ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ምቍራጽ ኢንተርነት መንቀሊኡ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያ፡ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ዝርከቡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት፡ እቲ ኣገልግሎ ድኹም ከምዝዀነ ኣብ ዘማርሩሉ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዉ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጸገም ከምዝነበረ ተኣሚኖም።
ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ’ውን ገሊጾም።
እዚ ዝተዳኸመ ኣገልግሎት ውጽኢት ናይቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ኣቢሉ ነቲ ዞባ ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ኣብ ዘራኽብ ገመዳት ትሕቲ ባሕሪ ዘጋጠመ ብልሽት ምዃኑ ክኢላ እቲ ኢንዱስትሪ ቤን ሮበርትስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ መጋቢት እውን ኣብ ገለ ክፋል ምዕራብን ደቡብን ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ምቍርራጽ ኢንተርነት ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።
ምትእስሳር ኢንተርነት ዝከታተል ክላውድፍሌር ራዳር ዝተበሃለ ትካል፡ ታንዛንያ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት ከምዝዀነት ብምግላጽ ኣብታ ሃገር ዋሕዚ ናይቲ ኣገልግሎት ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ደረጃ ናብ 30 ሚእታዊት ከምዝወረደ ኣመልኪቱ።
ጋዜጣ ሲቲዘን ታንዛንያ ነቲ ዘጋጠመ ምቍራጽ ኢንተርነት ‘ንዓበይቲ ቻነላት መርበብ ሓበሬታ ዝጸለወ’ ክትብል ገሊጻቶ።
ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ምቍራጽ ኢንተርነት ዘማረሮም ዓማዊሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ንዝቐረብዎም ጥርዓናት መልሲ ክህቡ ተራእዮም ኣለዉ።
ኤርቴል ኬንያ፡ ሓደ ኬንያዊ ተጠቃሚ ‘ጸወታ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንጻር ኣርሰናል ክንርኢ ንኽእል ዲና?’ ክብል ንዘቕረቦ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ጕጅለ ክኢላታቱ ኣብ "ጉዳይ መርበብ" ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሳፋሪኮም እውን "ጸገም ከምዘጋጠሞ" ገሊጹ።
ኤርተል ዩጋንዳ ብወገኑ ብዛዕባ እቲ "ምቍርራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት" ኣፍልጦ ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ። ከምኡ'ውን ኤምቲኤን ሩዋንዳ ኣብ "ዓለማዊ ምትእስሳራት ኢንተርነት ጸገም ምዝባዕ" ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ማላዊ፡ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን እውን በዚ ጸገም ከምዝተሃስያ ክላውድፍሌር ራዳር ይሕብር።
ሮበርትስ ካብ ፓን-ኣፍሪቃዊ ኩባንያ ሊክዊድ ኢንተለጀንት ቴክኖሎጂስ፡ እቲ ካብ ገማግም ባሕሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኸይድ ብ ‘ኢዚ’ ዝፍለጥ ሓደ ገመድ ብሰንበት ኣብ ወደባዊት ከተማ ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተቘረጸ ኣረጋጊጹ።
ካልእ ገመድ እውን ዝተበተኸ ኰይኑ፡ ሽርሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ንዝብል ሓሳብ ቅቡል ዘይገበረ እቲ ክኢላ ምናልባት ናይ ኣጋጣሚ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ካልኦት ንምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ ኣውሮጳ ዘራኽቡ ገመዳት ኣለዉ እዮም። ግን ከኣ ብዙሓት ዓበይቲ ኩባንያታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ማእከላት ዳታ ስለዘለወን እቲ ‘ኢዚ’ ዝተበሃለ መስመር ኣብ ዝህቦ ኣገዳሲ ምትእስሳር ዝወረደ ጉድኣት ዓቢ ጽልዋ ከሕድር ኪኢሉ’ሎ።
ኣብ መጋቢት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ላይበርያ፡ ቤኒን፡ ጋናን ቡርኪናፋሶን ኣብ ዝርከብአን ሃገራት ሰፊሕ ምቍራጽ ከምዝተራእየ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ንሱ’ውን ብሰንኪ ምብልሻው ገመድ ከምዝተኸሰተ እዩ ተገሊጹ። እቲ ጠንቂ ንጹር'ኳ እንተዘይነበረ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ንዝርከቡ ሚልዮናት ዓማዊል ዘበሳጨወ ጸገም ኰይኑ እዩ ሓሊፉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







