ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ፡ ድሕሪ 105 ሰዓታት ካብ ዝተደብዮ ዝወጽአ ህጻን

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቱርካዊ ዓባስ መጻወቲት መኪና ሒዙ ኣብቲ ዝደቐሶ ዓራት በታ መኪና ክጻወት ክትርእዮ እንከለኻ ካብ ዝጸንሖ ስንባደ ወጺኡ ናብ ሓውሲ ምዝናይ ዝተመለሰ ይምስል።

ዛንትኡ ሓደ ካብ ኣደነቕቲ ዛንታታት ምድሓን ካብ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ንዓባስ ካብቲ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝፈረሰ ገዛ፡ ድሕሪ 105 ሰዓታት’ዮም ኣውጺኦሞ።

ካብቲ ፍርስራስ ወጺኡ ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ዘድልዮም ሕሙማት ክመጽእ እንከሎ ኣካላቱ ከርዲዱ ሙቐት ሰብነቱ ናብ 28 ዲግሪ ሰንቲ ግሬት’ዩ ወሪዱ ነይሩ።

ዓባስ ብህይወት ክወጽእ ክኢሉ’ምብር፡ ጓል ሸውዓት ዓመት ሂራኑ ሓፍቱን፡ ወዲ ትሽዓት ዓመት ኣልፕ ሓዉን ኣቡኡን በቲ ፍርስራስ ናይ ገዝኦም ተጸቒጦም ሞይቶም’ዮም።

ኣብቲ ብሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃሰየ ክፋል ቱርኪ ካብ ሓደ ገዛ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተን ልዕሊኡን ሞይቶም ወይ’ውን ስድራ ምልእቲ ጸኒታ ዝብል ዕላል ፈቐድኡ’ዩ ዘሎ፥ ዘይተተንከፈ የለን ምባል’ውን ይክኣል’ዩ።

ኣቶ መሓማት ኣብ በጎኒ ዓራት ናይ ዓባስ ኮፍ ኢሉ፡ ጸሊምን ለማሽን ጸጉሪ ዓባስ እናደራረዘ ብዛዕባ ነቲ ውጻእ መዓት ዝኾነ ወዲ ወዱ፤ ዓባስ ኣዕሊሉኒ።

“ዓባስ ለዋህ ቖልዓ’ዩ፡ ሓያልን ቅኑዕን ከኣ” ብምባል ከኣ ይገልጾ።

ኣቶ መሓመት ወዲ 72 ዓመት ሽማግለ’ዩ፡ ክሳብ ብህይወት ዘሎ ከኣ ንወዱ ወዱ ከም ኣቦኡ ኮይኑ ከዕብዮ ከምዝኾነ’ዩ ነጊርኒ።

“እዞም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንህይወት ዓባስ ንምድሓን ዘይገበርዎ ነገር የለን” ድሕሪ ምባል “ፍቓድ ኣምላኽ ተሓዊስዎ ኸኣ ብህይወት ክድሕን ክኢሉ” ይብል ኣረቲ መሓማት።

ዶኳተር ነቲ ኣብ እግሪ ዓባስ ዝነበረ ባንዴጅ ክቕይርሉ እንከለዉ፡ ዓባስ ብርቱዕ ቃንዛ ከምዘለዎ ኣብ ገጹ ይንበብ ነይሩ፡ ጸጋማይ እግሩ ሕበጥ ኣለዎ፡ ሕጂ ግን ጽቡቕ ምምሕያሽ’ዩ ዘርኢ ዘሎ።

ዓባስ ኣይትዘኽትም ስለዝበሎ፡ ኣዲኡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ወጺኣ ኣላ፡ እንተኾነ ካብ ዝወጽእ ኣይተረኣኣዩን፤ ንሳ’ውን ማህረምቲ ስለዘለዋ ኣብ ካልእ ሆስፒታል’ያ ትሕከም ዘላ፡ ማህረምታ ግን ኣዝዩ ዘስግእ ኣይኮነን።

ህጻን ዓባስ ዘለዎ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ዘድልዮም ህሩማት ዝሕከምሉ ክፍሊ እስራኤላውያን ሓካይም ዝመስረትዎ’ዩ።

ትማሊ ሰኑይ ናብቲ ክፍሊ ክንኣቱ ተፈቒዱና ኣብ ዝኣተናሉ ብዙሕ ዘደንቕ ክስተታት ዘሕለፉ ህሩማት’ዮም ጸኒሖሙና።

ሓደ ካብኦም ወዲ 65 ዓመት ሳምሪ’ዩ።

ሶርያዊ ሳምሪ፡ ካብቲ ዝተደብዮ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት’ዩ ብሓገዝ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣተድሕን ብህይወት ክወጽእ ክኢሉ።

