'ቫግነር ንኣፍሪቃ ዝያዳ ነጻ የውጽኣ ኣሎ'- ፕሪጐዢን

ሓላፊ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጐዢን ኣብ ሩስያ ድሕሪ ዘካየዶ ፍሹል ናዕቢ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መደረ ተራእዩ።

እዚ ቪድዮ ፕሪጐዢን ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ቢቢሲ እቲ ቪድዮ ኣበይ ከም ዝተቐረጸ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እቲ ምስ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ኣብ ዝተኣሳሰሩ ቻነላት ቴሌግራም ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ፕሪጐዢን ኣብ ናይ ውግእ ማርሻ ተኸዲኑ ዘርኢ ኰይኑ፡ እቲ ጉጅለ ንኣፍሪቃ "ዝያዳ ነጻ ይገብራ ኣሎ" ኢሉ።

ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ከም ዘለውዎ ይእመን።

ወተሃደራት ፕሪጐዢን ኣብ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን (CAR) ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ሃገራት ይርከቡ።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ድማ እዞም ዕሱባት ወተሃደራት ገበናት ኲናት ፈጺሞም ክብሉ ይኸስስዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብስቕያትን ቕትለትን ሰላማውያን ሰባትን ዝኸሰሰቶም ክልተ ሓለፍቲ ስርሒታት ቫግነ እገዳ ኣንቢራ ነይራ።

ተዋጋእቲ ቫግነር ኣብታ ኣህጉር ብዘይሕጋዊ ውዕላት ወርቂ ንነብሶም ከም ዘሀብተሙ’ውን ኣመሪካ ክትከስስ ጸኒሓ ኣላ።

ፕሪጐዢን ኣብቲ ቪድዮ፡ ቫግነር ማዕድናት ንምድላይ ከምኡ'ውን ምስ እስላማውያን ዕጡቓትን ካልኦት ገበነኛታትን ይቃለስ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ "ንሰርሕ ኣለና። ሙቐት ልዕሊ 50 እዩ - ኩሉ ከም ድላይና እዩ። ናይ ብሕቲ ሰራዊት ኩባኒያ ሩስያ ቫግነር (Wagner PMC) ናይ ዳህሳስን ምድላይን ስጉምትታት የካይድ፡ ንሩስያ ኣብ ኩለን ኣህጉራት ዝያዳ ከም እትዓቢ ይገብራ፡ ኣፍሪቃ ድማ ዝያዳ ነጻ ይገብራ" ክብል ፕሪጐዢን ይስማዕ።

"ፍትሕን ሓጎስን - ንህዝቢ ኣፍሪቃ፤ ንዳዕሽን ኣልቃዒዳን ካልኦት ሸፋቱ ሕልሚ ቀትሪ ንገብሮ ኣለና"።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ቫግነር ወተሃደራት ይምልምል ከም ዘሎን እቲ ጉጅለ "ነቲ ዝተቐመጠ ዕማማት ምፍጻሙ ክቕጽል እዩ - ክንዕወት ኢና ኢልና ቃል ኣቲና ኢና” ይብል።

ፕሪጐዢን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩስያን ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ፍረዲ ማፑካ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ፎቶ ተሳኢሉ ነይሩ።

ንሱ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ሩስያ ነቲ ን24 ሰዓታት ጥራይ ዝጸንሐ ናዕቢ ካብ ዝመርሕ ንደሓር ብብዝሒ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከይተራእየ እዩ ጸኒሑ።

ኣስታት 5 ሽሕ ወተሃደራት ቫግነር ንደቡባዊት ሩስያ ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ተቖጻጺሮም ናብ ሞስኮ ገጾም ብምኻድ፡ ንወተሃደራዊ መሪሕነት ሩስያ ንምእላይ ዓሊሞም ይንቀሳቐሱ ምንባሮም ይዝከር።

ይኹን’ምበር ፕሪጐዢን፡ ነቲ ብመራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ዝምራሕ ምስ ክረምሊን ዝተገብረ ድርድር ስዒቡ ነቲ ገስጋስ ደው ኣቢልዎ።

ብመሰረት እቲ ናዕቢ ንምቁራጽ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ፕሪጎዚን ዝቐረበ ክሲ ተሰሪዙ ናብ ቤላሩስ ክግዕዝ ዕድመ ቀሪብሉ’ዩ።

ኣብ ሞንጐ ቫግነርን ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያን ብዛዕባ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወዓለቶ ኲናት ውሽጣዊ ወጥሪ ነይሩ።

ፕሪጐዢን እቲ ሚኒስትሪ ንኣባላት ጉጅልኡ ዕጥቂ ከም ዘየቕረበ ብተደጋጋሚ ከሲሱ።

ቫግነር፡ ኣብ 2014 ከም ዝመስረተ ይግለጽ።

ገበናዊ መዝገብ ዘለዎ ሃብታም ነጋዳይ ፕሪጐዢን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ንፕሬዝደንት ፑቲን መግቢ ዘቕርብ ዝነበረ ብምዃኑ "ከሻኒ ፑቲን" ተባሂሉ ይፍለጥ።

ኣብ 2014 ቫግነር ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ንዝርከቡ ደገፍቲ ሩስያ ዝዀኑ ተገንጸልቲ ሓይልታት ክድግፍ ክጅምር እንከሎ፡ ሩስያ ንክሪሚያ ክትጐብጥ ሓጊዙዋ’ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ቅድሚ ኲናት ዩክረይን፡ ቫግነር 5000 ዝግመቱ ተዋጋእቲ ነይሮምዎ - መብዛሕትኦም ገዳይም ተጋደልቲ ኤሊት ረጅመንትን ፍሉያት ሓይልታትን ሩስያ እዮም።

ይኹን’ምበር ፕሪጎዚን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ቁጽሮም ናብ 25 ሽሕ ከም ዝዓበየ ገሊጹ።