን ከምዝኽእል ብለድ ጎልድ ሪፖርት ይሕብር።
ብተወሳኺ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓ እውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ዶክተር ዋትሊን፡ "ሕጂ ሩስያውያን ምዕራባውያን ኣብ ኣገደስቲ ማዕድናትን ሃብትን ዘለዎም ቍጽጽር ብስትራተጂያዊ ኣገባብ ንምምዝባል ክፍትኑ ንዕዘብ ኣለና" ይብል።
ኣብ ማሊ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝያዳ ቁጽጽር ምእንቲ ክህልዎ፡ እቲ ዕደና ዝምልከት ሕጊ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዳግማይ ተመሓይሹ እዩ።
"ኣብ ኒጀር፡ ሩስያውያን ተመሳሳሊ ሕድገታት ንምርካብ ይጽዕሩ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ካብ ዝካየድ ዕደና ዩራንየም ዘውጽእ እዩ።"
ሩስያ ንዕደና ዩራንየም ምዕራብ ኣፍሪቃ ክትቈጻጸሮ እንተኽኢላ፡ ኣውሮጳ ዳግማይ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ "ምፍርራሕ ጸዓት" ሩስያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ክትቃላዕ ትኽእል እያ።
ፈረንሳ ካብ ዝዀነት ሃገር ንላዕሊ ኣብ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ጽግዕተኛ ኰይና፡ ኣስታት ሓሙሽተ ኢድ ዩራንየም ካብ ኒጀር እያ ተእቱ። ቅድሚ ሕጂ እቲ መግዛእታዊ ሓይሊ ነበር ከም በዓል ኒጀር ዝኣመሰላ ሃገራት ትምዝምዝ ኣላ ዝብሉ ብዛዕባ ውዕላት ንግዲ ዝምልከቱ ቅሬታታት ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ክውንነት "ኤክስፐዲሽናሪ ኮርፕስ" ዝያዳ ከም "ቫግነር 2.0" ኰይኑ ይረአ። ፕሪጎዚን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዓሚቝ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ወተሃደራውን ርክብ ሃኒጹ እዩ።
ድሕሪ ምሉእ ወራር ዩክረይን፡ ብዙሓት ኣብ ምዕራባውያን ኣካላት ጸጥታ ዝርከቡ ሰባት፡ ምኽኒት ሩስያ ተቓሊዑ እዩ ይብሉ።
"እቲ ክገብርዎ ዝደልዩ ዘለዉ ነገር፡ ብደረጃ ዓለም ቅልውላዋትና ምግዳድ'ዩ። ኣብ ካልእ ቦታታት ግጭት ከልዕሉ፡ ነቶም ድሮ ዘለዉ ድማ ከጋድዱ ይጽዕሩ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ዓለምና ውሑስ ከይትከውን ዝገብር እዩ" ይብል ዶክተር ዋትሊን።
"ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ሕጂ ዘጋጥመና ዘሎ ዓለማዊ ውድድር የዳኽመና። ስለዚ እቲ ጽልዋ ብቕጽበት ኣይስመዓናን'ዩ፡ ምስ ግዜ ግን ከቢድ ሓደጋ'ዩ።"