ዩክረይን፡ ወዲ ሽድሽተ ዓመት ህፃን ዝርከቦም 7 ሰባት ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ሞይቶም

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዩክረይን እትርከብ ከተማ ቸርኒሂቭ ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ 7 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ኣስታት 110 ድማ ከም ዝቖሰሉን ተገሊጹ።

12 ህጻናት ካብቶም ዝቖሰሉ ምዃኖም ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዩክረይን ሓቢሩ።

ትያትር ሓዊሱ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከቡ ህንጻታት ዒላማ ዝተገብሩ ክኸውን ከሎ፡ ሩስያ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ዛጊድ ርእይቶ ኣይሃበትን።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን መብዛሕትኦም ግዳያት ኣብ መካይን ወይ ጽርግያታት እናሰገሩ ከም ዝነበሩ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢሆር ክሊመንኮ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ።

"ሩስያ ንሓንቲ ተራ ቀዳም ናብ መዓልቲ ቃንዛ ቀይራቶ" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከቱ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም እዮም።

ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ጻዕዳ ክዳን ዝለበሰት ሰበይቲ፡ ሚሳይል ብቐጥታ ብድሕሪኣ ንዝርከብ ህንጻ ክወቅዕ የርኢ።

ካልእ ካብ ናይ ሓለዋ ካሜራ ዝተረኸበ ቪድዮ፡ ሚሳይል ኣብ እግረኛታት ዝነብሩሉ ቦታ ክፍንጀር የርኢ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ቸርኒሂቭ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ጽዩፍ" ክብል ኮኒንዎ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዩክረይን ሓላፊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ደኒስ ብራውን፡ ብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተረበሸት ገሊጻ።

ነቲ "ብዙሓት ዩክሬናውያን ሃይማኖታዊ መዓልቲ ንምብዓል ናብ ቤተክርስትያን እናኸዱ” ተፈጺሙ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ኰኒና።

"ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ወይ ሲቪላዊ ንበረታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብመሰረት ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ብጥብቂ ክልኩል'ዩ" ብምባል ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ደው ክብል ጸዊዓ።

ቸርኒሂቭ፡ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓዘን ከም ዝኣወጀት ግዝያዊ ከንቲባ እታ ከተማ ኦሌክሳንድር ሎማኮ ኣብ ቴሌግራም ኣፍሊጡ።

እተን ናይ ሓዘን መዓልታት "ምስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ፈደረሽን ሩስያ ዝተኣሳሰራ እየን" ክብል ጽሒፉ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ “ሽበራዊ መጥቃዕቲ” ከምኡ’ውን “ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ገበን ኲናት” ምዃኑ ገሊጹ።

ካብቶም ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ኣዝዮም ዝተሃስዩ ህንጻታት ሓደ ኣዳራሽ ትያትር ኰይኑ፡ ምትእኽኻብ ኣፍረይቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ የአንግድ ከም ዝነበረ፡ ኣዳላዊት ናይቲ መደብ ምዃና ዝገለጸት ጓል ኣንስተይቲ ሓቢራ።

ኣብቲ ቲያትር ኣኼባ ከም ዝካየድ ግን፡ ተሳተፍቲ ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ክፈልጡ ከም ዝተገበሩ ዳይረክተር ማእከል ደገፍ ዳህሳስ ኣየር ማርያ በርሊንስካ ኣብ ፌስቡክ ጠቒሳ።

እቲ መደብ ኣብቲ ኣዳራሽ ትያትር ከም ዝተኻየደ ከንቲባ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ፤ እቲ ትያትር ብሰንኪ እቲ ኣኼባ ዒላማ ከም ዝተገበረ ግን ሓሳብ ኣይሃበን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዩክረይን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ኖቭጎሮድ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብምውቃዕ፡ ባርዕ ከም ዘስዓበት ሩስያ ገሊጻ።

እቲ ባርዕ ብቕልጡፍ ከም ዝጠፍአን ሓንቲ ነፋሪት ጥራይ ከም ዝተሃሰየትን ይግለጽ።

ዩክረይን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበትን።