ብስራሕ ኦንላይን፡ ‘ኣብ 9 ወርሒ ልዕሊ ሚልዮን’ ኣታዊ ዝረኸበ ኢትዮጵያዊ

ምንጪ ስእሊ, NATNAEL TEFERI
ናትናኤል ተፈሪ፡ ኣደኡ ‘እንጀራ ይሃብካ’ ኢላ መሪቓቶ’ያ።
ዘይፍትኖ ነገር የለን፤ ፈጺሞም ዘይዛመዱ ዝመስሉ ስርሓት'ውን ይሰርሕ።
ስራሕ ዕንጸይቲ፡ ዲጄ፡ ቪድዮ ኤዲቲን፡ ግራፊክስን ዲዛይንን፡ ስልጠና ሳዕስዒትን ዲሽ ምትካልን ዝኣመሰሉ ይኽእል።
ምረቓ ኣደኡ ጋህዲ ኰይኑ እንጀራ ዝረኸበ ግን 'ብኦንላይን ቢዝነስ' ወይ ብኢንተርነት ብዝስራሕ ንጥፈታት’ዩ።
በዚ ስራሕ ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ብር ከምዝረኸበ ይዛረብ።
ብኸመይ?
ናትናኤል ኣዝዩ ፈታዊ ስራሕ’ዩ። ስራሕ ክፈትሕ ኣይደልን።
ኣቦኡ ብጽኑዕ ምስ ሓመመ ግን፡ ንዕኡ ክሕብሓብ ስርሑ ከቋርጽ ተገዲዱ።
ስራሕ ካብ ዝጀመረላ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ።
ኣብ መንጐ እዚ ድማ ዓርኩ፡ ኣብ ገዛኡ ኰይኑ ክሰርሓሉ ዝኽእል መርበብ ሓበሬታ ሓቢርዎ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ 'ኣፕ ዎርክ' ይበሃል፤ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ስራሕን ኣስራሕቲን ዝራኸቡሉ መድረኽ’ዩ።
ኣብኡ ዝርከቡ ስርሓት "ክሰርሖም ይኽእል እየ ኢለ እንተሃሲበ፡ ፕሮፖዛል ይሰደሎም። ጽቡቕ ገይረ ክሰርሖ ከምዝኽእል ዝኣምኑ ሰባት የዛርቡኒ" ይብል ናትናኤል።
ናትናኤል ናይ መጀመርታ ስራሑ ካብ ለንደን’ዩ ረኺቡ።
ሓደ ዓሚል ብመንገዲ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ ሓጸርቲ ቪድዮታት 'ኤዲት' ዝገብረሉ ሰብ ይእልሽ ነይሩ።
ናትናኤል ምስቲ ዓሚል ተጸሓሒፉ፡ ነቲ ስራሕ ክሰርሓሉ ከምዝኽእል ኣእሚንዎ።
እቲ ዕማም ነቲ ዓሚል ዝለኣኾ መምሃሪ ቪድዮ ኤዲት ብምግባርን ተወሳኺ ምስሊታት ብምውህሃድን ምልኣኽ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, FIVERR/ LINKEDIN/ WORKUP
እዚ ስራሕ ንምጅማር ገንዘብ ኣየድለዮን። 'ውሑስ' ዝዀነ ኮምፒተር ይዅን ኢንተርነት ኣይነበሮን።
"ንዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ብዝገዛእክዋ ዝተሰብረት፡ እትድንጒ፡ ኣረጊት ላፕቶፕ እየ ጀሚረ" ይብል።
ኢንተርነት ንምርካብ ድማ "ኣብ ገዛኦም ዋይፋይ ናብ ዘለዎም ሰባት ወይ ካፈታት " ይኸይድ ነይሩ።
ካብቲ ናይ መጀመርታ ስርሑ 40 ዶላር ወይ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ሸርፊ ከባቢ 2 ሽሕ ብር ረኺቡ።
ናትናኤል ካብቲ ገንዘብ ንላዕሊ ዝጠቐሞ፡ እቲ ዓሚል ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝሃቦ ሓሙሽተ ኮኾብን ኣዝዩ ዘተባብዕን ርእይቶን ምዃኑ ይዛረብ።
“ግርም ስራሕ እዩ። 'ካልኦት ምስኡ ክትሰርሑ እላቦ' ዝብል ርእይቶ ሂቡኒ፡ ኣዝየ ድማ ተሓጒሰ" ይብል።
እዚ ድማ ተወሳኺ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣምጺኡ።
ሕጂ ብዘይካ 'ኣፕ ዎርክ'፡ ከም ፋይቨርን ሊንክድኢንን ዝኣመሰሉ መርበባት መድለዪ ስራሕ ተጠቒሙ’ውን ሓያሎ ስርሓት ይረክብ ኣሎ።
ካብ ገዛኡ ከይወጸ፡ ካብ ኣመሪካ፡ ስጳኛ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ዱባይን ዝላኣኹሉ ስርሓት እናሰርሐ 'ብዙሕ’ ገንዘብ ይረክብ።
ካብዚ ሓሊፉ ሰለስተ ሰባት ቈጺሩ ከስርሕ ጀሚሩ ኣሎ።
እታ ነዚ ስራሕ ዝጀመረላ ድኽምቲ ላፕቶፑ ብሰለስተ ዝሓሸ ብቕዓት ዘለወን “ክብር ዝበላ” ኮምፒዩተራት ተኪእዋ’ዩ።
ኣስተብህሉ! እዚ ዅሉ ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ።
"እቲ ቢዝነስ ንህይወተይን ንህይወት ስድራይን ብመጠኑ ዝቐየረ’ዩ" ይብል ናትናኤል፡ "ዋላ ሓንቲ ገንዘብ ከየውጻእኩ፣ ካብ ገዛይ ከይወጻእኩ ንኦንላይን ስራሕ ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ክልተ ሚእቲ ሽሕን ብር ኣታዊ ረኺበ ኣለኹ" ይብል።
“ሕጂ’ውን ይሰርሕ ኣለኹ። ጸገም ኢንተርነትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን እዩ’ምበር ካብዚ ንላዕሊ ዝዛይድ ምሰራሕኩ" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።
ብቐጻሊ ስራሕ ዝህብዎ ዓማዊል እውን ኣጥርዩ እዩ።
“ሓደ ዓሚለይ ሓበሻ’ዩ፤ ካብ ዓዲ እንግሊዝ መጺኡ ምስ ስድራይ ተራኺቡ’ዩ። ‘በርትዑ’ ኢሉና ከይዱ፤ ሕጂ እውን ብሓባር ንሰርሕ ኢና።”
ብመንገዲ እቶም መርበብ ሓበሬታታት ኣቢሉ ኤዲቲን፡ ግራፊክ ዲዛይንን ካርታ ኣኒመሽንን ዘስርሑ ዓማዊል ብምርካብ ካብ 1000 ክሳብ 5000 ዶላር ይረክብ።
እቲ ዝገርም ግን እዞም ኵሎም ክእለታት ዩትዩብ ብምርኣይ እዩ ተማሂርዎም።
"ብኢንተርነት ገንዘብ ንምርካብ ሓንቲ ተሌፎን እኽልቲ እያ" ይብል ናትናኤል።
"ብዘለና እንተዘይሰሪሕና ክህልወና ከሎ እውን ኣይንሰርሕን፤ ብዘለና ክንጅምር ኣለና። ክንጽዕር ከለና ፈጣሪ ይውሰኸሉ። ቅድሚ ሕጂ ዋይፋይ ናይ ምእታው ዓቕሚ ኣይነበረንን. . . ናብ ዋይፋይ ዘለዎ ገዛ፡ ናብ ኢንተርነት ዘለዎ ካፈ እናኸድኩ’የ ዝሰርሕ ነይረ'' ክብል ወሲኹ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ምስዞም መርበባት መድለዪ ስራሕ፡ "ኮምፒተር ከየድለየና ብቐሊሉ ክንሰርሖ እንኽእል ብዙሕ ስራሕ” ከምዘሎ ይጠቅስ።
ንኣብነት ገለ ሰባት ኣብቶም መርበብ ሓበሬታ ሓጸርቲ ድምጺ (ቮይስ ኦቨር) ዘንብቡሎም ሰባት ይደልዩ እዮም።
ነዚ ስራሕ እዚ ድማ ድምጺ እትቐርጽ ሞባይል ጥራይ እዩ ዘድሊ።
"ዋላ እቲ ዝቐረጽናዮ ድምጺ ጽቡቕ እንተዘይኰነ [ነቲ ድምጺ] ከዐርዩ ዝኽእሉ ነጻ መርበባት ሓበሬታ" ከምዘለዉ ይሕብር።
ካልኦት ዓማዊል ድማ ሓበሬታ ዝእክበሎም ሰብ ከድልዮም ይኽእል።
ሞባይልን ኢንተርነትን ዘለዎ ሰብ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ብምእካብ ምእታው (ዳታ ኢንትሪ) ብቐሊሉ ክሰርሑ ካብ ዝኽእሉ ዕማማት ሓደ እዩ።
‘ናይ ኦንላይን ስራሕ’ን መታለልቲን
ናትናኤል ፈለማ ብኦንላይን ገንዘብ ዝረኸበ ብመንገዲ ኣፕ ዎርክ ኣቢሉ’ዩ። ሕጂ ግን ፋይቨርን ሊንክድኢንን’ውን ተጠቒሙ ስራሕ ይረክብ ኣሎ።
ኣፕ ዎርክ ኣብ 2013 ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካሊፎርንያ ዝተጀመረ መርበብ ሓበሬታ እዩ።
ፋይቨር ድማ ኣብ 2010 ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ እስራኤል ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ስራሕን ገንዘብን ክረኽቡ ኣኽኢሉ’ዩ።
ቅድሚ 20 ዓመት ዝተጀመረ ሊንክድኢን እውን ከምኡ።
ኣብዞም መርበባት እዚኣቶም ብትርፊ ወይ ብምሉእ ግዜ ዝሰርሑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስርሓት ኣለዉ።
ደለይቲ ስራሕ ክእለቶም፡ ተመኵሮምን ካልኦት ሓበሬታታትን ኣብዞም መርበባት የካፍሉ።
ኣብኡ ስራሕ ከስርሑ ዝደልዩ ውልቀሰባት ወይ ትካላት ኣለዉ።
ደለይቲ ስራሕ ኣብ ትሕቲ’ቲ ኣስራሕቲ ዘውጽእዎ መወዓውዒታት ክንደይ ዝኣክል ክፍሊት ከም ዝጠልቡ የቐምጡ።
እቲ ኣስራሒ ናይቲ ደላዪ ስራሕ ሓበሬታን ዝጠልቦ መጠን ገንዘብን ርእዩ ‘የዋጽአኒ’ ንዝበሎ ሰብ እቲ ስራሕ ይህብ።
ከምዚኦም ዝበሉ ብዙሓት መርበባት ኣለዉ። እቲ ጸገም ኵሎም ቅኑዓት ኣይኰኑን፤ ገሊኦም ንመታለልቲ ዘቃልዑ’ዮም። ገለ መደናገርቲ ድማ በቶም ቅኑዓት መርበባት ኣቢሎም ክቕልቀሉ ይኽእሉ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, NATNAEL TEFERI
እቶም መታለልቲ ንደለይቲ ስራሕ ዒላማ ከም ዝገብሩ ቢቢሲ ኣብ ሓደ እዋን ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ሊንክድኢን ናይ ሓሶት ‘ኣስራሕቲ ኢና' ዝብሉ መታለልቲ ንምእላይ ዝሕግዝ መስርሕ ከምዝዘርግሐ ይገልጽ።
ኣብቲ እዋን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት ምልመላን ቴክኖሎጅን፡ እቶም መታለልቲ ብዙሕ መንገድታት ከምዝጥቀሙ ኣብሪሆም’ዮም።
ደለይቲ ስራሕ፡ ቅድሚ ስራሕ ምጅማሮም፡ ሓደ 'ኣስራሒ' እየ ዝብል ትካል ወይ ውልቀሰብ ሓቀኛ ምዃኑ ከረጋግጹ ክኢላታት ይምዕዱ።
ሓሳብ ናትናኤል’ውን ተመሳሳሊ እዩ። "እቲ እንሰርሓሉ መርበብ ቅኑዕ ምዃኑ ከየረጋገጽና ስራሕ እንተጀሚርናን ጸገማት እንተ ኣጋጢሙናን ተስፋ ክንቈርጽን ንኻልኦት ንከይንኣምንን’ዩ ዝገብረና" ይብል።
