'ረድኤት የለን፡ ቴንዳ የለን'፡ ሶርያውያን ንምንታይ’ዩ ዝተረስዑ ዝመስሎም?

እቲ ቴንዳታት ኣብ ጥቓ ዶብ ሶርያን ቱርኪን’ዩ ዘሎ፤ ኣብ ገሊኡስ ወረ ነቲ ዶብ ኣዝዩ ተጸጊዕዎ’ዩ።

እዞም ብወገን ሶርያ ኣብዚ ቴንዳታት ዝነብሩ ዘለዉ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ’ዮም።

ኣብ ሞንጎኦም ከኣ ብሰንኪ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ሶርያን ቱርክን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ሞተ ዝድሓኑ ይርከብዎም።

እቲ ብሰኑይ ዘጋጠመ 7.8 ሬክተር ዓቐን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ሰብ ዘይብል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ’ዩ ኣስዒቡ።

እንተኾነ እቶም ናብ ወገን ሶርያ ሰብኣዊ ሓገዛት ከብጽሑ ዝደልዩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ እቲ ከባቢ ብተቓውምቲ መንግስቲ ዝተተሓዘ ስለዝኾነ ተፍትሽ ስለዝበዝሖም ኣብ ምዕዝምዛም’ዮም ዘለዉ።

ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ ከኣ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ብዓበይቲ ማሽነሪታት፥ ብሓካይምን ብዕሉማት ኣኻልብን ተሰንዮም ኣብቲ ፍርስራስ ገዛውቲ ገና ብህይወቶም ዘለዉ ሰባት እንተረኸቡ ቀትርን ለይትን ኣብ ምድላይ ይርከቡ።

ኣብቲ ብተቓወምቲ ተታሒዙ ዘሎ ክፋል ሶርያ ግን እዚ ኩሉ ነጥፈታት የለን።

ካብታ 24 ሰዓታት ስራሓት ህይወት ኣድሕን ዝካየደላ ዘሎ ናይ ቱርኪ ከተማ ኣንታክያ’የ ዶብ ሰጊረ ናብ ሶርያ ኣትየ።

እዛ ሳንያ ዝተብሃለት ኣብ ዞባ ኢድሊብ ናይ ሶርያ እትርከብ ከተማ ኩሉ ነገር ጸጥ ኢሉ ኣሎ።

እዛ ኣብ ጥቓ ዶብ እዘን ክልተ ሃገራት ትርከብ ከተማ ዝበዝሐ ገዛውታ ሓደሽቲ ዝተሃንጹ’ዮም ነይሮም፡ ሕጂ ግን ልዕሊ ሚእቲ ካብቲ ኣባይቲ ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ተሃሚኹ’ዩ፤ ነታ ከተማ ከኣ ብጻዕዳ ዶሮና መርኣዪ የብላን።

ናብቲ ብርኽ ዝበለ ክፋል ናይታ ከተማ ምስ ደየብኩ፡ ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተፈጠረ ነዊሕ ሃጓፍ መሬት ክዕዘብ ክኢለ። ናይ ሓደ ገዛ ዓይኒ ምድሪ ኸኣ ምሉእ ንምሉእ ኣብቲ ናብ ክልተ ዝተጨደደ መሬት ተዋሒጡ ኣሎ።

እቲ ሃጓፍ ንቤት ኣቡ ኣላም ምሉእ ንምሉእ ናብ ውሽጢ ውሒጥዎ ኣሎ፡ ክልተ ካብ ደቁ ከኣ ኣብ ውሽጢ ገዛ ስለዝነበሩ ኣብ ውሽጢ ተቐቢሮም።

ኣቡ ኣላም “እቲ ገዛይ’ዩ ነይሩ፤ እዚ በዚ ክፋል ዘሎ ኸኣ መደቀሲና ነይሩ” እናበለ ናብቲ ምሉእ ንምሉእ ናብቲ ሃጓፍ ዝተውሓጠ ገዛ ኣመልኪትለይ።

“ብዓልቲ ቤተይ፥ ኣነን ጓለይን ኣብቲ ኢና ደቂስና ነይርና። ጓል 15 ዓመት ዋላ ጓለይ ናብቲ ገበላ ኣብ ዝቐረበ ክፋል ናይ መደቀሲና’ያ ነይራ። ቡልዶዞር ምስ መጽኣትና ፍሒርና ሬስኣ ክንረኽቦ ክኢልና፡ ኣውጺእና ከኣ ቀቢርናያ” ብምባል ኣብ ሓዘን ተዋሒጡ ኣዕሊልኒ።

