ባብ ኤል-መንደብ፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሑቲ ኣባላታ ዝራሕርሑዋ ንግዳዊት መርከብ

ኣባላት ናይታ ባንዴራ ሃገረ በሊዝ ሰቒላ እንትትጓዓዝ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተሃረመት መርከብ ጽዕነት ብሪጣንያ ገዲፎምዋ ግዒዞም።

እታ ኣብ መሽመጥ ዓደን ትጓዓዝ ዝነበረት 'ሩቢማር' ዝተባህለት መርከብ፡ ናብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ከትበጽሕ ምስቀረበት'ያ እቲ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ።

ኣፈኛ ጕጅለ ሑቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ መርከብ "ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዳን" ብሰንኩ ክትጥሕል ከምእትኽእልን ተዛሪቡ።

ነቲ "ዘይሓለፍነታዊ መጥቃዕቲ" ዝዀነነት ብሪጣንያ፡ መራኽብ ሓይልታት ባሕሪ ልፍንታውያን ሃገራት፡ "ድሮ ኣብቲ ቦታ" ከምዝበጽሓ ገሊጻ።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ የመናውያን ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ'ዛ መርከብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ካብቲ ድሕሪ ውግእ ቓዛ ምጅማሩ ዘካየድዎ ዝኸፍአ መጥቃዕትታት እዩ።

እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብቐይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ፈጢሮሞ ዘለዉ ሓደጋ ንምግታእ ከካይዳኦ ዝጸንሓ ብደብዳብ ሚሳይላት ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዛጊት ለውጢ ከምዘየምጽአ ዘርኢ'ዩ።

መጥቃዕትታት ሑቲ፡ ብዙሓት ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ፡ መራኽቦም ካብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ከምዝእለያ ብምግባር ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃን ካብን ናብን ምዕራብን ምብራቕን መገዲ ከንውሓ ኣገዲዱ'ሎ።

ውሕስነት ናይቲ ኣስታት 12 ሚእታዊት ንግዲ ባሕሪ ዝሓልፈሉ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ፡ ንዒላማታት ሑቲ ብሚሳይላትን ነፈርትን ብምድብዳብ ግብረመልሲ ክህባ ምጽንሐን ይዝከር።

ውድብ ንግዲ ባሕሪ ብሪጣንያ (UKMTO) ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት፡ 65 ኪሜ ካብታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ ወደባዊት ከተማ ሞቻ ምስ ሓንቲ መርከብ ዝተኣሳሰረ ፍጻመ ከምዘጋጠመ ሓበሬታ በጺሕዎ።

ሓደ ካብ ሓለፍቲ እታ መርከብ ሰዓት 11 ምሸት "ኣብ ጥቓ እታ መርከብ ነትጒ ከምዘጋጠመን ዕንወት ከምዘውረደን" ሓቢሩ ክብል እቲ ትካል ጠቒሱ።

ብሰኑይ ድማ ኣባላታ ካብታ መርከብ ከምዝገዓዙ ወተሃደራዊ ምንጭታት ከምዝሓበርዎ'ውን እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ።

"እታ መርከብ መልህቓ ሰዲዳ'ላ፡ ኣባላታ ኸኣ ኣብ ውሑስ ኵነታት ኣለዉ" ብምባል፡ "ወተሃደራውያን ሰብመዚ ደገፍ ንምሃብ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ኣለዉ" ኢሉ።

'ኣምብረይ' ዝተባህለ ትካል ጸጥታ ባሕሪ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሓንቲ ናይ በሊዝ ባንዴራ ዘለዋ፡ ናብ ሰሜን ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠማ ሓቢሩ።

ሑቲ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናት ብምቅዋም ነተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ዓላማታት ዝገበረ መጥቃዕትታት ብምክያድ ኣብቲ መስመር ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሮም ይርከቡ።

እቶም ንርእሰከተማ ሰንዓ ተቘጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ግን፡ ነተን ምስ እስራኤል ዝዀነ ርክብ ዘለወንን ናብ ወደባት እስራኤል ዘቕንዓን ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ዮም ዝምጕቱ።

እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት መራኽብ ንግዲን መራኽብ ኲናት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን መሻርኽተንን'ውን ክትኩሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሰብመዚ ወደብ ጅቡቲ 24 ኣባላት ናይታ መርከብ ብሰላም ክወጹ ከምዝሓገዙ ኣፍሊጦም።

እቶም ሰብ መዚ እታ መርከብ 22 ቶን “ኣዝዩ ሓደገኛ” ተባራዒ ድኹዒ ጽዒና ብምህላዋ ናይ ምፍንጃር ሓደጋ ከየጋጥም እውን ኣጠንቂቖም።

ባንዴራ በሊዝ ዝሰቐለት 172 ሜትሮ ንውሓታ መርከብ ሩቢማር ኣመሓደርታ ካብ ሊባኖስ ኮይኖም በዓል ዋናኣ ግና ኣብ ብሪጣንያ ዝተመዝገበ ትካል እዩ።

ብሰኑይ ድማ ካብ ወደብ ዓደን ንምብራቕ ኣብ ዝርከብ ከባቢ፡ ኣብ ጥቓ ናይ ግሪክ ባንዴራ ዝሰቐለት ኣመሪካዊት መርከብ፡ ክልተ ሚሳይላት ከምዝወደቐ ትካል ድሕነት ባሕሪ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ። ኣብታ መርከብን ኣባላታን ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለን ጉዕዞኣ ከምዝቐጸለትን እውን ኣፍሊጡ።

ያሕያ ሳርያ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሑቲ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ይጓዓዛ ዝነበራ ክልተ መራኽብ ኣመሪካ ዒላማ ገይሮም ከምዝተኮሱ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ግን ኣጊት መብርሂ ኣይሃበትን።

ብቐዳም ግና ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተንቀሳቐስቲ ክሩዝ ሚሳይላት፣ ሓንቲ ብውሽጢ ባሕርን ሓንቲ ብዝባን ማይን ዝጓዓዛ ሰብ ኣልቦ ጀላቡ ሑቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ኣፍሊጡ ነይሩ።