እንተኾነ ክልቲኤን ኣእጋሩ ብኸቢድ ስለዝትሃሰያ ክቁረጻ ነይርዋን፤ ሕጂ እተን ቅድሚ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ዝጎየለን ዝነበራ ክልተ ኣእጋሩ ምስኡ የለዋን።

ትማሊ ሰኑይ ሰሙኑ ዘቁጸረ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ብውሕዱ 35 ሽሕ ሰብ ቀዚፉ ኣሎ።

እቶም ኣብ ሕክምና ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ኸኣ፡ ነቶም ብህይወት ዝበጽሑ ንምድሓን ትንፋስ ዘይህብ ሰሙን’ዮም ኣሕሊፎም።

ዶክተር መሓመት ሲሃም እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ካብ ከተማ ኢስታምቡል ከይውዓለ ከይሓደረ’ዩ ናብቲ ብኸቢድ ዝተጠቐዐ ከባቢ ከይዱ።

“ ኣዝዩ ሕማቕ ሓደጋ’ዩ፥ ብዙሓት ህጻናት በዚ ሓደጋ ዘኽቲሞም ኣለዉ። ክገልጾ ኣይክእል’የ ኣዝዩ ከቢድኒ ኣሎ” ብምባል ዘረብኡ ክውድእ ኣይክኣለን።

ኣብቲ ብኸቢድ ተሃስዩ ዘሎ ካባቢታት ቱርኪ ብዙሓት ዓለምለኻውያን ሓኻይም ሞያዊ ሓገዛት ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብ ከተማ ቱርጎኩሉ፡ ሓካይም ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኸልዎ ቀጠልያ ቴንዳታት፥ ኣብ ጎኒ’ቲ ብቱርካውያን ሓካይም ዝተተኸለ ቀይሕ ቴንዳታት ተተኺሉ ይርአ።

እዞም ብሪጣንያውያን ሓካይም ኣብ ሓደ ጎልጎል ኣብ ዝተኸልዎ ቴንዳታት ብምዃን’ዮም ንህሱያት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ።

እቲ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምግጣሙ ዝነበረ ብርቱዕ ጠለብ ህጹጽ ረድኤት ተሰጊሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ እንተኾነ ሕጂ ልዕሊ 80 ሽሕ ዝኾኑ ኣብቲ ካባቢ ዝርከቡ ሰባት ንሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ተቓሊዖም ኣለዉ።

ዶክተር ብርዮኒ ፖይንቶን ካብ ቺስተር ዝመጽአት ሓኪም’ያ።

ኣካል ናይቶም ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ወለንታዊ ሕክምናዊ ሓገዝ ክህቡ ዝመጽኡ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝምወሉ ጉጅለ ሓካይም’ያ።

“ምስቶም ኣብዚ ዝጸንሑና ቱርካውያን ሓካይምን ነርስታትን ኮይንና ኢና ንሰርሕ ዘለና፥ ቴንዳታት ዘርጊሖም’ዮም ክሰርሑ ጸኒሖሙና፤ ንሕና ኸኣ ተጸንቢርናዮም፤ እንተኾነ እዚ ቦታ ብህሩማት ኣዕለቕሊቑ’ዩ ዘሎ” ትብል።

ዶክተር ብርዮኒ ፖይንቶን ብምስዓብ “ኣብ ልዕሊ እዞም ብሰንኪ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃሰዩ፡ ሕዱር ሕሙማ ዘለዎም እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ዝነበሩ ሆስፒታላት ስለዝዓነወ ግን ዝኾነ ሕክማናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘይክኣሉ ሰባት’ውን ኣለዉ። ስለዚ ንሕና ኣብ ምዓልቲ ክንድቲ ንኽእሎን ልዕሊኡን ኢና ንርኢ ዘለና” ትብል።

ኣብ ቱርኪ ካብ ብዙሓት ሃገራት ንሓገዝ ዝመጽኡ ዶኳትርን ነርስታትን ነቲ ዘሎ ጸገማት ንምቅላል ይሰርሑ ኣለዉ፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ኣእምሮ ሰባትን ኣብታ ሃገርን ዘሎ በሰላ ግን ብቐሊሉ ዝእለ ኣይመስልን’ዩ።