እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ፡ ምግዓዝ ቓዛውያን ንምንታይ ኣቋሪጻ?
ፈረንሳ፡ ሓንቲ ተማሃሪት ንዝፈጠረቶ ምትህልላኽ ጸረ-ሴማውነት ስዒቡ፡ እተካይዶ ዝነበረት መደብ ምግዓዝ ቓዛውያን ኣቋሪጻ።
ምኒስተር ኤውሮጳን ጉዳያት ወጻኢን ፈረንሳ ዣን ኖኤል ባሮት፡ መርመራ ክሳዕ ዝዛዘም ተወሳኺ መደብ ምግዓዝ ከይካየድ ኣዚዙ ኣሎ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ ፈረንሳ ካብ ቓዛ ዝሃድሙ ፍልስጤማውያን ምቕባላ ኣቋሪጻ ኣላ።
ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ፍልስጤማዊት ተማሃሪት፡ ብኢንተርነት ጸረ-ሴማውያን ዘረባታት ብምዝርጋሕ ዝተኸሰሰት ኰይና፡ ሰብመዚ ብዛዕባ'ዚ መርመራ የካይዱ ከም ዘለዉ ዣን ኖኤል ባሮት ሓቢሩ።
እታ ጓል 25 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ማህደረ-ትምህርቲ ረኺባ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ከተማ ሊል ክትማሃር ዝጸንሐት እያ።
እታ ኣብ ሓምለ ናብ ፈረንሳ ዝኣተወት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስነፍልጠት ፖ ሊል ትምህርታ ክትጅምር ነይርዋ።
እንተዀነ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ካብቲ ዓውደ-ትምህርቲ ከም ዝተኣልየት እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊጹ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ፍቓዳ ምስሓቡ ስዒቡ ድማ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ክትግደድ እያ።
ፈረንሳ ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 500 ሰባት ካብ ቓዛ ክወጽኡ ሓጊዛ እያ።
ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ብሩኖ ረታይሎ፡ እቲ ዕድል ማህደረ-ትምህርቲ ክዕጾ፡ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዝሓተተ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ገሊጹ።
"ንሓማስ ፕሮፖጋንዳ ዘጋውሑ፡ ኣብ ሃገርና ቦታ የብሎምን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ድሮ በዚ ውጥን ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን፡ ነቲ ፍጻመ ስዒቡ "ሓድሽ ቍጽጻር" ክግበረሎም ምዃኑ ሚስተር ባሮት ወሲኹ ገሊጹ።
ብኣገልግሎት መንግስትን ሰበስልጣን እስራኤልን ዝተኻየደ ጸጥታዊ ምጽራይ ነዚ፡ "ቅቡል ዘይኰነን ዘተሓሳስብን መግለጺታት፡" ከለልዩ ከም ዘይከኣሉ'ውን ሓቢሩ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝዘርግሓቶም ርእይቶታት ንኤኤፍፒ ኣረጋጊጹ'ዩ። እቶም ጽሑፋት፡ "ምስ እቲ ትካል ዝድግፎ ክብርታት ብቐጥታ ዝጋጮ፡" ምዃኑ ድማ ነቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣካል ናይቲ ብምኒስትሪ ኤውሮጳን ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ዝካየድ መደብ ካብ ቓዛ ዝገዓዘት ምዃና ዳይረክተር እቲ ዩኒቨርሲቲ ንጋዜጣ ሊበረይሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።