ኣስዒቡ፡ “ቅድሚ ዝዀነ ስራሕ ምጅማርና 10 ደቓይቕ ወሲድና [ብዛዕባ እቲ መርበብ ሓበሬታ] እንተጻሪና፡ ኵሉ ነገር ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ኵሉ እንርእዮ ክንኣምኖ የብልናን፤ ክነጻሪ ኣለና" ክብል ይመክር።
‘ስራሕ ኦንላይን ጻዕሪ ዝሓትት’ዩ’
ናትናኤል፡ ብኦንላይን ዝስርሑ ንጥፈታት ጽቡቕ ኣታዊ ዘምጽኡ’ኳ እንተዀኑ፡ ትዕግስቲ ግን ዝጠልቡ ምዃኖም ይገልጽ።
“ስራሕ ኦንላይን ተወፋይነት ይሓትት። ሕጂ ኣነ ምስ ኣዕሩኽተይ ዝዝናግዓሉ ግዜ፡ ምስ ስድራይ ዘሕልፎ ግዜ ከምኡ’ውን ድቃሰይ ነክየ እየ ዝሰርሕ። መጻኢየይ ዕዉት ንምግባር ዘለኒ ኣማራጺ ውፉይ ምዃን ጥራይ'ዩ።"
"ኣብ ዝዀነ ነገር ተስፋ ኣይቈርጽን" ክብል ድማ ይውስኽ።
ተወፋይነትን ጽንዓትን መግለጺታት ናትናኤል ዝዀኑ ግን ቅድሚ ነዚ ስራሕ ምጅማሩ እዩ።
ናትናኤል ንስድራቤቱ ክሕግዝ ዝጀመረ ድሕሪ ምምራቑን ስራሕ ምሓዙን ኣይኰነን።
እቲ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ካብ ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ብኮምፒተር ሳይንስ'ዩ ተመሪቑ።
ሽዑ ካብ ስድራቤት ዝተላኣኸሉ ገንዘብ ኣይነበረን፤ ብኣንጻሩ ንሱ ናብ ኣዲስ ኣበባ - ናብ ስድራኡ ገንዘብ ይሰድድ ነይሩ።
ብፍላይ ተምሃራይ ካልኣይ ዓመት እንከሎ ኣቦኡ ብጽኑዕ ምስ ሓመመ፡ ነታ ስድራቤት 'ብግቡእ' ኣመሓዲሩ’ዩ።
ሓሙሽተ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣምሂሩ።
ብዝረኸቦ ገንዘብ፡ ንሕክምና ኣቦኡ፡ ንኣስቤዛ፡ ከምኡ’ውን ወጻኢታት ትምህርቲ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ይሽፍን ከምዝነበረ ይዝክር።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ እናተማህረ ከሎ ኣዳራሽ ተኻርዩ ካብ 20 ክሳብ 30 ሰባት ሳዕስዒት ብምስልጣን ገንዘብ ይረክብን ምሸት ድማ ኣብ ሓደ ፍሉጥ መዘናግዒ ገማግም ባሕሪ ከም ዲጄ ኰይኑ ይሰርሕን ነይሩ።
ቀዳምን ሰንበትን ናብ እንዳ ሰኣላይ ብምኻድ ቪድዮታት መርዓ ኤዲት ይገበር። እዚኦም ኵሎም እናሰርሐ ኣብ ወርሒ ካብ 8 ክሳብ 10 ሽሕ ብር ይረክብ ምንባሩ ይጠቅስ።
ቅድሚኡ ድማ ስራሕ ዕንጸይቲ ተለማሚዱ ይሰርሕ ነይሩ፤ ኣብ ዕስራታት ዕድመኡ እውን ዲሽ ይጽግን ከምዝነበረ ይዝክር።
ኣቦኡ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ሕጂ ነታ ስድራቤት ናይ ምምሕዳር ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣሎ።
ኣብ ስርሑ ዘማዕበሎ ጻዕሪን ተስፋ ዘይምቝራጽን ነቲ ንመጻኢ ኣርሒቑ ዝሓስቦ 'ኦንላይን ስራሕ' ብዙሕ ከም ዝጠቐሞ ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







