እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝሰደደቶም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ እንታይ ገጢምዎም?

ወዲ 36 ዓመት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ባህኣበሎም መንገሻ፡ ናብ ሩዋንዳ ምምላስ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ዩ። ግን ኣብኡ ነዊሕ ኣይጸንሐን።

ባህ ኣበሎም፡ ብ2007 ካብ ኤርትራ ግዱድ ዕስክርና ኣምሊጡ ብመገዲ ሰሃራን ሲናይን እዩ ናብ እስራኤል ኣትዩ ዑቕባ ሓቲቱ።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ እቲ ዝተዋህቦ ግዝያዊ ፍቓድ ተሓዲጉ፡ ሰለስተ ኣማራጺታት ቀሪቡሉ።

እቲ ሓደ፡ ናብ ሃገሩ ምምላስ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ መዳጐኒ ማእከል ክኣቱ ዝብል እዩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ክኣ፡ 3,500 ዶላር ተዋሂቡዎ ናብ ሩዋንዳ ክምለስ ነበረ።

ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ዘሎ ባህኣበሎም፡ እዚኦም ፍጹም ኣማራጺ ኣይመስሉን ክብል ይዝክሮም።

ካልእ ኣማራጺ ግን ኣይነበሮን።

“ዝዀነ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ብፍቓዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይከይድን እዩ። ናብ ኤርትራ ምምላስ ማለት ከኣ ማእሰርቲ ባህሊ ናብ ዝኾነ ሃገር ምምላስ እዩ፡” ይብል።

ስለዚ፡ ሩዋንዳ መሪጹ።

ይዅን እምበር ባህኣበሎም ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይተገብረሉን።

ገና እግሩ ኪጋሊ ምስ ረገጸ፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ ክኸይድ ከም ዘለዎ ተነጊርዎ። ዝኽፈል ከፊሉ ከኣ ከደ።

ካብ ሩዋንዳ ክወጽእ ዝገበረ መን ምዃኑ ብወግዒ ኣይፍለጥን። ንሱ ግን ኢድ ሰብ መዚ ሩዋንዳ ኣለዎ’ዩ ኢሉ ይኣምን።

ብሪጣንያ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራ ዝኣተው ስደተኛታት ክትመልሶም ዘኽእላ ስምምዕ ምስ ፈረመት፡ ሩዋንዳ፡ ንስደተኛታት ውሕስቲ ሃገር እያ ዝብል ምጕት ሕቶታት ኣልዒሉ’ዩ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምልዓል ኣጠንቂቐን።

ይዅን’ምበር፡ ኣብ መንጐ እቲ ብሪጣንያ ምስ ሩዋንዳ ዝበጽሓቶ ስምምዕን እስራኤል ዝገበረቶ ውዕልን ሰለስተ መሰረታዊ ፍልልያት ኣለውዎ።

“ብፍቓድካ ምኻድ” ዝብል መደብ እስራኤል፡ ስደተኛታት ብፍቓዶም ናብ ሩዋንዳ ከም ዝኸዱ ዘመላኽት ኰይኑ፡ ብሩጣንያ ግን ኣገዲዳ እያ ክትመልሶም።

ብተወሳኺ፡ ዘይከምቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወግዒ ዝኣወጀቶ፡ እስራኤል ስደተኛታት ንምምላስ ምስ ሩዋንዳ ዝኣተወቶ ውዕል የብላን።

እንተዀነ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ቅድሚ እቲ ሚስጢራዊ ስምምዕ ወግዓዊ ምዃኑ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተትቲ ዕቑባ ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ተመሊሶም።

ባህኣበሎም፡ ኣብ መስከረም 2014’ዩ ናብ ኪጋሊ ተሰዲዱ።

"ናብ ሩዋንዳ ምምላስና ግን [ንኤውሮጳ ካብ ምብጻሕ] ኣይዓገተናን። ኣብኡ’ውን ደው ኣይበልናን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ

ቢቢሲ ንሓያሎ ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝተላእኩ ናይ ቀደም ሓተቲ ዑቕባ ኣዘራሪቡ እዩ።

ኵሎም፡ ኣብቲ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ዝተገብረ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ መደብ ዝኸዱ እዮም። መብዛሕትኦም ክኣ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ሓቲቶም ይነብሩ ኣለው።

ብተመሳሳሊ መገዲ ዝመጽአ ሓደ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብር ሰብ ከም ዘሎ’ውን ንፈልጥ ኢና። ካልኦት ብኽኢላታት ጉዳይ ስደተኛታት ቃለ-መጠይቕ ዝተገብረሎም ሰባት’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ’ዮም ኣካፊሎም።

መብዛሕትኦም፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ጆን ዝተባህለ ውልቀሰብ ከም ዝተቐበሎም ይዛረቡ።

እዚ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዝተዘርበ ስለ ዝዀነ፡ እዚ “ጆን” ዝተባህለ ውልቀሰብ ክሳብ መወዳእታ ዝነበረ ድዩ ዝብል ምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ።