ኣብቲ ጸላም ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ኣብ ጥቓ ገዝኦም ዝነበረ ዓቢ ገረብ ልሕግ ስለዝበሉ ካብ ሞት ክድሕኑ ክኢሎም።

እቶም ሰብ ጻዕዳ ቆብዕ እናተባሀሉ ዝጽውዑ፡ ኣብቲ ብተቓወምቲ መንግስቲ ሶርያ ኣብ ዝተተሓዘ ቦታታት ሰብኣዊ ሓገዛት ዘበጻጽሑ ኪኖ ፋስን ገረወኛን ምሃብ ካልእ ክህብዎ ዝኽእሉ ሓገዝ ኣይነበሮምን። እቲ ከባቢ ዘመናዊ መሳርሒታት ስለዘይነበሮ፡ ካብ ጾር ናይ ሰብ ንላዕሊ ዝኾነ ነገራት ሓፍ ከብልዎ ኣይክእሉን’ዮም።

ኣቡ ኣላም ነቲ ወደ 13 ዓመት ኣላም ዝተብሃል ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝተደብየ ወዱ ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ክገልጽ እንከሎ “ምሉእ መዓልቲ ክሳብ ምሸት ኩዕት ውዒልና፤ ነቶም ዝሓገዙና ኣምላኽ ይባርኮም፡ ንወደይ ንምርካብ ዘይገበርዎ ነገር ኣይነበረን” ይብል።

ንምሸቱ ንኣላም ስለዝረኸብዎ፡ ኣብ ጎኒ እታ ናይ ንግሆ ዝተቐበረት ሓፍቱ ቐቢረሞ።

ከተማ ብሳንያ ብዙሕ ሰብ ኣይኮነን ዝነብራ፤ ገበላታቱ ናብ ዶብ ቱርኪ ገጹ ዘማዕዱ ሓደሽቱ ዘመናዊ ገዛውቲ፡ ወይለይ ሕጅስባ መብዛሕትኡ ብሰንኪ ምንቅጥቓጥ ምድሪኡ ፈሪሱ’ዩ፡ የለን!።

ኣቡ ኣላም፡ ነባሪ እታ ከተማ “እዝዩ ምቕሉል፥ ሕዉስ፥ ማሕበራዊ’ዩ። ሕጂ ግን ኩሎም የለዉን ሞይቶም’ዮም” ይብል።

ኣዝዩ ሃይማኖተኛ ዝኾነ ኣቡ ኣላም ሕጂ ኩሉ ነገር ሕውስውስ ኢልዎ ውሽጡ ባዶ ከምዝተረፈ’ዩ ዝገልጽ “ሕጂ እንታይ’የ ዝገብሮ?” ብምባል ከኣ ይሓተኒ፤ ኣነ ግን መልሲ ክህቢ ኣይክኣልኩን። ብሓቂ ከኣ ብቐሊሉ መልሲ ዝርከበ ሕቶ ኣይነበረን።

“ቤትና ፈሪሱ፤ ቴንዳ የብልናን፥ ረድኤት የለን፥ ዋላ ሓንቲ የብልናን። ብጀካ ምሕረት ኣምላኽ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ዝረኸብናዮ ነገር የለን፡ ኣነ ኸኣ ነዚ ጥራዩ ዝተረፈ ጎደና ሓላዊኡ ክመስል ድሕሪ ደቀይን መዛኖይን ተሪፈ ዘወን ይብል ኣለኹ” ኢሉና ብምስትምሳል።

ክፍለዮ እንከለኹ፡ ዋላ ንእሽተይ ትኹን ቴንዳ እንተሃልዩኒ ሓቲትኒ፤ እንተኾነ ክንህቦ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበረንን።

ነቶም ሰብ ጻዕዳ ቖቢዕ እናተብሃሉ ዝጽውዑ፡ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ እንተረኸቡ ኣብ ምድላይ እንከለዉ ረኺበዮም።

እንተኾነ ግዜ ምስ ከደ’ዩ እቲ ድልያ ተጀሚሩ።

ኢስማዒል ኣል ዓብደላ ብሰንኪ እቲ ንምዓልታት ከካይድዎ ዝቐነዩ ድልያ ብድኻም ዘፍ ኢሉ’ዩ።

ህዝቢ ዓለም ንህዝቢ ሶርያ ሸለል ከምዝበሎ ብምግላጽ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያ ዘርኣዮ ሸለልትነት ኣብ ኢዱ ደም ከምዘለዎ ብምረት ገሊጹ።

