እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ተወሳኺ ደብዳባት ከተካይድ ውዒላን ሓዲራን
ኣሜሪካ፡ ሰንበትን ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይትን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ደብዳባት ከተካይድ ከምዝሓደረት ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ብኤክስ ሓቢሩ።
እቲ ማእከላይ እዚ፡ ብሑቲ ናብ መራኽብ ክትኮስ ተጻዊዱ ዝነበረ ኣርባዕተ ሚሳይልን ሓያለ ክሩዝ ሚሳይልን ከምዘዕነወ ኣፍሊጡ።
ብኢራን ዝድገፉ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ባብኤል መንደብ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምክያዶም’የን ኣሜሪካን መላፍንታን ኣብ ልዕሊኦም ደብዳባት ዘካይዳ ዘለዋ።
ብሰንኪ'ቲ ብሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ዝሰግኣ ሓያለ መራኽብ ንግዲ፡ ነቲ መስመር ብምግዳፍ ብደቡብ ኣፍሪቃ ተዃሊለን ጕዕዞአን ከካይዳ ተገዲደን ኣለዋ።
ግብጺ፡ መጠን ናይቲ ካብ መትረብ ስወጽ ትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊ ኣብ ጥሪ ዳርጋ ብፍርቂ ከምዝነከየ ገሊጻ።
ብቀዳም ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝርከቦ ሓያለ ዒላማታት ሑቲ ምድብዳበን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ገለ ነበርቲ እታ ከተማ እቲ ደብዳብ ኣብ መላእ እታ ከተማ ከምእተሰምዐ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ወሃቢ ቃል ዕጡቃት ሑቲ የሕያ ሳርአ ኣብ ኤክስ፡ “እዚ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕትታት፡ ሞራላዊን ሃይማኖታዊን ሓላፍነትና ካብ ምፍጻም ከምኡ'ውን ንፍልስጤማውያን ካብ ምሕጋዝ ኣይክዕንቅጸናን’ዩ፡ ነዚ ከኣ መልሲ ከይሃብናሉን ነቶም ፈጸምቱ ከይቀጻዕናን ኣይክንሓልፎን ኢና” ኢሉ።
ኣሜሪካ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራ ሰለስተ ወተሃደራታ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሮን ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብ ሶርያን ኣብ ዒራቕን ደብዳብ ከምዘካየደትን እዚ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ተካይዶ ዘላ ደብዳብ’ውን መቐጸልታኡ ምዃኑ’ያ ትገልጽ ዘላ።
ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቃት ዝፈጸመቶ ደብዳባት፡ “እዚ ናይ መጀመርታ’ምበር ናይ መወዳእታ ኣይኰነን” ብምባል ነቲ ደብዳባት ገና ከምእትቕጽሎ ገሊጻ ኣላ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጃክ ሱሊቫን ትማሊ ሰንበት ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ገና ተወሰኽቲ እንወስዶም ስጕምትታት ክህልዉ’ዮም” ኢሉ።
ኢራን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ዝዀነ ኢድ ከምዘይብላ’ያ ትገልጽ።
ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ‘ኢስላሚክ ረዚስታንስ’ ዝተበሃለ ጕጅለ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉ’ውን ዝዝከር’ዩ።
እንተዀነ ኣሜሪካ፡ እታ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት ድሮን ኣብ ኢራን ዝተሰርሐት ከምዝዀነት ብምግላጽ’ያ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኢዳ ተወጣውጥ ዘላ።
ብተወሳኺ እቲ ኢስላሚክ ረዚስታንስ ዝተሰመየ ዕጡቕ ጕጅለ’ውን ኣብ ዒራቕ ዓስኪሩ ብኢራን ከምዝስልጥንን ከምዝዓጥቕን'ያ ኣሜሪካ ትኸስስ።
ኣሜሪካ ኣብቲ ብዓርቢ ዝፈጸመቶ ደብዳባት “ማእከላት እዚ፡ መኸዘኒ ኣጽዋራት፡ መሰልጠኒ ማእከልን ካልእ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝካየደሉን” ከምዘጥቐዐት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጹ ነይሩ።
ጆ ባይደን ብተወሳኺ፡ ኣሜሪካ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕትታት ቀንዲ ዕላማኡ እቶም ዕጡቃት ተወሳኺ መጥቃዕትታት ንኸየካይዱ ብምልማስ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ብዘየጋድድን ሞት ሰለማውያን ሰባት ከየጋጥምን ብጥንቃቐ ተካይዶ ከምዘላ ገሊጹ።
ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዘካየደቶ መጥቃዕትታት ካብ ዒራቕ፡ ሶርያን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን ኵነኔ ኣስዒቡላ ኣሎ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ፈራሕ ኣላዲን ብዓርቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ “ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ቅድመ መጠንቀቕታ ኣይተወሃበናን” ኢሉ።
እቲ ኣማኻሪ፡ “ቅድመ መጥንቀቅታ ይሃቡ ኣይሃቡ ብዘየገድስ ዒራቕ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ዝተዘንገዐ ይመስል” ኢሉ።
ሚኒሰተር ጉዳያት ዖማን ባድር ኣልቡሰይዲ ብሰንበት ንማዕከን ዜና ዖማን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ምብሕጓግ ጸጥታ ተሻቒላ ከምዘላ ብምግላጽ፡ “እዚ ኣሜሪካ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ነዚ ናይዚ ዞባ ጸጥታ፡ ርግኣትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ነቲ ኣንጻር ሕሉፋትን ዝግብር ቃልሲ ብድሆ ዝኸውንን’ዩ” ኢሉ።