እቶም ስደተኛታት ግን፡ ናብታ ሃገር ምስ ኣተው ቅድሚ ናብ ዝዓርፍሉ ሆቴል ምዃዶም፡ ሰብመዚ ሩዋንዳ ኢና ዝበሉ ሰባት ወረቓቕቶም ከም ዘሕደጉዎም ይገልጹ።

ድሕሪኡ፡ ናብ ዶብ ዩጋንዳ ንኸብጽሑዎም 500 ዶላር ክኸፍሉ ተሓቲቶም። እተን ናብ ርእሲ ከተማ ካምፓላ ዝወስዳኦም መካይን ኣብ ግዳም ክጽበያኦም ጸኒሐን።

ስለዚ፡ ገንዘብ ክኸፍሉ ተሓቲቶም። ኣብ ሩዋንዳን ዩጋንዳን፡ ፍቓድ ስራሕ ወይ ካልእ ሰነዳትን ስለ ዘይነበሮም፡ ናብቲ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝዀነ ናይ ሞት ጉዕዞ ሜድትራንያን ክኣትው ተገዲዶም።

ባህኣበሎም ኣብ ሩዋንዳ ክጸንሓሉ ዝኽእል ኣማራጺ ከም ዘይነበረ ይዛረብ።

"ክትከይድ ክፈል እንተ ተባሂልካ፡ ግድን’ዩ ዝተበሃልካዮ ትገብር” ይብል።

ካልእ መብራህቶም ተስፋሚካኤል ዝተባህለ ሓታቲ ዑቕባ፡ እቶም ዝፍጸሙ ዝነበሩ ነገራት ኣመልኪቱ ን”ጆን” ከም ዝተኻትዖ ይገልጽ።

“ምስኡ ብውልቂ ኣዕሊለ’የ” ዝብል መብራህቶም፡ ኣብ እስራኤል መዳጎኒ ማእከል ሆሎት ንትሸዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ2014 ናብ ኪጋሊ ከም ዝኣተወ ይሕብር።

እዚ ጆን ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ “ካብዚ ክትወጽእ ኣለካ” ምስ በሎ “ንምንታይ? ካብ እስራኤል ክንወጽእ እንከለና ኣብ ሩዋንዳ መሰል ስደተኛታት ከም ዝወሃበና እዮም ነጊሮምና፡” ኢለዮ

ንሱ ኸኣ፡ “ምናልባት ንሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ክትጸንሑ ተፈቒዱልኩም ይኸውን፤ ድሕሪኡ ግን ክትወጽኡ ኣለኩም” ከም ዝበሎ ተዛሪቡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ናብ ሩዋንዳ ዝኣተወ ተስፋይ ጉዕሽ ብወገኑ፡ ሰብ መዚ ሩዋንዳን ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባትን ብሓባር ይሰርሑ ነይሮም’ዮም ዝብል እምነት ኣለዎ።

“ከም ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ ሩዋንዳ ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክግበረለይን ዝሓሸ ክንክን ክረክብን ትጽቢት ነይሩኒ” ይብል።

እንተዀነ፡ ኣካላት ጸጥታን ሲቪልን ብሓባር ክሰርሑ ስለ ዝርኣየ ውሕስነት ኣይተሰምዖን።

“ኣብኡ ክንጸንሕ ኣይደለዩናን” ይብል።

"እንተደኣ ሓደ ሰብ ዶብ ክትሰግር ይተሓባበረካ ኣሎ፡ ብሕቡእ እዩ ዝገብሮ። ንሳቶም ግን፡ ብቓልዕ እዮም ዝገብርዎ ነይሮም። ንኣብነት፡ ናብ መፈተሺ ነቑጣታት ክንበጽሕ እንከለና፡ ነቶም ኣባላት ሓለዋ ሰነዳት የርእዩዎም’ሞ የሕልፉና። በዚ’የ እዞም ሰባት ተሓባቢሮም እዮም ዝሰርሑ ኢለ” ይብል።

ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶኡ ዝሃበ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ብዛዕባ እዚ ክሲ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ምጽራይ ከም ዝገብር ሓቢሩ።

ወሃቢት ቃል መንግስቲ፡ “ሕግን ስነ ምግባራዊ መዐቀኒታትናን ጥሒሱ ዝተረኽበ ዝዀነ ኣካል ተሓታቲ ክኸውን’ዩ። መንግስቲ ግን ውሕስነት ህዝቡ፣ ናብ ሃገሩ ዝመጽኡ ሰባት ከምኡ’ውን ስደተኛታት ምርግጋጽ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ጉዳይ’ዩ” ኢላ።

መገዲ ስደት ዕጫና ነልዕል

ባህኣበሎም ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ግሪኽ መጺኡ። ብመሬት ከኣ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዩ።