“120 ሰዓታት ዝኸውን ተፍትሽ ምስ ኣካየድና ሕጂ ምድላይ ኣቋሪጽናዮ ኢና” ይብል ኢስማዒል ኣል ዓብደላ።

ብምስዓብ “ህዝብና ንኽነድሕን ዝከኣለና ጽዒርና ኢና፤ እንተኾነ ልዕሊ’ዚ ክንከይድ ኣይክኣልናን ልማኖና ዝሰምዕ ህዝቢ ዓለም ከኣ ኣይረኸብናን”።

“ካብ መጀመርታ ሰዓት እቲ ሓደጋ ጀሚርና ህጹጽ ሓገዝ ክመጽኣና ጠሪዕና፤ መልሲ ዝህብ ኣካል ግን ኣይተረኸበን። ንስለ ምባል ኢሎም’ዮም ‘ምሳኹም ኣለና’ ዝብሉና ነይሮም። 'ዝተደበየ ህዝብና ከነድሕን ናይ ማሽነረ ሓገዝ የድልየና ኣሎ' ኢልና ለሚንና መልሲ ዝሃበና ግን ኣይነበረን” ብምባል ብምረት ይዛረብ።

እንትርፎ ገለ ውሑዳት ስጳኛውያን ዶኳትር ናብ ሶርያ ዝኣተዉ ዓለምለኻውያን ውሃብቲ ረድኤት የለውን።

እቲ ከባቢ በቶም ንምምዳር ባሽር ኣል ኣሳድ ዝቃወሙ ሓይልታት’ዩ ተታሒዙ ዘሎ።

እቲ ነቲ ካበቢ ሒዝዎ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ ሓደ እዋን ምስ ዓልቓዒዳ ርክብ ዝነበሮ ሓያት ታህሪር ኣል ሻም ዝተብሃለ እስላማዊ ዕጡቕ’ዩ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ነቲ ኸባቢ ካብ ዝኾነ ርክብ’ዩ ሓሪምዎ ጸኒሑ።

ነቲ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃሰየ ክፋል ሶርያ ንምዕዛብ ኣብ ዝኸድክሉ ኸኣ ክንስእሎም ዘየፍቅዱ ዕጡቓት ናብ ሶርያ ካብ ዝኣተናሉ እዋን ኣትሒዞም ዶብ ሰጊርና ናብ ቱርኪ ክሳብ ንምለስ ብረቶም ሒዞም ካብ ጎንና ኣይተፈለዩን።

ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ዝኾኑ ነበርቲ እዚ ካባቢ ንምምሕዳር ባሽር ኣል ኣሳድ ዝቃወሙ’ዮም። እታ ሃገር ከኣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ኵናት ሓድሕድ’ያ ትርከብ።

መብዛሕትኦም ኣብ መዓስከራት’ዮም ዝነብሩ።

ዝበዝሑ ከኣ ብሰንኪ ኵናት ሓድሕድ ሶርያ ልዕሊ ክልተ ግዜ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ’ዮም፡ ስለዚ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ነበረታ ተወሰኸታ’ዩ ንዐኦም።

እቲ ክሳብ ሕጂ ነቶም ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃሰዩ ሶርያውያን ንምሕጋዝ ብትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብታ ሃገር ኣትዩ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብቲ ብማሕበር ኣሜረካውያን ሓካይም ዝሕገዝ ባብ ኣል ሃዋ ዝብሃል ሆስፒታል’ዮም ዝውሰዱ ዘለዉ።

ክኢላ መጥባሕቲ ዶክተር ፋሩክ ኣል ዖማር ሓንቲ ‘ኣልትራሳውንድ’ ጥራይ ከምዘላቶም ብምሕባር፡ ክሳብ ሕጂ ን350 ሰባት መጥባሕቲ ከምዘካየድሎም ገሊጹ። እዚ ቁጽሪ ግን ካብቶም መጥባሕቲ ዘድልዮም ኣዝዩ ውሑድ ጉዚ’ዩ።

ብዛዕባ ብዓለምለኻውያን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተውሃበ ሓገዛት እንተሃልዩ ኣብ ዝሓተትኩሉ ከኣ እናሰሓቐ “ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዘይምዝራብ ይሓይሽ። ብዙሕ ግዜ ተዛሪብና ኢና። ዝተገበረ ሓገዝ ከኣ የለን፡ ዋላ ቅድሚ እዚ ምንቅጥቓት ምድሪ ምግጣሙ’ውን እኹል ሓገዝ ይውሃበና ኣይነበረን። ሽዕኡ’ኳ እኹል ሓገዝ ዘይነበረና ሕጂ ምስዚ ኹሉ ሓደጋታት ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክሳብ ክንደይ ተሸጊርና ኣለና ምግማቱ ኣየጸግመካን’ዩ” ይብል።

