ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ክርስትና ዝወርድ መጥቃዕቲ ይዛይድ ኣሎ

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ብዙሓት ኣምለኽቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ሃይማኖታዊ ዓመፅ ኣሻቓሊ ኮይኑ ይርከብ።

እቲ ንጕጅለታት ቤተ-ክርስትያን ዝውክል ክርስትያናዊ ማሕበር ናይጀርያ (CAN) ኣብ ኣብያተ-ክርስትያንን ክርስትያናትን ዝወርድ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ገለጹ።

ኣፈኛ ናይቲ ማሕበር ኣዴባዮ ኦላደጂ "ተስፋ ዘይብሉ ዅነታት ይኸውን ኣሎ። ክኹነን ኣለዎ" ድማኢሉ።

ክንደይ መጥቃዕትታት ተፈጺሙ?

ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወረድ መጥቃዕትታት ካብ 2019 ኣትሒዙ ይውስኽ ከምዘሎ ግልጺ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ክሳብ ሕጂ ኣብ ህንጻታት ቤተ-ክርስትያንን ምስኦም እተተሓሓዙ ሰባትን 23 ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሙ ናይ ኣጽዋር ግጭት ቦታን ክስተትን ሓበሬታ ፕሮጀክት (ACLED) ዝኣከቦ ጸብጻብ ይሕብር።

31 መጥቃዕትታት ኣብ 2021 ከምኡ'ውን 18 መጥቃዕትታት ኣብ 2020 ተፈጺሞም ነይሮም።

ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዘጋጠሙ መጥቃዕትታት ነዚ ጕዳይ እዚ ፍሉይ ኣቓልቦ ክረክብ ገይሩ ኣሎ።

• ብ5 ሰነ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት ኦንዶ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን 40 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም።

• መራሒ ቤተ-ክርስትያን ሜቶዲስት ሳሙኤል ካኑ ኡቺ ብ29 ግንቦት ኣብ ደብባዊ ምዕራብ ተጨውዩ።

• ኣብ ግዝኣት ካቲና ኽልተ ካህናት ብ29 ግንቦት ተጨውዮም።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እውን ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ልዑል ነይሩ።

ብ2012 ክሳብ 46 ዝበጽሑ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ ካብ ናይ ኣጽዋር ግጭት ቦታን ክስተትን ሓበሬታ ፕሮጀክት (ACLED) ዝተረኸበ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብ 2012 ሚያዝያ ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰባት ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ኸተማ ካኖ ዝርከቡ ክርስትያን ኣምለኽቲ ዝጥቀሙሉ ኣብ ዝነበሩ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትያትር እንተ ወሓደ 15 ሰባት ቀቲሎም እዮም። ጸኒሑ ኸኣ ብ2012 ኣብ ማእከላይ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ 19 ሰባት ሞይቶም።

ኣብቲ እዋን መብዛሕትኡ እቲ መጥቃዕቲ ብቦኮሓራም ዝበሃሉ ወተሃደራት እስላም ዝተፈጸመ እዩ።

ይኹን እምበር ናይ ኣጽዋር ግጭት ቦታን ክስተትን ሓበሬታ ፕሮጀክት (ACLED) ከምዝገለጾ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ክርስትያናት እተተሓሓዘ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕትታት ዘለዎም ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም እዩ።

ከም ቦኮሓራም ዝኣመሰሉ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣብ ልዕሊ እቶም ንእስላም ትርጕም ዘይህቡ ገይሮም ዝረኣይዎ ማሕበረሰባት ምስልምና መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለው።

ንኣብነት ንእስላም ኣዋልድ ኣብ ዘምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ቈልዑት እውን ተጨውዮም እዮም።

ኣንጻር እዞም ወተሃደራት እዚኣቶም እተዛረቡ መራሕቲ እምነት ምስልምና እውን ግዳይ መጥቃዕቲ ኾይኖም እዮም።

ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና መጥቃዕቲ እንተፈጸሙ እኳ ካልኦት መጥቃዕቲ ግን ምስ ብመናዓብቲ ወይ ዘረፍቲ ዝተፈጸሙ እዮም።

ኣብዞም መጥቃዕቲታት ክርስትያናትን እስላምን ግዳይ እንትኾኑ ኣባይትን ቦታታት ኣምልኾን ድማ ዓንዮም እዮም።