ኣፍሪቃ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣጋጢሙ ዘሎ ምቍራጽ ኢንተርነት ብኸመይ ክፍታሕ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ምቍራጽ ኢንተርነት ኣጋጢምወን ኣሎ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ንብዙሓት ሃገራት ዝጸለወ ምቍራጽ ኢንተርነት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ንሳልሳይ ግዚኡ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ። እዚ ከኣ ዝርግሐ ኢንተርነት ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ።
ኣገዳስነት ኢንተርነት ዘየተሓታትት ኰይኑ፡ እዚ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ተኣማንነቱ ብኸመይ ክመሓየሽ ከምዝኽእል ሕቶታት ንኽልዓሉ ቀሲቡ’ሎ።
እዚ ናይ ሕጂ ምቍራጽ ኢንተርነት፡ ክልተ ካብቲ ንኣፍሪቃ ምስ ካልእ ዓለማት ዘራኽብ ብትሕቲ ማያት ዝሓልፍ ገመድ ኢንተርነት ብሰንበት ድሕሪ ምብታኹ’ዩ ከጋጥም ክኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ብትሕቲ ማይ ዝሓልፍ ኣርባዕተ ገመዳት ኢንተርነት ብምብታኹ ተመሳሳሊ ምቍራጽ ኢንተርነት ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ለካቲት’ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መልሕቕ ዝደርበየት መርከብ ነቲ ኣብ ትሕቲኣ ዝነበረ ሰለስተ ገመዳት ኢንተርነት ስለዝበተኸቶ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢሙ ነይሩ።
እዚ ምቍራጽ ኢንተርነት ዘስዓበ ናይ ሰንበት ክስተት ጠንቁ እንታይ ምዃኑ ምጽራያት ይግበር ከምዘሎ ተሓቢሩ ኣሎ።
ንሓደ ካብቶም ዝተበተኹ ገመዳት ዝውንን ሲኮም ዝተበሃለ ትካል ብመንገዲ ሓላፊ እቲ ትካል ዝዀነ ፕረኒሽ ፓዳይቸ ኣቢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምብታኽ ገመድ ብመልሕቕ መርከብ ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽል ጥርጣረኡ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ካልኣይ ገመድ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ቦታን’ዩ ተበቲኹ።
እቲ ገመድ ኢንተርነት ኣብ ገማግም ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ከተማ ደርባን ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ቦታ ከምዝተበተኸ ሰብመዚ መራኸቢታት ኬንያ ገሊጾም።
ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኣገልገሎት ኢንተርነት ዝህባ ትካላት ተሌኮሙኒኬሽን ካልእ ኣማራጺታት ብምጥቃም ብውሕዱ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ከቃልላኦ ይፍትና ኣለዋ።
ንኣብነት ኬንያ እቲ ጸገም ምስ ኣጋጠመ ነቲ ‘ብኢስት ኣፍሪካን ማረይን ሲስተም’ ዝውነን ገመድ ተጠቂማ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከምዝቅጽል ትገብር ኣላ።
ኬንያ ኣማራጺ ስለዝጸንሓ’ያ ነቲ ጸገም ክትሰግሮ ትፍትን ዘላ’ምበር ከም በዓል ታንዛንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኽባኦ ዝነበራ ኣገልግሎት ኢንተርነት 30 ሚእታዊት ጥራይ’የን ዝረኽባ ዘለዋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንኣፍሪቃ ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ዘራኽብዎ ገመዳት ኢንተርነት ብተደጋጋሚ’ዩ ምብታኽ ዘጋጥሞ ዘሎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኬፕታውን ተመራራሚ ‘ዲጂታል ኮነክቲቪቲ’ ዶክተር ጀስ ኣውሮባች ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብዙሕ ሰብ እዚ ንግልገለሉ ኢንተርነት ልክዕ ከምዚ ንጀርዲን ማይ ንምስታይ እንግልገለሉ ቱቦታት ምዃኑ ኣይርድኦን’ዩ፤ እዚ ንኣፍሪቃ ዘራኽብ ገመዳት ኢንተርነት፡ ከባቢ 10 ሽሕ ኪሎሜተር’ዩ ዝዝርጋሕ ኰይኑ ምንውሑ ከኣ ንሓደጋ ተቓላዒ ይገብሮ” ኢሉ።
