እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ሃገሩ ዝሃደመ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ወሪዱ
ኣብ መንበሪ ገዝኡ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ሲንጋፖር ዝሃደመ ፕረዚደንት ስሪላንካ ጎታባያ ራጃፓክሳ፡ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
ኣብ ትሕቲ ሓድሽ መሪሕነት ከጋጥሞ ንዝኽእል ማእሰርቲ ንምውጋድ፡ ካብ ስልጣኑ ቅድሚ ምውራዱ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝወሰነ ይግለጽ።
ስሪላንካውያን፡ ዋጋ መግቢ፣ ነዳድን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ከቢሩዎም ኣሎ።
ምውራድ እቲ ፕረዚደንት ሰሚዖም ዝተሓጐሱ ሰልፈኛታት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኮሎምቦ ጸምቢሎም።
“ሓጐስና ልዕሊ ኩሉ’ዩ፤ ብቐንዱ ግን፡ ነናብ ህይወትና ንክንምለስ ሩፍታ ረኺብና ኣለና” ክብል ቪግራ ፔሬራ ዝተባህለ ሰልፈኛ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ብሰኑይ ምሸት ናብ ማልድቪስ ብምኻድ ትማሊ ናብ ሲንጋፖር ኣትዩ። በዓልቲ ቤቱን ዓጀብቱን’ውን ምስኡ ከም ዝነበሩ ጸብጻባት ይገልጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሲንጋፖር፡ እቲ ፕረዚደንት ዕቑባ ከም ዘይሓተተን ዕቑባ ከም ዘይተዋህቦን ገሊጹ።
ግዝያዊ ፕረዚደንት ራኒል ዊክረመሲንግ፡ ክሳብ ቃለ መሓላ ዝፍጽም ብወግዒ ናይ ስግግር ፕረዚደንት ከም ዘይኸውን ተገሊጹ'ሎ።
ንሱ፡ በቲ ካብ ሃገሩ ዝወጽአ ፕረዚደንት ዝተሸመ ኰይኑ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንከጽድቐሉ 30 መዓልታት ኣለዎ። እቶም ኣባላት እንተዘይተቐቢሎምዎ ግን ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ እዩ።
ፕረዚደንት ጎታባያ፡ ካብ ስልጣን ምውራዱ ዝሕብር ደብዳበ ብኢሜይል ናብ ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ክልእኽ እንከሎ፡ ሕጋዊ መስርሓት ምስ ተወድአ ሎሚ ዓርቢ ወግዓዊ ከም ዝኸውን ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ምውራድ እቲ ፕረዚደንት ዝጽንብሉ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ግን፡ “መጀመርታ ክኸይድ’ዩ ኢሎም ኣዐሽዮምና። ሕጂ’ውን ተመሳሳሊ ነገር’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ካብ ስልጣን ምውራዱ ዝሕብር ደብዳበ ተቐቢሎም ኣለው፤ ግን እቲ ኣፈጉባኤ ሕጋዊ ክንገብሮ ኣለና ይብል ኣሎ። እንታይ’ዮም ሕጋዊ ክገብሩ ኣይፈልጥን፤ ስለዚ ኩሉ ጽላለ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት ትማሊ ሓሙስ ሰዓት እቶ እቶ ስለ ዝኣወጀ ቑጽሪ ሰልፈኛታት ነክዩ እዩ።
ገለ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ካብቲ ሒዞምዎም ዝነበሩ ህንጻታት ሰብ መዚ ክወጽኡ ስለ ዝጀመሩ፡ ጎዳናታት ኮሎምቦ ቁሩብ ህድእ ኢሎም ነይሮም።
ወሃቢት ቃል እቶም ተቓወምቲ፡ “ብሰላም ካብቲ ቤተ መንግስትን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ንወጽእ ኣለና። ግን ቃልስና ቐጻሊ’ዩ” ኢላ።
ኣብቲ ብሮቡዕ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ካልኦት 84 ቈሲሎም።
እዚ ብሰንኪ ኣብ መላእ እታ ሃገር ቁጠባዊ ቅልውላው ዝጀመረ ተቓውሞታት እናዓረገ ምስ መጽአ፡ ሰልፈኛታት ብቐዳም ንቤተ መንግስቲ እቲ ፕረዚደንት ክቈጻጸሩ እንከለው ውልቃዊ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሓዊ ኣቃጺሎምዎ።
ብሮቡዕ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መንብዒ ትኪ ብምጥቃም ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክወጽኡ ገይሩ። ድሕሪኡ ናብ ቤት ጽሕፈት ባይቶ እታ ሃገር እንተኸዱ’ውን ክኣትው ኣይክኣሉን።
ትማሊ ሓሙስ ድማ፡ ናብ መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዚደንት ተመሊሶም ነይሮም።
“ንህዝቢ ስልጣን እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ ኢና ነዚ ህንጻ ተቘጻጺርናዮ። ከምቲ ዝሓዝናዮ ክኣ ተመሊስና ኣረኪብና ንወጽእ። ኣገዳሲ እንተዀይኑ ግን ተመሊስና ክንመጽእ ኢና” ክብል ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ተቓዋሚ ዳኒሽ ዓሊ ንቢቢሲ ታሚል ተዛሪቡ።
ኣገደስቲ ሓቅታት ስሪላንካ
- ስሪላንካ፡ ካብ ደቡባዊ ህንዲ ውጽኢ ኢልካ ዘላ ደሴታዊት ሃገር እያ። ብ1948 ካብ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ናጻ ወጺኣ።
- እዛ ሃገር ሲንሃልሴ፣ ታሚልን ሙስሊምን ዝብሃሉ ሰለስተ ብሄራት ዘለውዋ ኰይና፡ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ 22 ሚልዮን እዩ።
- ንዓመታት፡ ኣሕዋት ሓደ ስድራ ነታ ሃገር ብሒቶምዋ ጸኒሖም። ማሂንዳ ራጃፓክሳ፡ መንግስቱ ብ2009 ንተገንጸልቲ ዕጡቓት ታሚል ስዒሩ ንዓመታት ዝነበረ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዕ ብምግባሩ፡ ሲንሃሌሳውያን ከም ጅግና ይርእዩዎ ነይሮም። ሓው ጎታባያ፡ ኣብቲ ግዜ ሚኒስትሪ ምክልኻል ነይሩ ድሓር ፕረዚደንት ኰይኑ።
- ፕረዚደንት፡ መራሒ ሃገርን መንግስትን ከምኡ’ውን ኣዛዚ ሰራዊት እኳ እንተዀነ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ብዙሕ ሓላፍነታት ኣይካፈልን። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ባይቶ ንዝኣተወ ገዛኢ ሰልፊ ይመርሕ።
- ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላዋት፡ ዜጋታት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ክቃወሙ ተገዲዶም። ሓያል ዝቕባበ ዋጋ፡ ሕጽረት ገለ ቀረባት መግቢ፣ መድሃኒትን ነዳድን ኣስዒቡ።