የመን፡ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ዒላማታት ሑቲ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ቀጺለን

ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ የመን ኣብ 13 ቦታታት ኣብ ዝርከቡ 36 ዒላማታት ሑቲ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ቀጺለን ኣለዋ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራ ድሕሪ ዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ብዓርቢ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ኣብ ዝርከቡ 85 ዒላማታት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዳ'ዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ወተሃደራቱ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ዝሕተት እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሚልሻ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ባይደን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ግብረ-መልስና ሎሚ'ዩ ጀሚሩ። ኣብ ዝመረጽናዮ እዋንን ቦታታትን ክቕጽል'ዩ" ኢሉ’ሎ።

ኢራን ኣብቲ ኣብ መደበር ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይብላ ዘፍለጠት ኰይና ነቲ ክሲታት "መሰረት ኣልቦ" ብምባል "ኣብ ውሳነታት ጕጅለታት ተቓውሞ ኢድ ከምዘይነበራ" ገሊጻ።

ምክልኻል ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ምስ ብሪጣንያ ብምዃን ዝካየድ ዘሎ ሓበራዊ ወፍሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ 36 ዒላማታት ሑቲ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ኣረጋጊጹ።

እቲ መግለጺ፡ በዞም ሓደስቲ መጥቃዕትታት ምስ "ብዕምቈት ዝተቐብሩ መኽዘናት ኣጽዋር፣ ስርዓታት ሚሳይላትን ላንቸራትን፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየርን ራዳርን" ሑቲ ዝተኣሳሰሩ ቦታታት ከምዝሃረሙ ይሕብር።

ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን፡ እቲ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ኣብ የመን ዝርከብ ጕጅለ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ንዘካይዶ ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ እዮም ሳልሳይ ዙር ሓባራዊ መጥቃዕቲ ከፊቶም ዘለዉ።

ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ኣውስትራልያ፣ ባሕሬን፡ ካናዳ፡ ዴንማርክን ሆላንድን ኒውዚላንድን ብዝመጹ ሓይልታት እውን ይድገፋ ምንባረን ይግለጽ።

እቲ መጥቃዕቲ "ብዕምቈት ዝተቐብረ መኽዘናት ኣጽዋር፡ ስርዓታት ሚሳይላትን ላንቸራትን፣ ስርዓታት ምክልኻል ኣየርን ራዳርን" ዒላማ ከም ዝገበረ ዝግለጸሉ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ ማእከላት ቁጽጽር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እውን ከምዝሓውስ ጸረ-ሑቲ ጥምረት ይሕብር።

ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ ግራንት ሻፕስ፡ እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ "ከም ምጉህሃር ኣይኮነን" ኢሉ።

ሄሊኮፕተራትን ስርዓታት ምቍጽጻር ሚሳይላትን ካብ መንጎ’ቶም ዝተሃርሙ ዒላማታት ከምዝዀኑ ድማ ተፈሊጡ።

ማእከለይ እዚ ኣሜሪካ እቲ ብቐዳም ዝጀመረ መጥቃዕቲ፡ ኣካል ናይቲ "ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ኣብቲ ዞባ ዘሐይሎ ዘሎ ዘይምርግጋእን ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ምላሽ ንምሃብ ዝካየድ ቀጻሊ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት እዩ" ኢሉ።

እቲ ማእከላይ እዚ ወሲኹ፡ ጕጅለ ሑቲ "ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻዊ ንግዳዊ መራኽብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕትታት ክሳብ ዝቐጸለ ንዘለዎ ዓቕሚ ንምድኻም ዝዓለመ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ኣብ የመን ጸረ-መራኽብ ሚሳይል ከምዘዕነወ ይሕብር።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓይልታቱ "ኣንጻር ካብ ሑቲ ዝፍኖ ጸረ መርከብ ክሩዝ ሚሳይል ንነብሶም ንምክልኻል መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ" ኣፍሊጡ’ሎ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብኛ ስዒድ ሸሃታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ የመን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብዝምልከት ገምጋሙ ከቐምጥ ከሎ፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ንሑቲ ስለዘይገትአ "ለውጢ ኣየምጽእን" ይብል።

"ከም አጋጣሚ እቶም መጥቃዕቲታት ክሳብ ሕጂ ንዕላማኦም ዘዐወቱ ኣይኰኑን" ክብል ዝገልጽ ሸሃታ፡ ምኽንያቱ እተን ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢለን ንግዲ ዘካይዳ ዝነበራ ኩባንያታት ሕጂ'ውን ኣብ ዙርያ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝነውሐን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን መስመር ክወስዳ ይመርጻ ምህላወን ጠቒሱ።

ዕጡቓት ሑቲ’ውን ንመጥቃዕቲ ኣሜሪካ ሕነ ክፈድዩን ኲናት ቓዛ ደው ንኽብል ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክፈጥሩን ክቕጽሉ ምዃኖም ሸሃታ ይገልጽ።