መራኽብ መልሕቐን ኣብ ዝድርብያሉ ነቲ ብትሕቲ ጽፍሒ ማይ ዝሓልፍ ገመድ ኢንተርነት ስለዝስሕባኦ እቲ ምብታኽ ብተደጋጋሚ ብሰንኩ ከምዘጋጠም ዝሕብር ዶክተር ጀስ ኣውሮባች ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝርከቡ ኣኻውሕ ኣብ ዝወድቀሉ’ውን ነቲ ገመድ ክበትክዎ ተኽእሎ ከምዘሎ ይሕብር።
ቤን ሮበርትስ ዝተብሃለ ክኢላ እዚ ዓውዲ’ውን “እቶም ገመድ ናይ ኢንተርነት ጥቃን ጠቃን ዝተዘርግሑ ስለዝዀኑ ሓደጋ ምብታኽ ኣብ ዘጋጥመሉ ዳርጋ ኵሎም’ዮም ዝትንከፉ” ይብል።
ምጽጋን ናይዞም ገመዳት ክኢላታትን ፍሉያት መሳሪሒታትን ዝጠልብ ኰይኑ ካብ መዓልታት ክሳብ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል’ዩ፤ ኣብቲ እዋን ዝህሉ ኵነታት ኣየር፡ ማዕበላት ባሕርን ካልእን’ውን ነቲ መዓልታት ናይ ምምጣጥ ተኽእሎ ኣለዎ።
ንኣብነት እቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ምብታኽ ገመዳት ተጸጊኑ ናብ ምሉእ ኣገልግሎት ንኽምለስ ልዕሊ ሓደ ወርሒ’ዩ ወሲዱ።
ዶክተር ጀስ ኣውሮባች ብወገኑ፡ “ንግዚኡ ክሳብ እቲ ምጽጋን ገመዳት ዝግበር፡ እዘን ምቍራጽ ኢንተርነት ኣጋጢምወን ዘሎ ሃገራት ግዝያዊ መፍትሒ ንኽረኽባ ኢና ንሰርሕ ዘለና” ኢሉ።
ነቲ ኣብ ገማግም ደቡብ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ምብታኽ ገመድ ኢንተርነት ንምጽጋን ሓላፍነት ወሲዱ ዘሎ ትካል ምስታ ልዮን ተቬኒን ዝተበሃለት መርከቡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ኣሎ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ናብቲ ተበቲኹ ዘሎ ገመድ ክበጽሕ ከምዝኽል ከኣ ሓላፊ እቲ ትካል ክሪስ ዉድ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣፍሪቃ ተጠቃምነት ኢንተርነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ’ኳ እናዓበየ እንተመጽአ፡ እቶም ንኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዘራኽቡ ገመዳት ኢንተርነት ውሱናት ስለዝዀኑ ምልግጋብ ዝበዝሖም’ዮም።
ብኣንጻሩ ኣብ ከም ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን እንተርኢና፡ ብዙሓት ኣግማድ ኢንተርነት ስለዘለዉ ብዙሕ ኣማራጺታት ዘለዎ ሓያል ኢንተርነት’ዩ ዘለወን።
ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሕጽረት ኣመራጺታት ንምፍታሕ ብዙሕ ግዜ ዘተ’ኳ እንተተዃየደሉ ክሳብ ሕጂ ግን ብሕጽረት ባጀት እናተባህለ ኣብ ባይታ ለውጢ ክመጽእ ኣይክኣለን ዘሎ።
ዶክተር ጀስ ኣውሮባች፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ እኹል ሓገዝ ከምዘየለ ብምግላጽ “እታ ነቲ ተበቲኹ ዘሎ ገመድ ንምዕራይ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትያ ዘላ መርከብ ልዮን ተቬኒን’ውን እታ እንኮ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዘጋጥሙ ጸገማት ክትፈትሕ ዝተመደበት መርከብ’ያ” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “እዛ መርከብ ኣብ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ጽገናታት’ያ ትገብር ነይራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ትሽዓት ጽገናታት ኣካይዳ፤ መንግስታት ኣፍሪቃን ብሓፈሻ መራሕቲ ዓለምን ኣብ ዝርገሐ ኢንተርነት ሌላን ጉሌላን ከይህሉ ድምጾም ከስምዑ ኣለዎም” ኢሉ።
ገለ ሰባት ዲጂታዊ ኢንተርነት ውሑስ ንምግባር ከም ሳተላይት ኢንተርነት ዝኣመሰሉ ኣማራጺታት ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ንኣብነት ፕሮጀክት ‘ስታርሊንክ’ ናይ ኤሎን ማስክ፡ ብመንገዲ መርበብ ሳተላይት ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ንዝነብሩ ሰባት ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። ግን ኣዝዩ ክቡር ኰይኑ ኣብዚ እዋን ኣብ ኵሉ ቦታ ዘይርከብ’ዩ።
እቲ ቀንዲ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ነቲ ኣገዳሲ ትሕተ ቅርጺ መራኸቢታት ንምድጋፍ ኣብ ባይታ ዝያዳ ወፍሪ ምግባር እዩ።
ቤን ሮበርትስ “ብዙሕ ምትእስሳር ከምዘለና ንምርግጋጽ ዝያዳ መርበባት፡ ዝያዳ ምትእስሳር፡ ዝያዳ ማእከላት ዳታን ዝያዳ ምልውዋጥ ኢንተርነትን የድልዮ" ይብል።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