ኣብ ጫፍ ኮሪደር ናይቲ ሆስፒታል ሓደ ዕሸል ኣብ ውሽጢ ‘ኢንኲበተር’ ኣሎ።

ናይዚ ሞሓመድ ጉያዝ ራጃብ ዝተብሃለ ህጻን ርእሱ ብዓቢ ባንደጅ ተጠቕሊሉ ኣሎ።

እቶም ዶኳትር ዋላ’ኳ ርግጸኛታት እንተዘይኮኑ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ክኸውን ከምዝኽእል’ዮም ገሚቶም።

ኣዲኡን ኣቡኡን ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞይቶም’ዮም።

ጎረባብቲ ነቲ ዝፈረሰ ገዛ ምስ ፍሓርዎ’ዩ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ኣቡኡን ኣዲኡን ክበኪ ምስ ጸንሖም ካብቲ ፍርስራስ ኣውጺኦም ናብዚ ሕክምና ኣምጺኦሞ።

ሶርያውያን፡ ህዝቢ ሶርያ ብህዝቢ ዓለም ጠመተ ከምዝተነፈጎ’ዮም ዝሕብሩ፡ ነቲ ህዝቢ ዓለም ኣብ ልዕሊኦም ዘርእዮ ዕሽሽታ ካብ ብንእሽትኦም እንከለዉ ስለዝርኣይዎ ከምዝለመድዎ’ዮም ዝዛረቡ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ወጣሪ ህጹጽ ረድኤት ዘድልየሉ እዋን ክሳብ ክንድዚ ክዓቢ’ዩ ዝብል ግምት ከምዘይነበሮም ግን ኣይሓብኡን።

ኣብ ከተማ ሃረም፡ ፋድል ጋዳብ ብሰንኪ እዚ ምንቅጥቓት ምድሪ ሓትንኡን ኣኩኡን ሞይቶሞ።

“ሕቡራት ሃገራት 14 ረደኤት ዝጸዓና መካይን ሰዲደ ኢሉ፤ ወላ ሓንቲ ዝረኸብናዮ ነገር የለን፡። ህዝቢ ኣብ ጎዶናታት’ዩ ፋሕ ኢሉ ዘሎ”

ናብ ሶርያ ረድኤት ይኣቱ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። እንተኾነ ውሑድ’ዩ፤ ውሑድ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ዶንጉዩ’ዩ።

ኣብታ ዓለምለኻውያን ስራሕተኛታት ዘይኣተውዋ ናይ ሶርያ ከተማ ሃረም፡ ህጻናት ከይተረፉ’ዮም ኣብ ምውጻእ ዝተደብዩ ሰባት ዝሰርሑ ዘለዉ።

ሓደ ኣቦን ክልተ ደቁን ዝተቐበሩ ኣባላት እቲ ስድራ ንምውጻእ ብናይ መኪና መሰፍሰፊ ክሪክ ገይሮም ነቲ ዓቢ ዝወደቐ ኮንክሪት ሓፍ ንምባል ክጋደሉ ይርኣዩ። ናይ ዓቕሉ ጽበት ፈተነ’ዩ።

ኣብቲ ዝበጻሕናዩ ክፋል ሶርያ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ዘሎ፤ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ኣስጋኢ።

ንሓንቲ መዓልቲ’ያ ተፈቒዳትኒ። ጸሓይ ከኣ ኣብ ምዕራባ’ያ፤ ናብ ቱርኪ ክምለስ ኣለኒ፤ ናብታ ብሰብኣዊ ሓገዛት ዝህባ መካይን፡ ኣብ ምፍታሽ ዝፈረሰ ህንጻታት ዝተዋፈራ ዓበይቲ ማሽነሪታትን ሰባት ካብን ናብን ሆስፒታል ዘመላልሳ ኣምቡላንስን መሕለፊ እግሪ ዘይርከበላ ሃገር።

ቴሌፎነይ፡ መልእኽቲ ከምዝመጽኣኒ ዝሕብር ድምጺ ኣስሚዓ።

ሓደ ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን ቱርኪ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ውሽጡ ፍርስራስ ድሕሪ 132 ሰዓታት ብህይወት ከምዝረኸብዋ ዝሕብር ብስራት ዝሓዘለ መልእኽቲ’ዩ ሰዲዱለይ።

ኣብታ ዝባነይ ሂበያ ዝመጻእኩ ሶርያ ግን ኩሉ ነገር ጸጥ ኢሉ’ዩ ዘሎ።