ሕጂ ኣብ ዙሪክ ናይ መወዳእታ ናይ “ምልሓም ሓጺን” ፈተና ወሲዱ ብቝዕ ሰራሕተኛ ንክኸውን ይጽዕር ኣሎ።

ንነብሱ ምስቶም ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ዝተላእኩ ሰባት ከነጻጽራ እንከሎ፡ ድሕሪ ብዙሕ ኮለል፡ መከራን ድኻምን ናብ ኤውሮጳ ምእታው ከም ዕድለኛ እዩ ዝርእያ።

"ኣብ ሊብያ ብእስላማውያን ጥሩፋት 'ብዳዒሽ' ዝተሰየፉን ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ብውሕዱ 10 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት እፈልጥ እየ፡" ይብል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ኣብ ዝርከብ ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ዝሰርሕ ዶክተር ዮታም ጊድሮም ንውጽኢት ናይቲ ናይ እስራኤል ስደተኛታት ናይ ምምላስ ፕሮጀክት ኣብ ምክትታል ይሳተፍ ነይሩ ።

ንሱ፡ እቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ ወረ በቶም ናብ ኤውሮጳ ዘሰጋግሩ ደላሎ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ይዝርጋሕ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ናብ ኤውሮጳ ብኮንትሮባንድ ናይ ምስግጋር መገዲ ልዑል ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ይገልጽ።

"እቲ ናይ ምምላስ ውጥናት፡ ሱዳናውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ወይ ዩጋንዳ ርጉእ መጻኢ ከም ዝህልዎም መሲሉ’ዩ ቀሪቡ” ይብል ።

እንተኾነ እቲ እስራኤላውያን ሰበስልጣን፡ ኣብ ሩዋንዳ ንስደተኛታት ብዛዕባ ዝወሃብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን መሰልን ዝዘርግሑዎን ወረን መብጽዓን ጭቡጥ ኣይነበረን።

እቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ ውጥን፡ ነቶም ኣብ እስራኤል መጻኢኦም ክርእዩ ዘይከኣሉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ሃገር ኣፍሪቃ ወይ ናብ ኤውሮጳ መገዲ ከም ዝኸፍት ዕድል ኮይኑ ተወሲዱ።

ብዛዕባ ስደትን ጉዕዞ ስደትን ዝመራመሩ ክኢላታት፡ ንስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምጥራዝ፡ ነቶም ግዳያት ንዝያዳ ሓደጋ ምዝውዋር ሰባት ከም ዘቃልዕ ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኣለው።

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ጉዳይ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ስቲቭ ስሞንድስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዑቕባ ንዝሓተቱ ሰባት ናብ ዘይፈልጥወንን ምንም ርክብ ናብ ዘይብሎም ሃገራት ምስጓጕ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ፈተነ ፕሮጀክቱ፡ ንገለ ስደተኛታት ሕቶ ዑቕባኦም ኣብ ሩዋንዳ ንኽረአ ናብታ ሃገር ክሰዶም እዩ።

መንግስቲ ሩዋንዳ፡ እቲ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገብረ ስምምዕ ካብቲ ናይ እስራኤል ዘይሰርሐ ፕሮጀክት ዝተፈልየን ንጹርን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

"[እዚ ሕጂ ብሓዲሽ መርሓ ግብሪ] ንስደተኛታት ብዅሉ መዳያት ክሕገዙን ምስቲ ማሕበረሰብ ክወሃሃዱን ዝተማልአ ሓገዝ ዝህብ ውጥን እዩ” ከኣ ይብሎ።

እዚ ሓገዝ ጽቡቕ መንበሪ ገዛ፡ ሕጋዊ ምኽሪ፡ ኣገልግሎት ትርጕም፡ ስልጠና ቋንቋ፡ ከምኡ ‘ውን ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ዘጠቓልል ዝተማልአ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ኣሎዎ ከኣ ይብል።

ብተወሳኺ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ "ነቶም ሓደስቲ ምጻእ ምስቶም ድሮ ኣብ ሩዋንዳ ሓድሽ ህይወት ዝመስረቱ ሰባት ዝላለይሉ ዕድል ክፍጠር እዩ። [እቶም መነባብሮም ዝተረጋግአ ሰባት] ዋላ ሓደ ኣካል ፕሮግራም እስራኤል የብሎምን" እውን ይብል።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ንትግባረ እቲ መደብ ብደቂቕ ከም ዝከታተሎ ሓቢሩ።

ሓደ ወሃብ ቃል ንቢቢሲ. ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ምስቲ ኣብ ዓለም ፍሉጥን ፈጠራውን ናይ ስደት መሻርኽትና መንግስቲ ሩዋንዳ፡ እቶም ሓደገኛ ጕዕዞ ስደት ዘካይዱ ሰባት ንሩዋንዳ ተመሊሶም ሓድሽ ህይወት ንኽሃንጹ ንምሕጋዝ ብናይ ሓባር ኮሚተ ምክትታል ክግበረሉ እዩ፡” ኢሉ።