ኣብ ጎደናታት ኬንያ ክልምኑ ዝተገደዱ ታንዛናውያን ህጻናት

ብዙሓት ካብ ታንዛንያ ዝመጽኡ ናይ ኣካል ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ኣብ ጎደናታት ናይሮቢ ክልምኑ ይግደዱ። ንወለዶም ዝሓሸ እቶት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣታሊሎም ነቶም ህጻናት ዘምጽእዎም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣለዉ። መደብ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክምርምሮ ድሕሪ ምጽናሕ ሰንሰለት ናይቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣቃሊዑ'ሎ።