ኢሰመኮ እቲ ብቪድዮ ዝረኣይ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ‘ኦነግ ሸኔ’ ዝተብሃሉ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ከምዝተፈጸመ ከሲሱ

ካብቲ ቕትለት ዘርእይ ቪድዮ ዝተወሰዱ ስእልታት

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA SCREEN GRAB

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብዚ ቕነ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ብዙሓት ሰባት ካብ መኪና ክወርዱ ብምግባር ብጃምላ ክቕተሉ ዘርእይ ቪድዮ ከምዝመርመረን እቲ ቅትለት ኣብ ልዕሊ "ኦነግ ሸኔ" ዝተብሃሉ ሰባት ከምዝተፈጸመን ኣፍሊጡ።

እቲ ቅትለት ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ደዋ ጨፋ ፍሉይ ቦታ ኣንቶሊ ከምዝተፈጸመ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ጃምላዊ ቅትለት "ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ’’ መንግስቲ ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ግን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

እዚ ቅትለት ምስተፈጸመ ቢቢሲ ናብ ምምሕዳር እቲ ዞባ ብምድዋል ከፃርይ ዝተፈነ ኮይኑ፡ ሽዑ ዝተወሃቦ መልሲ "ሓበሬታ የብልናን ክነፃርዮ ኢና" ዝብል ነይሩ።

ኣብቲ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቀባበልዎ ዘለዉ ቪድዮ ብመኪና ተፃዒኖም ዝመፅኡ ሰባት ብሓይሊ እናተደፍኡ ክወርዱን ኣብ መሬት ብዝጸንሑ ዕጡቓት ብጠያይቲ ክቕተሉን ይረኣይ።

ኣብ ርእሶም ፀሊም ጨርቂ ዝኣሰሩ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ መኪና ዝወርዱ ሰባት ኣብ ዝትኩሱሉ እዋን "ጥይት ኣይተባኽን ብዓሉ ይሙት"፤ "ናብ መኪና ኣይትተኩሱ"፤ "ብጌጋ ናብ መኪና ተኲስካ ነዓይ ቀቲልካኒ ኔርካ" ክብሉ ይስምዑ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እንታይ’ዩ ዝብል?

ምልክት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, EHRC

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ "ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተፈጸመ ቕትለት" ክብል ዝገለፆ ጃምላዊ ቅትለት ምስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣውፂእዎ ዝነበረ ፀባፃብ ካብ ሞንጎ ዝተዘርዘሩ ክስተታት ሓደ ከምዝነበረ እቲ ኮሚሽን ኣዘኻኺሩ'ሎ።

ኣብቲ እዋን "ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነትን ዝተኻየደ ምርመራ" ዝብል ርእሲ ዝሃቦ ፀብፃብ ዘርጊሑ ነይሩ።

ምስቲ ሰባት ካብ መኪና ክወርዱ ብምግባር ብዕጡቓት ክቕተሉ ዘርእይ ፍጻመ ብዝተሓሓዝ ድማ "ካብ መሰኻኽርን ናብቲ ቦታ ከይዱ መረዳእታ ብምእካብን" ረኺበዮ ዝበሎ ውጽኢት ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ተግባር ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ደዋ ጨፋ ፍሉይ ቦታ ኣንቶሊ ከምዝተፈጸመ ብምሕባር እዋኑ ድማ ብኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ፈላማይ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ 2014 ከምዝነበረ ጠቒሱ።

ረኺበዮ ዝበሎ መረዳእታ መሰረት ብምግባር "ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብኽልተ ናይ ፅዕነት መኻይን ዘምፅእዎም ኣስታት 30 'ኣባላት ኦነግ ሸኔ' ዝበልዎም ሰባት ብጃምላ ብጥይት ከምዝቐተልዎም" ኣብ ፀብፃቡ ሓቢሩ'ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣይ ተወሳኺ ምፅራይ፣ ምርመራ ቴክኒክን ተወሰኽቲ ምርመራታትን ከምዘካየደ ኣዘኻኺሩ።

በዚ መሰረት "እቲ ቪድዮ ነቲ በቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ወግዓዊ ዝተገበረ ብዘይፍርዲ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ቅትለት ዘመላኽት ተወሳኺ መረዳእታ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ" ይብል።

ዝተማልአ ምፅራይ ገበን ተኻይዱ ተሓታትነት ክረጋገፅ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ኦነግ ሸኔን መን እዩ?

ኦነግ ሸነ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራዊ ዝኣተወ ጉጅለ እዩ፡፡

መንግስትን ኣካላት ጸጥታን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝፍጸሙ መጥቃዕታት ተሓታቲ ዝገብሩዎ ኦነግ ሸኔ፡ ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝበጽሕ መጥቃዕታት ሽሙ ብተደጋጋሚ ይለዓል።

'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ንብዙሕ ዓመታት፡ ወታሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ) ኮይኑ ጸኒሑ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ መራሕቲ ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ዘሎ ሓይሊ) ካብቲ ውድብ ተፈልዩ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ፡፡

ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ 'ውን ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ንሱ ከምዘይእዝዞ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ፡፡